ሊቀ መዘምራን ሞገስ ዕቁበ ጊዮርጊስ

Dec 06, 2019

“ሊቀ መዘምራን፡ መልኣከ ገነት፡ ደራስን ተመራማርን፡ ኣቦ ሰላም፡ . . . ብዝብል ቅጽል ስም ዝፍለጡ ሓበን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዝኾኑ ሞገስ ዑቁበጊዮርጊስ እዮም። ካብ ኣቦኦም ኣቶ ዕቁበ ጊዮርጊስ ወልደኢየሱስን ኣዲኦም ወ/ሮ ወለተትንሣኤ ኃይለሚካኤልን ኣብ ዞባ ማእከል ንኡስ ዞባ ጋላነፍሒ ‘ክትሞ ኣውሊዕ’ ትብሃል ዓዲ ብዕለት 01 መስከረም 1907 ዓ.ም. ተወሊዶም።

ንዓቅመ ትምህርት ኣኺሎም ኣብ 12 ዓመት ዕድመኦም ካብ ፊደል ክሳብ ንባብን ቃል ትምህርትን ቁም ጽሕፈትን ካብ የኔታ ዕቁበ እንድርያስ ዓስቡ ዘእምባደርሆ ኣብ እምኒ ጸሊም ተማህሩ።

ትምህርቲ ንምውሳኽ ናብ ሃገረ ኢትዮጵያ ትግራይ ኣውራጃ እንድርታ ፍሉይ ስሙ ደብረ ኃይል ዝበሃል ገዳም ብምኻድ ካብ መምህር ገብረሕይወት (ጎሞሎ) ቅኔ ምስ ኣገባቡ ብዝግባእ ተማሂሮም ብመምህርነት ተመረቑ። ኣብዚ ደብሪ ካብ መምህር ፈለቀ ዜማ ‘ኣቋቋም’ እኳ እንተ ተማህሩ መንገዶም ናብ ጐንደር ደብረ ታቦር ኣቕኒዖም ዜማ ኣቋቋም ምስ ይትበሃሉ ኣጽፊፎም ተማህሩ።

መዝገበ ፍልጠት ኣእምሮኦም ገና ንክመልኡ፡ ብ1924 ዓ.ም. ናብ ሽዋ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ ካብቶም ብቑዕ ናይ ኣርባዕተ ጉባኤ መምህር ትርጓሜ መጻሕፍት ዝኾኑ ዶክተር የኔታ ኣየለ ዓለሙ ንትርጓሜ ሓዲሳት መጻሕፍት ክመሃሩ ከለዉ፡ ካብ መምህር ኅሩይ ድማ መጻሕፍተ ሊቃውንትን ኣቡሻሕርን (ባሕረ ሓሳብ) ብዕምቈትን ስፍሓትን ተማህሩ።

ሊቀ መዘምራን ሞገስ ዕቁበ ጊዮርጊስ፡ ኣብ ሠላሳታት ሸውሃት ትምህርቶም ብዝተፈላለየ ሽግር ምስ ተዓጽዎም ናብ ሃገረ ኤርትራ ብምምጻእ መንበር ዘርጊሖም ጉባኤ ኣስፊሖም ክምህሩ ጀመሩ። ቅድም ኣብ ገዳም ደብረ ድማኅ ኣቡነ መርቆሬዎስ ብድኅሪኡ ድማ ኣብ ከተማ ከረን ልደታ ማርያም ቤተ ክርስቲያን ብትምህርተ ቅኔ፡ ቅዳሴን መጻሕፍተ ሓዲሳትን ብዙኃት ደቀ መዛሙርት ኣፍርዮም እዮም።

ሊቀ መዘምራን ሞገስ ዕቁበ ጊዮርጊስ፦ ብዝነበሮም ዕምቈት ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ መሠረት ዝገበሩ፡ ሥርዓተ ፊደልን ሕገ ሰዋስውን ዝሓለዉ፡ ናይ ሃይማኖት፡ ታሪክ፡ ቋንቋ፡ ባህሊ፡ ፍልስፍናን ምርምርን መጻሕፍቲ ብብዝኂ ጽሒፎም እዮም። ካብ ሕፃን ክሳብ ዓቢይ፡ ካብ ፊደል ክሳብ ጽሕፈት ዝሓቈፉ ጽሑፋቶም ፍቕሪ እግዚኣብሔርን ፍቕሪ ሓድሕድን ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘኅድሩ ብምንባሮም ብሕዝበ ክርስቲያን ጥራሕ ዘይኮነስ ብካልእ ሕብረተ ሰብ’ውን ጽቡቕ ተቐባልነት ነይርዎም እዩ። ፍሉጣታ ካብ ዝኾኑ መጻሕፍቶም ክሳብ ትሽዓተ መጻሕፍት ምጥቃስ ይከኣል እዩ።

1. መክሥተ ልሳን ዘሕፃናት
2. ኣንጋረ ፈላስፋ ብኣምሓርኛ
3. ሰዓታት ምስለ ባሕረ ሓሳብ
4. ሥነ ፍጥረትን አምስቱ ኣዕማደ ምሥጢር
5. መድበል ኣምኀ ሰላም
6. ጥንታዊ ምሳሌ ብትግርኛ ቀዳማይን ካልኣይን ኅታም
7. ጥንታዊ ምሳሌ ብኣምሓርኛ
8. መዝገበ ቃላት ኣምሓረኛ ብኣምሓርኛ
9. መርሐ ጽድቅ (ባህለ ሃይማኖት) ብኣምሓርኛ
10. መዝገበ ቃላት ግእዝን ኣምሓርኛን
11. . . .

ብተወሳኺ በቲ ጊዜ’ቲ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና (ክፍሊ ማስታወቂያ) ኣዳላዊ ጋዜጣ ዕለት ሰንበት ኮይኖም ኣብ ዝሠርሕሉ እዋን ናይ ሥነ ጽሑፍ ብስለቶም ንምሁራን ዓለም ዘደንቕ ምንባሩ ይፍለጥ። ንምሳሌ ኣብቲ ኣብ መጽሓፎም ኣብ ኣብ እግሪ ናቶም ሥእሊ ዝጸሓፍዎ ጥቕሲ ብዝግባእ ናይ ዓለም ከንቱነትን ወዲ ሰብ ኅልፈትን ዘስተምህር ዓሚቝ ምሥጢር ዘለዎ ፍልስፍናዊ ጽሑፍ እዩ። እቲ ጥቕሲ ከምዚ ይብል፦

“እዚ ሞገስ እዩ ትብሉኒ፡ ኣነ ግና ምሳሌኡ ደኣ እምበር ሞገስ ኣይኮንኩን ሞገስ ሓደ እዩ፡ ኣነ ግና ሓደን ብዙኅን እየ። ሞገስ ኣብ ሓደ ቦታን ኣብ ሓደ ገዛን እዩ ዝርከብ። ሞገስ ሎሚ ኣሎ፡ ጽባሕ እንድዒ ድኅሪ ጽባሕ ግና ብርግጽ የሎን። ኣነ ግና ዓለም ክሳብ ዘሎ ምሳኻትኩም ምስ ህልዋን ኣሎኹ። ይኹን ደኣ እምበር ንሱ ክሓምም ዘይትሓም፡ ንሱ እንተ ሞተ ዘይትመውት ሓንቲ ነገር ብሕድሪ ሂቡኒ ኣሎ። ንሳ ድማ ብሠለስተ ቀለማት ዝቖመት ስሙ እያ። ክሳብ ዘሎኹ ካባይ ኣይክፈልያን እየ።”

ሊቀ መዘምራን ሞገስ ዕቁበ ጊዮርጊስ፡ ናይ ‘ማኅበረ ሓዋርያት ፍሬ ሃይማኖት” ብምክትል ሊቀ መንበርነትን ብዋና ጸሓፍነትን ዝለዓለ ኣርኣያ ዝኸውን መምርሕን ሥራሕን ኣበርኪቶም እዮም። ኣብ’ቲ በዚ ማኅበር ዝውነን ‘ቤት ማኅተም ኮከበ ጽባሕ’ ዝኅተሙ መጻሕፍተ ብሉያትን ሓዲሳትን፡ መጻሕፍተ ሃይማኖትን ጸሎትን፣ ጋዜጣታት ዜና ሓዋርያትን ፍኖተ ብርሃንን ኣብ ምድላው ኮነ ምርታዕ ብልዑል ብቕዓት ተጊሆም ዘገልገሉ ሊቅ እዮም።
ኣብ ዓውደ ምሕረት ኣብያተ ክርስቲያንን ጉባኤያትን ቆይሞም ብተመስጦ ዘለዎ ትምህርቶምን ልዙብ ኣንደበቶምን ዝሰበኽዎም ስብከታቶም ኣብ ልቢ ሰብ ተቐሪጾም ዘለዉ፣ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተመኃላለፉ ዝነብሩ ዘለዉ እዮም።

ሊቀ መዘምራን ሞገስ ዕቁበ ጊዮርጊስ፡ ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም ፈጺሞም ንዝመጽእ ወለዶ ኣብነትን ታሪኽን ገዲፎም ኣብ ኣሥመራ ብ1978 ዓ.ም. ንቁሩብ መዓልታት ሓሚሞም ብሰላም ዓሪፎም።

ብመንገዲ ሥእሎም ኣቢሎም ንዝመጽእ ወለዶ ዘመኃላለፍዎ ሰላምታን ኃደራን ከምዚ ዝብል ኣብ መጽሓፎም ተጻሒፉ ይርከብ፦

ዘይሞተ ሰብ ዝንቀሳቀስ ሬሳ እዩ
ሥእሊ ግና ዘይንቀሳቐስ ሕያው እዩ
ካብ ናይ ሰብ ኃይሊ ናይ ሥእሊ ኃይሊ ይብርትዕ
ሰብ ክድቅስ (ክመውት) ከሎ ንሱ ኾፍ ኢሉ ስለ ዝጽጋዕ
ኦ ሥእለይ ካብ ዕድመይ፡ ዕድሜኻ ይነውኅ
ሰላምታይ ኣቕርበለይ ንመጻኢ ትውልዲ
ንስኻ ስለ ዘይትኸዶ ነቲ ኣነ ዝኸዶ መንገዲ


በረከቶም ይኅደረና!
ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

ዘመነ ዮሓንስ 1 ነሐሴ 2012 ዓ.ም.ግ…

July
Wednesday
8
ዝክር፦ ቅፍሮንያ፡ ወክልዮስ፡ ወበዮክ፡ ወብንያሚን፡ ወአግናጥዮስ፡ ወቶማስ። ዘቅዳሴምንባብ መልእክታት፦ 1ይጢሞ. 5፡1-17 1ይጴጥ. 3፡1-6 ግብ. ሐዋ. 9፡36-ፍጻሜ ምስባክ፦ መዝ. 18/19 ወንጌል፦ ማቴ. 14፡1-7 ቅዳሴ፦ ዘኤጲፋንዮስ። * * *
00:00 h