መግለጺ ቅዱስ ሲኖዶስ 'ብዛዕባ ምሻም ኤጲስ ቆጶሳት'

Aug 04, 2021

ቅዱስ ሲኖዶስ ብምዕሩግ መንፈሳዊ ኣገባብ ሰንበት ፮ ሰነ ፳፻፲ወ፫ ዓ.ም (13/06/2021) ድኅሪ ዝፈጸሞ ሥርዓተ ሢመተ ፭ይ ፓትርያርክ፡ ኣብቲ ዕለተ ሢመት ድኅሪ ቀትሪ ኣብ ዝገበሮ ቀዳማይን ሕጹጽን ጉባኤኡ ምስ ክቡራን ኣበምኔታትን መነኮሳትን ገዳማት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ መስርሕ መረጻ ሓደስቲ ኤጲስ ቆጶሳት ኣስፊሑ ብምዝርራብ ዝጀመሮ መስርሕ፡ ኵሉ ሕጋዊ ኣገባባት ብምኽታልን ብምፍጻምን፡ ካብቶም ዝቐረቡ ሕጹያት እንሆ ነዚ ማዕርግን ሓላፍነትን ብቝዓት ኮይኖም ንዝረኸቦም ፮ተ ኤጲስ ቆጶሳት ይሸይም ከምዘሎ ቅዱስ ሲኖዶስ ንዅሎም ስዩማን ኣገልገልትን ሕዝበ ክርስቲያንን ብሓጐስ ይሕብር።

ቅዱስ ሲኖዶስ መስርሕ ምርጫ ኤጲስ ቆጶሳት ብዝምልከት’ውን ኣቐዲሙ ዕለት ፪ን ፭ን ሰነ ፳፻፲ወ፫ ዓ.ም (09, 12/05/2021) ኣብ ዝገበሮ ጉባኤታቱ፡ ሕገ ቤተ ክርስቲያን ኣንቀጽ ፸፰-፸፱ መሠረት ብምግባርን፡ ንህልዊ ኩነታት ገዳማትን ሃገረ ስብከታትን ኣብ ግምት ብምእታው ተዛትዩ ብሥሙር ድምጺ ኣመሓይሹ ንዘጽደቖን መምዘኒ ብቕዓት ኤጲስ ቆጶሳት ብዝምልከት መብርሂ ድኅሪ ምሃብ፡ ኣበምኔታትን ሽማግለታትን ገዳማት ኣብ ገገዳማቶም ነዚ መምዘኒ ዘማልኡ መነኮሳት ንዝተዳለወ ዝርዝራዊ ቕጥዒ ብማእከልነቶም መሊኦም ከቕርቡ መምርሒ ምዝርግሑ ይዝከር።

ብመሪሕነት ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቄርሎስ ቀዳማዊ እናተመርሑ ክካየዱ ኣብ ዝጸንሑ ንምርጫ ኤጲስ ቆጶሳት ኣብ ዝምልከቱ ተኸታተልቲ ጉባኤያት፡ ምስ ገዳማት ኤርትራ ክፉትን ግሉጽን ሓናጽን ልዝብ ብምክያድ፡ ኵለን ገዳማት ኤርትራ ሓላፍነተን ከልዕላን ኣብ ምኃያል ቅዱስ ሲኖዶስን ተልእኾታቱን ኣበርክቶአን ከእዝዛን ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ ምንባሩ ይፍለጥ። ብዕለት ፲፮ ሓምለ ፳፻፲ወ፫ ዓ.ም (23/07/2021ፈ.) ኣብ ዝተኻየደ ሰፊሕ ጉባኤ ገዳማት’ውን ብደቂቑ ዝተዘርበሉ ኮይኑ፡ ብርክት ዝበሉ ሕጹያት ከካብ ገዳማቶም ቀሪቦም እኳ እንተነበሩ፡ ኣምራጺት ኮሚቴ ድኅሪ ዝገበረቶ ምጽራይ ኣብዚ ቀዳማይ ገጽ ኤጲስ ቆጶሳት ክሽየሙ ንዘቕረበቶ ንድፈ ውሳነ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣስፊሑ ብምዝታይ ብሥሙር ድምጺ ከምዘጽደቖ ይገልጽ።

እዋናዊነትን ኣገዳስነትን ምሻም ኤጲስ ቆጶሳት ሓደ ካብቲ ቀዳምነት ዝተዋህቦ መደባት ቅዱስ ሲኖዶስ ምዃኑን፡ ብምኽንያት ዕረፍተ ሥጋ ንዝተፈልዩ ብፁዓን ጳጳሳት ምትካእን፡ ኣብ ኵለን ሃገረ ስብከታት ውሽጥን ወጻእን ተፈጢሩ ዘሎ ሓጓፍ ድማ ብቕልጡፍ ምምላእን ንጽባሕ ዘይበሃሎ ዓቢይ ዕማም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ኣብ ዝተኻየዱ ጉባኤታት ብኣጽንዖት ዝተዘርበሉ ኣጀንዳ ምንባሩ ቅዱስ ሲኖዶስ ብኣኽብሮት ይሕብር።

ኣብ መወዳእታ’ውን ቅዱስ ሲኖዶስ ብገዳማት ተመሊኡ ንዝቐርብ ቕጥዒ ብዕምቈት ተመልኪቱ፡ ብመሠረት ሕገ ቤተ ክርስቲያን ኣንቀጽ ፸፯ ብደረጃ ኮሚቴ መምዩን ብቝዓት ኮይኖም ንዝረኸቦም ናብ ቅዱስ ፓትርያርክ ብምቕራብ ይሽየም ከምዘሎ ንዅሉ የፍልጥ። ብመሠረት ወጺኡ ዘሎ መደብ ድማ ሎሚ ዕለት ፳፰ ሓምለ ፳፻፲ወ፫ ዓ.ም (04/08/2021) ዋዜማ ጸሎተ ሠርክ ክበጽሕ ከሎ ጽባሕ ዕለት ፳፱ ሓምለ ፳፻፲ወ፫ ዓ.ም (05/08/2021) ሥርዓተ ተቀብኦ ወሢመት ክፍጸም ምዃኑ ድማ ይሕብር።

እግዚአብሔር ኣምላኽ ቤተ ክርስቲያንን ደቃን ዝጓስዩ እሙናትን ትጉሃትን ጓሶት ክህበናን፡ ነቶም ዝሽየሙ ዘለዉ ድማ ነዚ ከቢድ ኃላፍነት እግዚአብሔር ብብቕዓት ዝፍጽሙሉ ጸጋ ክህቦም ኵሎም ስዩማን ኣገልገልትን ሕዝበ ክርስቲያንን ጸሎቶም ናብ ልዑል ፈጣሪ ከቕርቡ ቅዱስ ሲኖዶስ ንዅሉ መልእኽቱ የመሓላልፍ።

 

Ad Right

ዘመነ ማርቆስ 17 መስከረም 2014 ዓ.…

September
Monday
27
በዓለ መስቀል፡ ወታኦግንስጣሮማዊት።               ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት  1ይ ቆሮ. 1፡17-ፍጻሜ 1ይ ጴጥ. 2፡20-ፍጻሜ ግብረ ሓዋርያት ግብ. ሐዋ.  5፡26-33 ምስባክ መዝ. 131/132 ወንጌል   ዮሐ. 19፡25-37 ቅዳሴ ቅዳሴ ዘዮሐንስ አፈ ወርቅ።        * * *
00:00 h