ዜና መዋዕል መክብበ መነኮሳት፣ አክሊለ ደብረ ድማኅ መምህር አባ ገብረ እግዚአብሔር

Oct 01, 2020

ብመንፈሳዊ ብቕዓቶም፡ ሊቅነቶም፡ ተጋድሎኦም፡ . . . ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ካብ ትሕበነሎም፣ ንልዕሊ 50 ዓመት ኣብ ገዳም ደብረ ድማኅ አቡነ መርቆሬዎስ ከም መምህር ኮይኖም ዘገልገሉ መምህር አባ ገብረ እግዚአብሔር ብሰላም ዓሪፎም፣ ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል አቡነ ኤዎስጣቴዎስ 18 መስከረም 2013 ዓ.ም. ኣብ ገዳሞም ደብረ ድማኅ ሓመድ ኣዳም ለቢሶም።

መክብበ መነኮሳት፣ አክሊለ ደብረ ድማኅ ዝኾኑ መምህር አባ ገብረ እግዚአብሔር ኅሩይ እምከርሠ እሙ ካብ ሕፃንነቶም ኣገልጋሊኡ ክኾኑ እግዚአብሔር ዝመረጾም ኣቦ እዮም።

ከምቲ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ “እቲ ሡር ንእግዚአብሔር ዝተቀደሰ እንተኾይኑ እቲ ጨናፍር’ውን ቅዱስ እዩ።” (ሮሜ 11፡16) ከምዝበለ ካብ መፍቀርያነ እግዚአብሔር ዝኾኑ ሥድራ ካብ ኣቦኦም ወልደ ጊዮርጊስን ኣደኦም ወለተ ሥላሴን ብዕለት 05 ሰኔ 1929 ዓ.ም.ግ. ኣብ መበቈል ዓዶም ንኡስ ዞባ ጋላነፍሒ ዓዲ ሕምብርቲ ተወሊዶም።

ገና ብንእስነቶም ልሳኖም ብምስጋና ከፊቶም ገጾም ብትእምርተ መስቀል ዓቲቦም ንትምህርተ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ደብረ ማርያም ቤተ ክርስቲያን ሕምብርቲ ኣብ የኔታ ገብረሚካኤል ፊደል ግእዝ ቈጺሮም ጸሎት ዘወትር ውዳሴ ማርያም ተማህሩ።

በቲ ጊዜ መግዛእቲ እንግሊዝ ብኣካዳሚያዊ ትምህርቲ’ውን ክሳዕ 6ይ ክፍሊ ብዝግባእ ተማህሩ።

ካብ ሥድራኦም ተፈልዮም ቤቶም ገዲፎም ናብ ዓዲ ኣጓልዕ (ከባቢ ደምበላስ) ብምኻድ ካብ የኔታ ሃብተ ማርያም ንመዓርገ ዲቁና ዘብቅዕ ብዝግባእ ምስ ተማህሩ፣ ብብፁዕ አቡነ ማርቆስ ቀዳማይ ጳጳስ ዘኤርትራ ኣብ 1944 ሢመተ ዲቁና ተሠይሙ።

ብተልእኮ ዲቁና ብትሕትናን ፍቕርን ድኅሪ ምግልጋሎም፣ ንተወሳኺ መንፈሳዊ ትምህርቲ ናብ ኢትዮጵያ ኣምርሑ።

ኣብ ኵሉ ጕዕዞኦም ንስም ኣምላኾም “ዘልፈ እሬእዮ ለእግዚአብሔር እስመ ውእቱ በየማንየ ወኢይትሀወክ ለዓለም” እናበሉ ብጸሎትን ጾምን እናዘከሩ፣ ንጥምየትን ጽምእን ዕርቃንን ተጻዊሮም ካብ ዝተፈላለዩ መምህራን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ተማህሩ።

ትምህርተ ቅኔ ካብ የኔታ ብዙአየሁ ወገራ (ጕንትርአቦ) አቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ፣ ጸዋትወ ዜማ፡ ጾመ ድጓ ካብ የኔታ ዘወልደ ማርያም (ሸዋ ማርያም) ከምኡ’ውን አቋቋም ካብ የኔታ አፈወርቅ (ልደታ ማርያም ወገራ) ተማህሩ።

ብድኅር’ዚ ናብ ኤርትራ ተመሊሶም ካብ ናብራ እዚ ዓለም እዚ ናብራ ቅዱሳን መላእክት ስለዝመረጹ ናብ ገዳም ደብረ ድማኅ ብምኻድ ካብ መምህር ተወልደ ብርሃን ብ 1959 ዓ.ም.ግ. ልብሰ ምንኵስና ኣስኬማ ዘመላእክት ለበሱ።

አባ ገብረ እግዚአብሔር፡ ብምንኵስናዊ ሕይወት ኣብ ጾምን ጸሎትን ተጸሚዶም፣ ብትሕትናን ፍቕርን ከገልግሉ ድኅሪ ምጽናሕ ኣብ 1961 ዓ.ም. ብኢድ ብፁዕ አቡነ ዮሐንስ ሢመተ ክህነት ተቐብኡ።

ኣገልግሎቶምን ትግሃቶምን ክፍሎምን ተራእዩ፡ ንተወሳኺ ትምህርቲ ብደረጃ መምህር ከመስክሩ ብፍቓድ ገዳም ናብ ደብረ ኣባይ ተላእኹ። ንኽልተ ዓመት ምስ ተማህሩ፡ ኣብ ገዳም ደብረ ድማኅ ዝነበሩ መምህር ኣባ ወልደ ሚካኤል ስለዝዓረፉ፣ ንእኦም ንምትካእ ናይ መምህርነት ምስክርነት ተቐቢሎም ብምምጻእ፣ ኣብ 1968 ዓ.ም.ግ. ናይ ገዳም ደብረ ድማኅ አቡነ መርቆሬዎስ መምህር ኮይኖም ተመደቡ።

እንሆ ድማ ካብዚ ጊዜ’ዚ ጀሚሮም ጉባኤ ኣስፊሖም ወንበር ዘርጊሖም ብትግሃትን ተወፋይነትን እናመሃሩ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ውሉደ ክህነት ኣፍረዩ።

ብመንፈሳዊ ብቕዓቶም ‘አበምኔት ገዳም’ ክኾኑ ብዘይ ፍቓዶም ምስ ኣገደድዎም፥ በሉ ንሾብዓተ መዓልቲ ዕድል ሃቡኒ በልዎም። ብድኅሪ እዘን መዓልታት ድማ ንኽልተ ዓመት ጥራሕ እየ ኣበምኔት ዝኸውን ብምባል ነገርዎም። ከም ቃሎም ድማ ንኽልተ ዓመት ምስ ኣገልገሉ ብገዛእ ፍቓዶም ኃላፍነቶም ንገዳም ኣረከቡ። ሕይወቶም ብጾምን ጸሎትን ጸሚዶም፡ ተማሃሮ እናመሃሩ፡ ሓዋርያዊ ተልእኾኦም ክሳዕ ዕለተ ዕረፍቶም ብትግሃት ፈጸሙ።

አባ ገብረ እግዚአብሔር፡- ምሉእ ዕድሜኦም ቃለ እግዚአብሔር ክመሃሩን ክምህሩን፣ ንእግዚአብሔር ከገልግሉ፣ ስለ ሃገርን ኵሉ ዓለምን ክጽልዩን . . . ድኅሪ ምንባሮም “ ሠናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ ሃይማኖተይ ኣጽኒዐ ጕያይ ፈጺመ እየ ’ (2ይ ጢሞ. 4፡2) ኢሎም፡ ኣብ  መበል 84 ዕድመኦም ዕለት 18 መስከረም 2013 ዓ.ም.ግ. ንግሆ ሰዓት 7፡00 ብሰላም ዓሪፎም።

እዚ ዕለት’ዚ ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይ መንፈስ ኣቦኦም አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ኣብዚ ገዳም ብዓቢይ ድምቀት ዝኽበረሉ፡ ከምኡ’ውን ንሶም ኣብ መዋዕለ ሥጋዊ ሕይወቶም ካብዚ ክብረ በዓል ተፈልዮምሉ ዘይፈልጡ ዕለት፡ ብኣካለ ሥጋ ምፍላዮም  ነቲ ብፁዕነቶም ዘመልክት እዩ።

ብምኽንያት ክብረ በዓል አቡነ ኤዎስጣቴዎስ፡ ስብሐተ እግዚአብሔር ቀሪቡ፡ ብመሪሕነት ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ፡ ታቦት ምስ ዖደ፣ ንሊቅነቶምን ሞያኦምን ዝገልጽ ስብሓታት እና በጽሐ መምህራን ሊቃውንትን ገዳማውያንን ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ዕለተ ዕረፍቶም ሰዓት 3፡00 ድ.ቀ. ሓመድ ኣዳም ለቢሶም።

ከምቲ ጥበበኛ ሰሎሞን፡ “ታሪኽ ጻድቕ ንብዙኃት ይጓሲ” (ምሳ. 10፡21) ዝበሎ ታሪኽ ናይዞም ንፍትወት እዚ ዓለም እዚ ንዒቖም፡ ምዉቕ ቤቶምን ድሙቕ ንብረቶምን ገዲፎም፣ ኣብ ገዳማትን በዓትታን ስለ ድኅነት ሕይወቶምን ሕዝቦምን፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብጾምን ጸሎትን እናገልገሉ ከምዝኃለፉ ፈሊጥናን ተረዲእናን ብእምነት ክንመስሎም ብግብሪ ክንስዕቦም ይግባእ።

ጠልን በረኸትን ይግደፉልና!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!