ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ካልኣይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ

Nov 29, 2019

ኣብ ዕሥራ ክፍለ ዘመን ብሩህ ኮከብ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዘምድረ አግዓዚ ዝኾኑ ብፍሉይ ካብ ዝዝከሩ ኣቦታት ሓደ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ እዮም። መናኒ፡ ምሁረ መጻሕፍት፡ ሰባኬ ወንጌል፡ ምዑዘ ልሳን፡ ጸሓፊ፡ ዋና ኣመኃዳሪ፡ . . . ነይሮም። ካብ ዲቁና ክሳዕ ሊቀ ጵጵስና፡ ዓቃቤ መንበር፡ ፓትርያርክ ዘሎ መዓርጋት ተሠይሞም ንእግዚአብሔር ዘገልገሉ፡ ንሕዝበ ክርስቲያን ዘጽንዑን ዝባረኹን ዝሓለዉን ብቁዕ ኣቦ ነይሮም።

‘ነገር ካብ ሥሩ ማይ ካብ ምንጩ’ ስለዝኾነ ቀዳሞት ወለዲ ኣቡነ ያዕቆብ ርቱዓነ ሃይማኖትን ፍጹማን መንፈሳውያንን እዮም ነይሮም። ንገዳም ፃዕዳ እምባ ሥላሴ ምሉእ ኣእምሮኦምን ዓቕሞምን ንብረቶምን ዝወፈዩ ከምኡ’ውን ፍርያም መሬቶም ዝመጽወቱ እዮም። ቅድም ኣቦይ ቀላቲ ደኃር ድማ ክልተ ደቁ ሥዕለጽዮንን ዑቍባጽዮንን እዮም። ዑቍባጽዮን ካብቶም ክልተ ደቁ ማለት ተስፋጊዮርጊስን ዓምደጊዮርጊስን ንሓደ መጽዊቱ ንገዳም ፃዕዳ እምባ ሥላሴ ክውፍዮ እኳ እንተ መደበ እቶም ዓበይቲ ዓዲ እድርባ ግና ‘ሓደ ከምዘይተወልደ ክልተ ኸኣ ክንዲ ሓደ’ዶ ኣይኮነን፡ ስለዚ ክወልዱ ክፈርዩ ግደፎም’ ብምባል ካብ መደቡ ኣታረፍዎ።

እንሆ ድማ ንዓምደጊዮርጊስ ምስ ሓንቲ ፈራሂተ እግዚአብሔር ወለተ ቅዱሳን ዓምደሚካኤል ኣመርዓውዎ እሞ ፍሬኦም ዝኾኑ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ያዕቆብ ብዕለተ 05 ሐምሌ 1917 ዓ.ም.ግ. (1925 ዓ.ም.ፈ.) ኣብ ዞባ ዓንሰባ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ ምምኅዳር ከባቢ እድርባ ብፍላይ ኣብ ወስበንስሬኽ ተወልዱ።

ኣብ ኣርብዓ መዓልቶም ኣብ ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ጸጋ ጥምቀት ተቐቢሎም ‘ተክለማርያም’ ዝብል ስም ተዋህቦም። ብክንክን ወለዶም ዓብዮም ንዓቅመ ትምህርቲ ምስ በጽሑ፡ ኣቦኦም ዓምደጊዮርጊስ ናብ ከባቢኦም ዝርከብ ገዳም ፃዕዳ እምባ ቅድስት ሥላሴ ንኽመሃሩ ኣብጽሕዎም። ኣብዚ ገዳም ድማ ብዝግባእ ንባበ ግእዝን መዝሙረ ዳዊትን ናይ ቃል ትምህርቲ፡ ጸሎተ ሰዓታትን ብሓፈሻ ንመዓርገ ዲቁና ዘብቅዕ ምስ ተማህሩ፡ ካብ ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ ጳጳስ ዘኤርትራ መዓርገ ዲቁና ተሠይሙ። ብድኅር’ዚ ናብ ትውልዲ ዓዶም ተመሊሶም ኣብ ኣገልግሎተ ቤተ እግዚአብሔር ብግብረ ዲቁና ተፀሚዶም ከለዉ፡ ኣቦኦም ሓሚሙ ሞተ። ኣቦኦም ኣብ ዕዮ መንፈሳውን ሥጋውን ዝዋሣእ፡ ክሳብ ጭቃ ዓዲ ኮይኑ ዘገልገለ፡ ኣብ ምሕናፅ ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ዓብላሊ ተራ ዝተጻወተ፡ ልዑል ክእለትን ትግሃትን ስለዝነበሮ ምስ ሞተ፡ እቶም ዓበይቲ ዓዲ ‘ክንዲ ኣቦኦም ሥድራ ክኣልዩን ኃላፍነት ክስከሙን ክወልዱን ክዝምዱን’ ነዲኦም ወለተቅዱሳን ኂዞም ብምኻድ ንኣቡነ ያዕቆብ ለመንዎም።

ንሶም ግና ሓሳቦም ምንኵስና ስለ ዝነበረ፡ ካብ ቦታኦም ርኂቖምን ካብ ቤተሰቦም ተፈልዮምን ሓሳብ ልቦም ክፍጽሙ ናብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ማይምነ ገዳም ደብረ ድኁኃን ኣቡነ ዮናስ ከይዶም ተቐመጡ። ንኣረጋውያን መነኮሳት እናረድኡ፡ መንፈሳዊ ኣገልግሎትን ትሩፋትን እናፈጸሙ ትምህርቶም ቀጸሉ። ኣብዚ ገዳምን ካብኡ ወፃእን’ውን ካብ በበይኖም መምህራን ጸዋትወ ዜማን ሰዋስወ ግእዝን ትርጓሜ መጻሕፍትን ኣቋቋምን፡ ብፍላይ ድማ መዝገበ ቅዳሴን ቅዉም ጽሕፈተ ብራናን ተማሂሮም ብደረጃ መምህርነት ተመዲቦም ኣገልገሉ።

ኣብዚ ገዳም’ዚ መንፈሳዊ ኣገልግሎቶምን ርድእናኦምን ተመስኪርሎም፡ ንሶም ባዕሎም’ውን “አነ ምዉት በዓለም ወዓለምኒ ምዉት በኀቤየ” ብምባል ኣስኬማ ዘመላእክት አርዑተ ምንኵስና ብ1938 ዓ.ም.ግ. ምንኵስና ተቐቢሎም፡ ‘አባ ተክለማርያም’ ተባህሉ። መዓርገ ክህነት’ውን ብአቡነ ማርቆስ ተቐብኡ። ከምኡ ድማ መዓርገ ቁምስና ካብ ኢድ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ተቐበሉ።
‘አባ ተክለማርያም’ እናተባህሉ ብመምህርነት መንበር ዘርጊሖም ጉባኤ ኣስፊሖም ንዓሠርተ ዓመታት ደቀ መዛሙርቲ ኣፍረዩ።

ኣብ ማኅበረ መነኮሳት ብዝነበሮም ተፈታውነት፡ ናይቶም ብዕድመ ሸምጊሎም ዝነበሩ ኣበምኔት ገዳም ደብረ ድኁኃን መምህር ኃይለሥላሴ መድኃኔ ኣፈ መምህር ኮይኖም ከገልግሉ ተመሪጾም ንአርባዕተ ዓመታት ዚኣክል ኣገልገሉ።

ብአፈ መምህርነት እናገልገሉ ድማ ብ1953 ዓ.ም.ግ. ብመጸዋዕታ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ሊቀ ጳጳስ ዘኤርትራ ናብ ኣሥመራ ተጸዊዖም ኣብ መንበረ ሊቀ ጵጵስና ብዋና ጸሓፍነትን መንፈሳዊ ዳንነትን ተጊሆም ኣገልገሉ። ከምኡ’ውን ኣብ ኣብያተ ክርስቲያን ኣሥመራ ብብቕዓትን መንፈሳውነትን ከገልግሉ ከለዉ ብፍላይ ከኣ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ከም ‘ሰባኬ ወንጌል’ ተመዲቦም ኣገልገሉ።

ኣብ ሃገርና ብዝነበረ ቃልሲ ናጽነት፡ ንቤተ ክርስቲያን ብምውካል ኣብ ዝቖመ ናይ ሰላም ጉባኤ ብኣባልነት ብምስታፍ ክብ ዝበለ ኣበርክቶ ወፈዩ። ከምኡ’ውን ኣብ ምዝርጋሕ መሠረተ ትምህርትን ምጥፋእ ድንቁርናን ብዘበርከትዎ ዝተዋህቦም ናይ ምስጋና ምስክር ወረቐት ሕያው ሰነድ እዩ።

ኣገልግሎተ ቤተ ክርስቲያን ንኽሰፍሕን ሃይማኖት ንኽጸንዕን ኣብ ዝግበር ዝነበረ መንፈሳዊ ጉባኤ፡ ኣብ ሃገረ ስብከት ኤርትራ ክሳብ ክልል ቤተ ክርስቲያን ዑደት ብምግባር፡ ሰበካ ጉባኤ ኣብ ምቛምን ምጥንኻርን ከምኡ’ውን ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበት ኣብ ምትእኽኻብን ምስትምሃርን ከቢድ ጻዕሪ ገይሮም እዮም።

ናይ ብፁዕ ኣቡነ ያዕቆብ መንፈሳዊ ተልእኾን ውፅኢት ሥራሕን ዝተገንዘበ ቅዱስ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ፡ ንዝሰፍሐ ኣገልግሎት ‘መዓርገ ጵጵስና ይግብኦም እዩ’ ኢሉ ምስ ብዙኃት ኤርትራውያን ቆሞሳት ኣወዳዲሩ ቀዳማይ ኮይኖም ስለ ዝተመርጹ፡ ብዕለት 07 ግንቦት 1980 ዓ.ም.ግ. ብብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ሣልሳይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፡ “አባ ያዕቆብ ዘአዲስ አበባ” ተባሂሎም መዓርገ ኤጲስ ቆጶስነት ተቐብኡ።

ኣቡነ ያዕቆብ፡ ብተኣማንነት ኣብ ሃገረ ስብከቶምን ምስ ቅዱስ ፓትርያርክ ዘኢትዮጵያ ብምዃን ሓዋርያዊ ተልእኾኦም እናፈጸሙ፡ ብፁዕ ወቅዱስ ፓትርያርክ ስለ ዝዓረፉ፡ ብሓድሽ ራብዓይ ፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ መርቆሬዎስ ናይ ጎንደር ሊቀ ጳጳስ ኮይኖም ተመደቡ። ኣብ ጎንደር ከኣ ብሊቅነትን ትሕትናን እናኣገልገሉ ከለዉ፡ ናይ ኤርትራ ናፅነትን ናይ ኢትዮጵያ መንግሥታዊ ለውጥን ኣብ ዝኾነሉ እዋን ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ መርቆሬዎስ ናብ ስደት ስለዝኸዱ፡ ብምልኣተ ድምፂ ቅዱስ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ተሓርዮም ዓቃቤ መንበርን ኣካቢ ጉባኤ ምርጫ ፓትርያርክ ኢትዮጵያን ኮይኖም ተመርጹ። በዚ ዝተዋህቦም ልዑል ኃላፍነት ክሳዕ ኃሙሻይ ፓትርያርክ ዘኢትዮጵያ ዝምረጹ ብብቕዓት ፈጺሞም ኃላፍነቶም ኣረከቡ።

ድኅር’ዚ ኣብ ዝኾነ ጽፍሒ ሥራሕ ቤተ ክርስቲያን ተመዲቦም ምእንቲ ከገልግሉ ወሲኖም ናብ ሃገሮም ኤርትራ ምስ መጽኡ፡ ካብ 1986 ዓ.ም.ግ. ጀሚሮም ላዕለዋይ ኃላፊ ምምኅዳር መንበረ ጵጵስና፡ ተሓጋጋዚ ፓትርያርክ፡ ምክትል ኣቦ መንበር ቅዱስ ሲኖዶስ ኮይኖም ኣገልገሉ።

ቀዳማይ ፓትርያርክ ኣቡነ ፊልጶስ ምስ ዓረፉ ቅዱስ ሲኖዶስ ብዝመረጾም መሠረት ዓቃቤ መንበር ኮይኖም ንሠለስተ ወርኂ ጸንሑ። ኣብ ሣልሳይ ወርኂ ኸኣ ቅዱስ ሲኖዶስ ተጋቢኡ ብምዝታይ ንብፁዕ ኣቡነ ያዕቆብ ብሥምረትን ብምልኣትን ብዘይ ተወዳዳሪ ብ25 ኅዳር 1995 ዓ.ም.ግ. (4 ታኅሣሥ 2002 ዓ.ም.ፈ.) ካልኣይ ፓትርያርክ ገይሩ መረጾም።

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ልዑላዊት ርእሳ ብርእሳ እትመኃደር፡ ሊቃነ ጳጳሳት ዘለዉዋ ስለዝኾነት ናታ ፓትርያርክ ባዕላ ክትሠይም ኣለዋ ዝብል ጽኑዕ መርገጺ ነበሮም። በዚ መሠረት ብውሳኔ ቅዱስ ሲኖዶስ ብሢመተ ብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳት ዘኤርትራ፡ ብፁዕ ኣቡነ ያዕቆብ ‘ካልኣይ ፓትርያርክ’ ኮይኖም ተሠይሙ። ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ንፈለማ ጊዜ ባዕላ ንባዕላ ፓትርያርክ ክትመርጽን ክትቀብእን ዝበቕዓትሉ ታሪኻዊ ፍጻሜ እዩ።

ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ያዕቆብ፡ ንሕዝበ ክርስቲያን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝቕመጡ እናተዛወሩ ብምስትምሃር ከምኡ’ውን ንፈለማ ጊዜ ናብ ወፃኢ ሃገራት ሓዋርያዊ ዑደት ብምግባር ቃለ ምጽንናዕ ብምሃብ ብሓፈሻ ብዓቢይ ትግሃትን መንፈሳዊ ፍቕርን ኣገልገሉ።

ንሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን ባይታ ኣገልግሎት ኣብ ምፍጣር፣ ንተመሃሮ ትምህርተ ሰንበትን መንእሰያትን ኣብ ምትብባዕ ዝነበሮም ፍሉይ ትግሃት ኵሉ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ።

ኣዝዮም ትሑት፡ መንፈሳዊ፡ ጸሎተኛ፡ . . . ብምንባሮም ብውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን እምብዛ ፍቱው ነበሩ። ቅዱስ እግዚአብሔር፡ ቅድስናኦም ኣብ ቅድሚ ሰብ ክገልጸሎም ስለዝፈቐደ ብተኣምራት የሰንዮም ነበረ። ንምሳሌ፦ ኣብ ክብረ በዓል ቅድስት ሥላሴ (7 ሐምሌ) ናብ ቤተ ክርስቲያን እናኣተዉ ቀቅድሚኦም ብምሥራቕ መጺኡ ናብ ምዕራብ ዘላገሰ ቀስተ ደመና ከምዝመርሖም ኵሉ ሕዝበ ክርስቲያን ብዓይኑ ርእዩ ዝመስከሮ፡ ብቪድዮ ካሜራ’ውን ተቐሪጹ ዝተሰነደ እዩ።

ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ያዕቆብ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ዝሰብክዎ ዝነበሩ ቃለ ወንጌል ‘ብቃል ዘሎ ይርሳዕ ኣብ መጽሓፍ ዘሎ ግና ይውሳእ’ ብምባል “መጽሓፍ እምነትን ሥርዓተ አምልኾን፣ ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን፡ ክብረ ድንግል ማርያም” ዝኣርእስቶም ዘይተኃትሙ ሠለስተ መጻሕፍት ኣዳልዮም እዮም።

ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ያዕቆብ፡ ደኺምኒ ከይበሉ ኣብ ጽኑዕ ኣገልግሎትን ጽሙድ ተልእኾን ከለዉ ፍቓድ እግዚአብሔር ኮይኑ ብዕለት 21 ኅዳር 1996 ዓ.ም.ግ. (1 ታኅሣሥ 2003 ዓ.ም. ፈ.) ብድንገታዊ ሕማም ዓረፉ።

ንጊዜኡ ሥርዓተ ቀብሮም ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም እኳ እንተተፈጸመ ደኃር ግና ኣብታ “ ዛቲ ይእቲ ምዕራፍየ ለዓለም/ ናይ ዘለዓለም መዕረፊተይ እዚኣ እያ . . . ” ኢሎም ብሕይወቶም ከለዉ ዝኃረይዋ ቦታ ኣብ ገዳም ደብረ ድኁኃን ብሰላም ዓሪፎም።

“ዝክሩ ስመ አበዊነ ሊቃነ ጳጳሳት እለ ኖሙ ከመ የሀብ እግዚእ ዕረፍተ ለነፍሳቲሆሙ ወይሥረይ ለነ ኃጣውኢነ / ጐይታ ነፍሶም ከዕርፍን ንኣና’ውን ኃጢኣትና ክሠርየልናን፡ ናይ ዝሞቱ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቦታትና ስም ዘክሩ” (ቅዳሴ ባስልዮስ ቍ. ፸፯/77) ከምዝብል ኣሰረ ፍኖት ናይዞም ቅዱስ ኣቦ ክንስዕብን ረድኤቶም ከይፍለየናን ቅዱስ ፍቃድ እግዚአብሔር ይኹን!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

ዘመነ ዮሐንስ 28 ኅዳር 2012 ዓ.ም.

December
Sunday
8
ዝክር፦ ተዝካረ አብርሃም ይስሐቅ ወያዕቆብ፡ወአባ ሰረባሞን፡ ወሊቃኖስ ዘእም፱ቱ ቅዱሳን። ዘቅዳሴምንባብ፦ ገላ. 3፡1-9። ያዕ. 2፡21-ፍጻሜ። ግብ. ሐዋ.3፡12-17። ምስባክ፦ መዝ. 96/97። ወንጌል፦ ማር. 12፡25-28። ቅዳሴ፦ ዘ፫፻ትግሩም። ***
00:00 h
Ad Right

  

: :
Queue is empty
-- / --