ዜና መዋዕል መምህር ኃይለሚካኤል አምኀጽዮን ባርያሥላሴ - አበምኔት ገዳም ደብረ ጥሉል አቡነ አብራንዮስ

Jan 31, 2020

እስመ መምህረ ሕግ ይሁብ በረከተ፡ ወየሐውር እም ኃይል ውስተ ኃይል / መምህር ሕጊ በረከት የውህብ እዩ እሞ ኃይሊ ኣብ ርእሲ ኃይሊ እናወሰኸ ይኸይድ። (መዝ. 83/ 84፡7)

ኣቦና መምህር ኃይለሚካኤል ካብ ኣቦኦም አምኀጽዮን ባርያሥላሴን ካብ ኣደኦም ሃንሱ ተኽለ ሽሻይ ብ 1934 ዓ.ም.ግ (ብ1942 ዓ.ም. ፈ) ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ ኣብ ዓዲ ጓቋት ተወሊዶም፡፡

ወለዶም ካብ እግዚአብሔር አምላክ ካብ ዝተዋህብዎም ትሸዓተ ውሉዶም ንእግዚአብሔር ሓደ ዕሽር ክህቡን ክርስቲያናዊ ግቡኦም ክፍጽሙን ዝኣተውዎ መብጽዓ ንምፍጻም ንኣቦና መምህር ኃይለ ሚካኤል ኣብ ሾብዓተ ዓመት ዕድሜኦም ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ ናብ ዝርከብ ገዳም ደብረ ጥሉል አቡነ አብራንዮስ ከም አምሃ ሃብዎም።

ኣብ ንኡስ ዕድመኦም ገዳም ምስ ኣተው ንናብራ ገዳም ሓደ ኢሎም ብምጅማር ካብ እግዚአብሔር ብዝተዋህቦም ጸጋ ብርድእና እናኣገልገሉ ትምህርተ ቤተ ክርስቲያን ማለት ግብረ ዲቁናን ክህነትን ብዝግባእ ተማህሩ። ኣብ መበል 14 ዓመቶም ካብ ብፁዕ አቡነ ማርቆስ ጳጳስ ዘኤርትራ ብ1948 ዓ.ም.ግ መዓረገ ዲቁና ተሠይሙ። ኣብዚ ገዳም ከም ሓራጻይን ቀዳስን እናገልገሉ ብፍቓድ ማኅበር ካብ መምህር ፍሥሐጽዮን ኣብ መበል 21 ዓመቶም ኣስኬማ ዘመላእክት ምንኵስና ምስ ተቐበሉ ካብ አቡነ ሚካኤል መዓርገ ክህነት ተቐብዑ። ብተልእኮ ማኅበር ከም መጋብን ሽማግለን ከምኡ’ውን ኣብ ገዳም ዝነበረ ልምዓታዊ ሥራሕ ኣብ ምሕዳስን ምሕናጽን ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ካልእ ብዙኅ መንፈሳዊ ዕዮ ፈጸሙ።

ትምህርቶም ንምቕጻል ናብ ሃገረ ኢትዮጵያ ብምኻድ ዜማ ቅዳሴ ብግቡእ ከጠናቕቑ ከለዉ ኣብ መቀለ መንፈሳዊ ኮሌጅ አቡነ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ድማ ናይ ሠለስተ ወርኂ ሥልጠና ካህናት ብዝግባእ ተማህሩ።

ብድኅር’ዚ ናብ ገዳሞም ተመሊሶም ከገልግሉ እኳ እንተጸንሑ ብሰንኪ ጸገም ጥዕና ናብ ከተማ ኣሥመራ ብምኻድ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ደብረ መንክራት ቅዱስ ቂርቆስ ንዕሥራን ክልተን ዓመት ከም ገበዝ ፣ ዓቃቤ ኮይኖም ብትግሃት ኣገልገሉ። ኣብዚ ቦታ ንኵሉ ጊዜ ዘዘክሮም ካብ ማይ ጭሆት ናብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ቂርቆስ ዘእትዉ ጽርጊያ ክገፍሕን ክጽረግን፡ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ቅዱሳን አሣዕል ገበርቲ ሠናይ ብምውሕሓድ ክሠዓል ዝገበሩ ኣቦ እዮም።

ካብ ኣሥመራ ናብ ገዳሞም ምስ ተመልሱ፡ ማኅበር ነቲ ዝነበሮም ምስትውዓልን ጥበብን ብምግንዛብ ነዚ ገዳም መምህር ኮይኖም ከገልግልዎ ዓቢ ኃላፍነት ምስ ሃቦም ንኣስታት ኣርባዕተ ዓመት ዝኣኽል አበምኔት ኮይኖም ኣብ ዘገልገልሉ እዋን ገዳም ኣገልግሎት መብራህቲ ክረኽብ ኣብ ርእሲ ምግባሮም ዓቢይ መንፈሳዊ ኣገልግሎትን ልምዓታዊ ዕዮታትን ኣቃኒዖም እዮም። ከምኡ’ውን ኣብ ቅዱሳት መካናት ክሳብ ቅድስት ሃገር ኢየሩሳሌም ብምብጻሕ’ውን ንሕዝበ ክርስቲያን ብትግሃት ኣገልጊሎም እዮም።

ኣቦና ብዝኃደሮም ናይ ሓፂር መዓልቲ ሕማም ክሕከሙ ድኅሪ ምጽናሕ ኣብታ ቅዱሳን አበው ብፍላይ ድማ ደቂቀ ኣብራንዮስ ዝምነይዋ ዕለት ዕረፍቶም ኮነ። እዛ ዕለት’ዚኣ ከምቲ “ግበሩ በዓልየ ምስለ ማርያም እምየ/ በዓለይ ምስ ኣደይ ማርያም ግበሩለይ” ኢሎም አቡነ ዮናስ ዝዝከሩላ ዕለተ ዕረፍታ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ከምኡ’ውን ኣብታ ናይ መንፈስ ኣቦኦም አቡነ አብራንዮስ ዝዝከሩላ ዕለት 21 ጥር 2012 ዓ.ም.ግ. ኣብ መበል 78 ዕድሜኦም ብሰላም ዓሪፎም።

ሥርዓተ ቀብሮም ድማ ኣብታ ካብ ትሽዓተ ዓመቶም ፍኖተ እግዚአብሔር ዘምሃረቶምን ዘገልገልዋን ገዳሞም ገዳም ኣቡነ ኣብራንዮስ (እንዳቦና) ካብ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተሠርዐ፡ ብፁዕ አቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ፣ ገዳማውያን፡ ሊቃውንት፡ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ 22 ጥር 2012 ዓ.ም. ሰዓት 3፡00 ድ.ቀ. ተፈጺሙ።

ኦ እግዚኦ አዕርፍ ነፍሰ አቡነ ኃይለሚካኤል

ዘመነ ዮሐንስ 10 የካቲት 2012 ዓ.…

February
Tuesday
18
ዝክር፦ ያዕቆብ ወልደ እልፍዮስ፡ ወዮስጦስ፡ ወአባ ኤስድሮስ፡ ወፊሎ ኤጲስ ቆጶስ፡ ወኒቆላዎስ፡ ወአስምዖን። ዘቅዳሴ ምንባብ 1ይ ቆሮ. 12፡3-11። 1ይ ዮሐ. 4፡4-9። ግብ. ሐዋ. 1፡15-19። ምስባክ፦ መዝ. 18/19 ወንጌል፦ ማቴ. 10፡1-8። ቅዳሴ፦ ዘሐዋርያት። * * *
00:00 h