ሊቀ ትጕሃን መሪጌታ ገብረ መስቀል ወዲ 7 ዓመት ምስኮኑ መንፈሳዊ ትምህርቲ ኣብ እግሪ ወላዲኦም ብምዃን ፊደል ድኅሪ ምቑጻር ግብረ ዲቁናን ኣቋቋምን ተማህሩ ብዝነበሮም ብልሒ ገና ኮተቴ ከለዉ ማኅሌት መሪሖም ይቆሙ ከም ዝነበሩ እዩ ዝንገረሎም።
ማኅበረ ሓዋርያት ፍሬ ሃይማኖት ምስ ቆመ በቲ ማኅበር ተሓርዮም፡ ናብ ኣሥመራ ብምጻእ ኣብ ደብረ ግዕዛን መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ገዛ ባንዳ ብቐዋምነት ተቖጺሮም ቅድምን ድኅርን ጥሮታ ንልዕሊ 70 ዓመታት ኣብቲ ደብርን ኣብ ናይ ማኅበረ ሓዋርያት ኣብያተ ክርስቲያናትን ከምዘገልገሉ ይፍለጥ።
ክቡር ሊቀ ትጉሃን ኣብ ክብረ በዓላት ኣብያት ክርስቲያናትን ኣድባራትን ሃገርናን ወጻእን እናተረክቡ ብእግዚአብሔር ብዝተዋህቦም ልዑል ቃለ ድምጽ ጸሎተ ማኅሌት ተጀሚሩ ክሳብ ዝፍጸም ድምቀት እናሃቡ ብትግሃት ዘገልግሉ ዝነበሩ ናይ ቤተ ክርስቲያን ብርሃን ሊቅ እዮም ነይሮም።
እንተ ኮነ ግና ብዝሓደሮም ሕማም ሎሚ ዕለት 10 ነሐሰ 2012 ዓ.ም. (15/08/2020 ዓ.ም.) ኣብ ታቦተ ዓዶም ጽየን ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ሓመድ ኣዳም ለቢሶም።
ኣብቲ ሥነ ሥርዓት ቀብሪ ብዙኃት ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ከም ዝተረኽቡ ጸብጻብ የረድእ። ንቀጻሊ ታሪኽ ሕይወቶም ብሰፊሕ ክገልጽ ምዃኑ ንሕብር።