ነጋድያን ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም ምድላዋቶም የጻፍፉ ኣለዉ!

Feb 28, 2020

ብመሪሕነት ቅዱስ ሲኖዶስን ብማእከልነት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ተማእኪሉ ዝሥራዕ ንግደት ናብ ሀገረ ቅድስት ኢየሩሳሌም ንምስታፍ፡ ነጋድያን በብሃገረ ስብከቶም ድኅሪ ዝተኻየደ ምዝገባን ዕጫን ከምኡ’ውን ቕጥዕታት ምምላእን ገንዘብ ምኽፋልን ዘድሊ መንፈሳዊ ኣኼባታትን ብሓፈሻ ካብ ወርኀ ጥር ዝጀመረ ምድላዋቶም የጻፍፉ ኣለዉ!

በብዕለቱ ካብ ሠሉስ 17 የካቲት ክሳዕ ሰኑይ 23 የካቲት 2012 ዓ.ም. (25/02 - 2/03 2020 ዓ.ም.ፈ) ኣብ ኣዳራሽ መንበረ ፓትርያርክ ኣብ ዝግበር ዘሎ ጉባኤ፡ መሥርሕ ዋሕስ ክፍጽሙ ከለዉ ንኤግዚት ቪዛን መምርሒ መገሻን ዘድሊ ሓበሬታ ንምርካብ ንዕለት 16 መጋቢት 2012 ዓ.ም. (25/03/20 ዓ.ም.) ቈጸራ ተዋሂብዎም።

Ad Right

ዘመነ ማርቆስ 17 መስከረም 2014 ዓ.…

September
Monday
27
በዓለ መስቀል፡ ወታኦግንስጣሮማዊት።               ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት  1ይ ቆሮ. 1፡17-ፍጻሜ 1ይ ጴጥ. 2፡20-ፍጻሜ ግብረ ሓዋርያት ግብ. ሐዋ.  5፡26-33 ምስባክ መዝ. 131/132 ወንጌል   ዮሐ. 19፡25-37 ቅዳሴ ቅዳሴ ዘዮሐንስ አፈ ወርቅ።        * * *
00:00 h