ኣብ ጊዜ ክረምቲ ካብ ማያት፡ ጠሊ ብኃይሊ ነፋሳትን ሙቘትን ተኃጊዙ ናብ ኣየር ይዓርግ እሞ ኣብ ደመና ተዓቝሩ ዝናም ይዘንም። ዘርኢ ኣብ ማኅፀነ ምድር ተፀኒሱ ይውለድ፣ ብነፋስ ነቒጹ ብፀሓይ በሲሉ ኸኣ ኣብ ፍረ ይበጽሕ። እዚ ዅሉ ዝኸውን ብኃይልን ትእዛዝን እግዚአብሔር እዩ።
"በዝክረምት ዘመዋዕሊነ: ዘእንበለ ፍሬ እንዘ በቈጽል ሀሎነ: ናስተበቍዓከ በክረምት ኢይኩን ጕያነ::"
ኣብ ክረምት ዝተባህለ ዕድሜና: ብዘይ ፍረ (ብዘይ ሠናይ ግብሪ) ኣብ ልምላሜ ከለና፡ ኦ ጐይታ ጕያና ብክረምት ከይከውን (ሞት፡ምጽኣት ከይረኽበና) ንልምነካ ኣሎና።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!