Heirloom consequat, irure reprehenderit duis Shoreditch. Art party wayfarers nihil pour-over cupidatat id. Brunch incididunt minim, in bitters adipisicing.
13 ጥር ዝኽበር ዕለተ ሰማዕትነት ሰማዕት ቅድስት ድምያና ምስ ኣርብዓ ደቃ ኣብ ገዳም ደብረ ደናግል ቅድስት ድምያና (ገዛ ባንዳ) ካብ ዋዜማ ጀሚሩ ብድምቀት ተባዒሉ።
ካብቶም ዓበይቲ በዓላት ጐይታናን አምላክናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኾነ ንደቂ ሰባት እውን ዓበይቲ ምሥጢራተ ድኅነት ዝተፈጸመልና፡ ዝቓወመና ዕዳ ደብዳቤ ዝተደምሰሰሉ ምሥጥረ ሥላሴን ሥጋዌን ብዕሙቀት ዝተረዳዕናሉ ክቡር በዓል በዓለ ጥምቀት ኣብ ውሽጥን ወፃእን ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብድምቀት ክኽበር ከሎ፡ ብደረጃ ሃገር ድማ ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ኣብ ባሕረ ጥምቀት ብምዕሩግ ሥነ ሥርዓት ተፈጺሙ።
ቀዳማይ ሰብ ኣዳም፡ ሕገ እግዚአብሔር ብምጥሓሱ ኣብ ደቂ ሰባት ውርደትን መርገምን ን5500 ዓመት ጸኒዑ ነበረ። እንተኾነ ግና ባዕሉ እግዚአብሔር ዝሃቦ ተስፋን፡ ነቢያት ዝተነበይዎ ትንቢትን ንምፍጻም፡ ኣካላዊ ቃል እግዚአብሔር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ኣብ ቤተ ልሔም ተወልደ።