ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ፊልጶስ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ

Nov 02, 2019

ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ፊልጶስ ካብ መፍቀርያነ እግዚአብሔር ዝኾኑ ሥድራ ቤት ኣቦኦም ወልደሥላሴ ዓምደጊዮርጊስ፡ ኣዲኦም ድማ ሚዛን ሃብተማርያም 17 መስከረም 1894 ዓ.ም. (27 መስከረም 1901 ዓ.ም.ፈ) ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ እንዳደቆ ዝበሃል ዓዲ ተወሊዶም። ዝተወልዱሉ ዕለተ ብርሃን በዓል መስቀል ብምንባሩ “ተወልደብርሃን” ኢሎም ሰመይዎም።
ብፍቕርን ናብዮትን ወለዶም ዓብዮም ወዲ 10 ዓመት ምስ ኮኑ ኣደኦም ብሞት ተፈለይኦም። ድኅሪ ሓደ ዓመት ኣቦኦም “ንሕፃን እታ ክኸደላ ዝግብኦ መንገዲ ኣርእዮ እሞ ካብኣ ኣይከልግስን እዩ” ዝብል ቃል መራሔ ፍኖት ገይሮም ኂዞሞም ናብ ገዳም ደብረ ቢዘን ኣተዉ።

ኣብዚ ገዳም ደብረ ቢዘን፡ መንፈሳዊ ትምህርቲ ምስ ግብረ ገብነት ብሓፈሻ ን4 ዓመት ዝኣክል ምስ ተማህሩ ብ 02 ሐምሌ 1908 ዓ.ም.ግ (09 ሓምለ 1916 ዓ.ም.ፈ) ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን ኢትዮጵያን ሊቀ ጳጳሳት ካብ ዝነበሩ ግብጻዊ ኣቡነ ጴጥሮስ መዓርገ ዲቁና ተሠየሙ። ተመስጦ ቃለ እግዚአብሔር ስለዝነበሮም ትምህርቶም ብምቕጻል ምሉእ ግብረ ክህነት ምስ ዛዘሙ ንፍሉይን ልዑልን ትምህርቲ ካብ በበይኖም መምህራን ኣብ ዝተፈላለያ ኣድባራት ካብ 1910 ክሳዕ 1918 ዓ.ም.ግ (1918 ክሳዕ 1926 ዓ.ም.ፈ.) ኣብ ዝነበረ ጊዜ ሰዋስወ ግእዝን ቅኔን ጸዋትወ ዜማን ትርጓሜ መጻሕፍትን ብግቡእ ተማሂሮም። እዚ ድማ ኣብ ገዳም ደብረ ድማኅ ኣቡነ መርቆሬዎስ ኣብ ዓዲ ጣፋ ንፋስ ካብ መምህር ወልደሥላሴ ቅኔ ምስ ተቐነዩ ትምህርቶም ንምስፋሕ ኣብ ኣምባ ሰነዪቲ (ትግራይ) ዝርከብ ገዳም ቅድስት ሥላሴ ካብ መምህር ኣፈወርቅ ቅኔ ምስ ኣገባቡ ኣጽፊፎም ተማሂሮም። ቀጺሎም ድማ ናብ ኣክሱም ብምኻድ ትርጓሜ መጻሕፍተ ሓዲሳት ከም ዝተማህሩ ታሪኾም ይገልጽ።

ትግሃቶምን መንፈሳውነቶምን ዝከታተሉ ዝነበሩ ኣበምኔት ገዳም ደብረ ቢዘን መምህር ዓምደማርያም ኣብ መጀመርታ 1918 ዓ.ም.ግ (1926 ዓ.ም.ፈ ) ናብ ደብረ ቢዘን መለስዎም። ብምርጫን ትእዛዝን ማኅበረ መነኮሳት ኣብ በበይኑ ሥራሓት ከገልግሉ ድኅሪ ምጽናሕ ብ1922 ዓ.ም.ግ. (1930 ዓ.ም.ፈ.) "ምዉት አነ በኀበ ዓለም፡ ወዓለምኒ ምዉት በኀቤየ/ ዓለም ኣባይ ምውቲ እያ፡ ኣነ'ውን ኣብ ዓለም ምዉት እየ” ገላ. 6፡11-15 ብምባል ካብ ናብራ ዓለም ርኂቖም ብድንግልና ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ክጽመዱ መብጽዓ ኣተዉ’ሞ “ኣባ ተወልደብርሃን” ዝብል ድርብ መጸውዒ ተዋሂብዎም ብኢድ ኣበምኔት መምህር ዓምደማርያም ሥርዓተ ምንኵስና ተፈጺምሎምን ልብሰ ምንኵስና ተቐቢሎምን መነኮስ ዘደብረ ቢዘን ኮኑ።

ኣባ ተወልደብርሃን (ብፁዕ ኣቡነ ፊልጶስ) ብትግሃት እናኣገልገሉ፡ ብዕድመን ጥዕናን ዓዲ ውዒል ንዝኾኑ ገዳማውያን እናረድኡ ድኅሪ ምጽናሕ፡ መዓርገ ቅስና ንምቕባል ናብ ሃገረ ግብጺ ተበገሱ። ኣብቲ ጊዜ’ቲ መዓርገ ክህነት ዝቕበሉ ኤርትራውያን ብቐጥታ ካብ ፓትርያርክ እስክንድርያ ኪኸውን ኣቐዲሙ ብባዕዳዊ መግዛእቲ ጣልያን ኣቢሉ ምስ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ስምምዕ ተገይሩ ስለ ዝነበረ ብ21 መስከረም 1927 ዓ.ም.ግ. (28/07/1935 ዓ.ም.አ.) ናብ ግብጺ ከዱ። ካብ ፖፕ መበል 19 ዮሓንስ ፓትርያርክ እስክንድርያ (መበል 113 ፓትርያርክ ዘመንበረ ማርቆስ) መዓርገ ክህነት ተቐቢኦም ድማ ናብ ሃገሮም ተመልሱ።

ብርድእናን ተኣዝዞን ዝቕድሞም ዘየለ ኣባ ተወልደብርሃን ድኅሪ ንሓደ ዓመት ኣብ ጸላም ዝበሃል ቦታ ገዳም ደብረ ቢዘን መንፈሳዊ ትምህርቲ ኪምህሩ ድኅሪ ምጽናሕ፡ ብጻውዒት ማኅበረ መነኮሳት ናብ ደብረ ቢዘን ተመሊሶም ብቀሺ ገበዝነት ንኸገልግሉ ተመርጹ። ነዚ ኃላፍነት’ዚ ድማ ብኣኰቴት ተቐቢሎም ንሠለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርኅን ብቅንዕናን ትግሃትን ኣገልገሉ። ድኅሪ’ዚ ኣብ ትግራይ - ዓድዋ፡ ዓዴት ኣብ ዝበሃል ጨንፈር ገዳም ደብረ ቢዘን ዝኾነ ደብረ ገነት ተላኢኾም ንዓሠርተ ዓመት ኣገልገሉ።

እቶም ን34 ዓመት ብዓቢይ መንፈሳዊ ጥበብን ትብዓትን ንገዳም ዘገልገሉ ኣበምኔት መምህር ወልደሰማዕት ምስ ዓረፉ ነታ መንበሮም ዝትክኣ ኣቦ ተደልየ። እንሆ ድማ ብ1941 ዓ.ም.ግ (1948 ዓ.ም.ፈ) ብመሠረት ሕግን ሥርዓትን ኣበው መነኮሳት፡ ነዚ መንፈሳዊ ኃላፍነት ብመንፈሳዊ ፍልጠትን ግብረ ገብነትን ይበቕዑ እዮም ተባሂሎም ካብ ዝተሓፅዩ ኣቦታት፡ ኣባ ተወልደብርሃን ብድምፂ ብልጫ ተመስኪሩሎም፡ ብምልኣተ ማኅበረ መነኮሳት “ይደልዎ” “ይግብኦ” ተባሂሎም፡ “እስመ መምህረ ሕግ” “መምህር ተወልደብርሃን ኣበምኔት ዘደብረ ቢዘን” ብዝብል መጸውዒ ኃላፍነትን መሪሕነትን ገዳም ተረከቡ።

ተልእኮን ተኣዝዞን ኣብ በበይኑ ጽፍሕታት ኃላፍነት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምብጻሕ መምዘንን ተመክሮን ብምዃኑ፡ ኣባ ተወልደብርሃን በዚ መሥርሕ እዚ ኃሊፎም ብቕዓቶም ከመስክሩ ጊዜ ኣይወሰዱን።
ኣብ መንፈሳዊ ትምህርትን ማኅበራዊ ኣገልግሎትን ቊጠባዊ ዕቤትን ገዳም ደብረ ቢዘን ዓቢይ ኣበርክቶ ገበሩ። ብዝተዋህቦም ሥልጣንን ኃላፍነትን ኣገልግሎቶም ንገዳም ጥራይ ከይተሓጽረ፡ ንናይቲ ኣከባቢ ሕዝቢ ትምህርተ ሃይማኖት ንኽመሃር፡ ኣብያተ ክርስቲያናት ንኺሕነፃ፡ ትኅዝቶ ገዳም ንክኸብርን ንኽሰፍሕን ከምቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ኣቦታት ብሰፊሑ ቀጸልዎ። ኣብ ገዳም ደብረ ቢዘን ቤት ትምህርትን ቤት መጻሕፍትን ከምኡ’ውን ካብ ነፋሲት ክሳብ ባጽዕ ኣብ በበይኑ ቦታታት ኣብያተ ክርስቲያናት ሓኒፆም። ኣብ ቊጠባዊ ኣገልግሎት ዝውዕሉ ኣብ ኣሥመራ፡ ነፋሲት፡ እምባትካላን ካልእን ዝተሠርሑ ገዛውትን ትካላትን . . . ሕያው ምስክር እዮም።

ኣበምኔት ኣብ ዝነበርሉ ብፍሉይ ዝጽውዕሉ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝነበሮም ቅንዓት፡ ኣብ ጉዳይ ሃገር ዝነበሮም ጽኑዕ ፍቕርን ቅኑዕ መትከልን ተባዕ ውሳኔን እዩ።
ካብ 1974 ዓ.ም. ኣትኂዞም ናይ ኢትዮጵያ ሰበ ሥልጣን ደርጊ - ኢሰፓ በብጊዜኡ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባታት ከም መጠን ዓቢይ ኣቦን ተጸዋዒ ገዳም ደብረ ቢዘንን እናዓደሙ ኣንጻር ቃልሲ ኤርትራ ኪጒስጒሱ ኣብ ዝደፋፍእዎም ዝነበሩ ጊዜ፦ ነቲ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ኤርትራ ብወተሃደራት ደርግ ዝፍጸም ዝነበረ ግፍዕን ኅልቂትን ዘመተ ንብረትን ጥሪትን እናዘርዘሩ፡ እዚ ኣረማዊ ተግባር እምበር ግብሪ ጽድቂ ስለ ዘይኮነ ኣይቅበሎን እየ፡ ሓቂ መስኪረ እንተሞትኩ’ውን ግቡአይ” ብምባል ተቢዖም ይምልሱን በብእዋኑ ብግልጺ ይቃወሙን ነበሩ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ክሳብ ንሕይወት ዝፈታተን መከራ በጽሖም። ናይቲ ዓቢይ ገዳም ደብረ ቢዘን ኣበምኔት ብምዃኖም ኣብ ሕዝቢ ካልእ መልክዕ ከይኅዝ ዝሰግኡ ሰበ ሥልጣን ደርግ፡ ካብ ከተማ ኣሥመራ እንከይወፅኡን ፍሉይ ምክትታል ክግበረሎምን ወሰኑሎም። በዚ ናይ ማሕዩር እገዳ ድማ ንኽልተ ዓመት ጸንሑ።

ትምህርቶምን ሥነ ምግባሮምን ኣገልግሎቶምን ንዝያዳ ሢመት ብቑዕ ስለዝገበሮም፡ ብድምፂ ምርጫ በሊጾም ብሣልሳይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ መርቆሬዎስ ብኣንብሮተ ዕድ ናይ መላእ ኢትዮጵያ ገዳማት ኤጲስ ቆጶስ ኮይኖም ብ18 ጥቅምቲ 1983 ዓ.ም.ግ. (28 ጥቅምቲ 1990 ዓ.ም.ፈ) ተሾሙ።
ሊቀ ጳጳስ ዘገዳማተ ኢትዮጵያ ኮይኖም መንበረ ቤት ጽሕፈቶም ኣብ ኣሥመራ ገይሮም ክሳዕ ናፅነት ኤርትራ 1983 ዓ.ም.ግ. (1991 ዓ.ም.ፈ) ኣገልገሉ።

ብ21 መስከረም 1984 ዓ.ም.ግ. (2/10/1991 ዓ.ም.ፈ.) ካብ ኢትዮጵያ ብተፈልዮ ባዕለ ምምኅዳራዊ ሥራሕ ብመሪሕነት ኣቡነ ፊልጶስ ካብ ኣበምኔታት ገዳማት፡ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ዝርከብዎ ጊዜያዊ ሲኖዶስ ምስ ቆመ፡ መሠረታዊ ዕዮታት ተፈጺሞም እዮም።
ኣብ ጽባሕ ወግዓዊ ዓመተ ናፅነት ሃገርና (1993 ዓ.ም.ፈ.) ምስ ሥርወ መንበረ ፓትርያርክ ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ ዝኾነ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ግብጺ፡ ታሪኻውን ሕጋውን ርክባቱ ተጸኒዑ ክኸውን ኣብ ዝግብኦ ጒዳይ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኤርትራ ኣብ ስምምዕ ስለ ዝተበጽሐ፡ ብብዝኂ ድምፂ ዝተኃርዩ ኃሙሽተ ኣበምኔታት ናብ ግብጺ ብምኻድ ብ12 ሰነ 1986 ዓ.ም.ግ. (19/6/94 ዓ.ም.ፈ.) ዕለተ በዓለ መንፈስ ቅዱስ (ጰንጠቆስጤ) ብኢድ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ ሣልሳይ መዓርገ ጵጵስና ተቐቢኦም ተመልሱ።

ብፁዕ ኣቡነ ፊልጶስ ካብ 1991 ዓ.ም.ፈ ክሳዕ 1998 ዓ.ም.ፈ ን7 ዓመት መሪሕነት መንበረ ጵጵስናን ልዑለ መንበርነት ጊዜያዊ ሲኖዶስን ኮይኖም ኣብ ዘገልገልሉ ጊዜያት ናብ ፍጹም ምሉእ ልዑላውነት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዘብቅዕ ጥጡሕ መንገዲ ተጸርገ።
እንሆ ድማ ኣብ 1990 ዓ.ም.ግ. (1998 ዓ.ም.ፈ)፦ ጳጳሳት ኣድያማት (ዞባታት) ኤርትራ፡ ኣባላት ጊዜያዊ ሲኖዶስን ምእመናንን ዓበይቲ ዓድን፣ ልኡኽ መንበረ ማርቆስ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ብሾይ ብተዓዛብነት ኣብ ኣሥመራ ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ንሢመተ ፓትርያርክና ብፁዕ ኣቡነ ፊልጶስ ተኃርዩ።

ብ30 ሚያዝያ 1990 ዓ.ም.ግ. (08 ግንቦት 1998 ዓ.ም.ፈ) ናብ ግብጺ ብምኻድ ኣብ መንበረ ማርቆስ 54 ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ኣብ ዝተሳተፍዎ ብብፁዕ ወቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ 3ይ መበል 117 ፓትርያርክ ዘመንበረ ማርቆስ፡ ጸሎተ ሢመትን ሥርዓተ ተቀብዖን በጺሑሎም፡ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ፊልጶስ ቀዳማይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኮኑ።
ኣብቲ ዓመት’ቲ ድማ ጊዜያዊ ሲኖዶስ ተልእኾኡ ኣብቂዑ፡ ብሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ጥራይ ዝቖመ፡ ብብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ፊልጶስ ዚምራሕ ቅዱስ ሲኖዶስ ኃላፍነቱ ተረከበ።

ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ፊልጶስ ኣብተን 4ተ ዓመት መዋዕለ ሢመቶም ብመሪሕነቶም ብዙኅን ዓቢይን መሠረታውን ሥራሓት ተፈጺሞም እዮም። ብመሪሕነቶም ልዑለ መንበር ቅዱስ ሲኖዶስ መሠረታዊ ሓዋርያዊ ዕዮታት ፈጺሙ። ቅዱስነቶም ንኃሙሽተ ጳጳሳት ናብ መዓርገ ሊቀ ጵጵስና ሠይሞም። ኣብ ውሽጥን ወፃእን ሃገር ስብከተ ወንጌል ኣብ ምስፋሕ፣ ውሉደ ክህነት ኣብ ምሥልጣን፣ በብኣድያማት (ዞባታት) ብሓገዝ ዝተፈላለዩ ኣካላት መንበረ ፓትርያርክን ኣብያተ ጽሕፈትን ከምኡ’ውን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ምሕናፅ፣ ኣብ ውሽጥ ሃገርን ወፃእን ብስም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዑደትን ዘተን ብምግባር ቃለ ምዕዳንን ቡራኬን ኣብ ምሃብ . . . ብዙኅን ሰፊሕን ኣገልግሎት ፈጺሞም።
ጽኑዕ ውሕደት ምስ ኣኃት ኦርየንታል ኣብያተ ክርስቲያን ከምኡ’ውን ኅውነታዊ ዝምዳና ምስ ካልኦት ሃይማኖታውያንን ማኅበራውያንን ትካላት ኣብ ምምሥራት ብዙኅ ጽዒሮም እዮም።

ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ፊልጶስ፣ ደኺምንን ጸጊምንን ከይበሉ ክመርሑን ከገልግሉን ድኅሪ ምጽናሕ፡ ብዝኃደሮም ሕማም ኣብ መበል 101 ዓመት ዕድመኦም ኣብ ኣሥመራ ብዕለት 08 መስከረም 1995 ዓ.ም.ግ. (18 መስከረም 2002 ዓ.ም.ፈ.) ብሰላም ዓሪፎም። ሥርዓተ ቐብሮም ድማ ካብ ግብጺ ዝመጹ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳን ሊቃነ ጳጳሳትን፣ ከምኡ’ውን ብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳት ዝመርሕዎም ሕዝበ ክርስቲያን፣ ኣካላት መንግሥትን ናይ ካልእ ሃይማኖት መራሕትን ወከልትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ገዳም ደብረ ቢዘን ተፈጺሙ።

ረድኤት ብፁዕነቶም ኣይፈለየና።

“ፍትወተ ነፍሱ ወሀብኮ ወስእለተ ከናፍሪሁ ኢከላእኮ፡ እስመ በጻሕኮ በበረከት ሠናይ፡ ወአንበርከ አክሊለ ዲበ ርእሱ ዘእምዕንቊ ክቡር፡ ሐይወ ሰአለከ ወሀብኮ፡ ለነዋኅ መዋዕል ለዓለመ ዓለም”
“ትምኒት ልቡ ሃብካዮ፡ ዝለመነካውን ኣይከላእካዮን፡ ብዓቢይ በረኸት ተቐበልካዮ፡ ብጽሩይ ወርቂ ዝተገብረ ኣኽሊል ኣብ ርእሱ ደፋእካሉ፡ ሕይወት ለመነካ፡ ንስኻ ከኣ ነዊኅ ዕድመ ሃብካዮ፡ ብሳላ ምድኃንካ ክብሩ ዓቢይ እዩ። ዕቤትን ሞገስን ወሰኽኻሉ” (መዝሙረ ዳዊት 21(22)፡2-5)

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!
***

ዘመነ ዮሐንስ 28 ኅዳር 2012 ዓ.ም.

December
Sunday
8
ዝክር፦ ተዝካረ አብርሃም ይስሐቅ ወያዕቆብ፡ወአባ ሰረባሞን፡ ወሊቃኖስ ዘእም፱ቱ ቅዱሳን። ዘቅዳሴምንባብ፦ ገላ. 3፡1-9። ያዕ. 2፡21-ፍጻሜ። ግብ. ሐዋ.3፡12-17። ምስባክ፦ መዝ. 96/97። ወንጌል፦ ማር. 12፡25-28። ቅዳሴ፦ ዘ፫፻ትግሩም። ***
00:00 h
Ad Right

  

: :
Queue is empty
-- / --