እዚ ንኽልተ መዓልታት ዝቐጸለ ጉባኤ ብመሠረት እቲ ብሃገረ ስብከት ኅቡራት መንግሥታት ኣሜሪካን ካናዳን ኣቐዲሙ ዝተሓበረ ብሓፈሻ ንህሉው ኵነታት ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ ከኣ ኣብ ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን፣ ልዕልና ቅዱስ ሲኖዶስ፣ ጉዳይ 3ይ ፓትርያርክ ነበር፡ ገዳማት ኤርትራ፣ ኣገልገልቲ ቤተክርስቲያን ኣብ ዝድህስስ ዛዕባ ዘተኮረ እዩ ነይሩ። ብተወሳኪ ንኅሉፍን ህሉዊን ከምኡ ድማ ንመጻኢ ጉዕዞ ቤተ ክርስቲያን ብሰፊሕ ዝጠመተ ዘተ ተኻይዱ። ተጋባእቲ ብፍጹም ናጽነትን ግሉጽነትን ሕቶታቶም ኣቕሪቦም። ብልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ሕቶ ዝርዝራዊ መልሲ ተዋሂቡ። ኣብ መወዳእታ’ውን ልዕልና ቅዱስ ሲኖዶስ ብምኽባር ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት ንውሳኔታት ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ግብሪ ከውዕላ ጽኑዕ መምርሒ ተመሓላሊፉ።
ብዝኂ ተሳተፍቲ ካብቲ ናይ ቀደም ብዕጽፊ ከም ዝወሰኸን ኣዝዩ ንቑሕ ተሳትፎ ዝነበሮ ምንባሩ’ውን ተሓቢሩ። ቀዳም ምሸት ድማ ብፁኣን ኣቦታት ኵሉ ዝዝረብን ዝሕተትን ንዕቤት ቤተ ክርስቲያን ስለ ዝኾነ ኵሎም መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ብፍቕርን ሓድነትን ኣገልግሎቶም ክፍጽሙ፣ ካብ ዝፈላለዮም ኣጀንዳታት ክርሕቑን ነንሕድሕዶም ሕድገት ከም ዝገብሩ ብምግባር ብናይ ሓጎስ መዝሙርን ብጸሎትን ብቡራኼ ብፁኣን ኣቦታት ብዓወት ተዛዚሙ።