Heirloom consequat, irure reprehenderit duis Shoreditch. Art party wayfarers nihil pour-over cupidatat id. Brunch incididunt minim, in bitters adipisicing.

* ቋንቋ:-

ቋንቋ ማለት ብምዝርራብ ኮነ ብምጽሕሓፍ ንመረዳድኢ ዘገልግል፣ ካብ እግዚአብሔር ንኣዳም ዝተዋህበ ጸጋ እዩ። (ዘፍ. ፪፥፲፱-፳/ 2፥19-20)
እዚ ቋንቋ እዚ መላእኽትን ደቂ ሰባትን እናኣጽንዑ: መልክዑ ብሕሊና እናዘከሩ፡ ረቂቕ ኣካሉ ብልሳን እናረምሰሱ ይግልገልሉ ነበሩ።

ቋንቋ ግእዝ ሓደ ካብቶም ጥንታውያንን ቀዳሞትን ቋንቋታት ዓለም ምዃኑ፡ ኣብዚ ዓውዲ’ዚ ብዙኅ ምርምራት ዘካየዱ ፈላጣትን ምሁራንን ቋንቋ ዚሰማምዑሉ ሓቂ እዩ። እዚ በብጊዜኡ ብጽሑፋዊ መልክዕ ይኹን ብሥነ ዅዕታ ዝተረኽበ ኣሰር፣ ቀዳሞት ዝገደፍዎ መረዳእታታት ድማ ነዚ ብሂል እዚ ዝያዳ እሙን ይገብሮ። ካብ’ዚ ኅልፍ ኢሎም’ውን ሊቓውንተ ቤተ ክርስቲያን ቅኑዕ ጠባያት ናይ’ዚ ትውፊታዊ መረዳእታ መሠረት ብምግባር፡ ግእዝ፡ ቋንቋ እቲ ቐዳማይ ሰብ ኣዳም ምንባሩ ይጠቕሱ እዮም።በዚ ኸኣ ፣ “ኣዳማዊ ቛንቋ” ይብልዎ።

ቋንቋ ግእዝ ናተይ ዝብሎ ፍሉይ ሥርዐተ ቋንቋ ፡ መበቆላዊ ዝኾነ ጽሑፋውን ንባባውን ሕግን ጠባያትን ዚውንን ቋንቋ እዩ። በዚ ቋንቋ እዚ ኸኣ ብርክት ዝበሉ መጻሕፍቲ ብራና ኣብ ዝተፈላለየ ኣገደስቲ ዓውድታት ማለት ሃይማኖታውን ታሪኻውን፡ ሕጋውን ፍልስፍናውን፡ ሓሳበ ዘመንን ቀመረ፡ ሕሳብን (ቍጽርን)፡ መጽሕፍተ መድኃኒት፡ መጻሕፍተ ዜማ፡ ሥነ ፍልጠታዊ ጽሑፋት፡ መዛግብተ ቓላት፡ መጻሕፍተ ሰዋስው፡ መጽሓፈ ፈለክ ወዘይመስሎ ተጻሒፎም እዮም።

ኣብ ዓመት ካብ ዘለዉ ኣርባዕተ ወቕትታት እቲ ካብ መስከረም 26 ክሳዕ ታኅሣሥ 25 ዘሎ ጊዜ ዘመነ መፀው(ቀውዒ) ይበሃል። እዚ ወቕቲ እዚ 3ተ ክፍልታት ኣለዎ። ንሳቶም ድማ፦ ዘመነ ጽጌ፣ ዘመነ ኣስተምህሮን ዘመነ ስብከትን ይበሃሉ። ዘመነ ጽጌ (ዕምባባ) ዚበሃል ካብ መስከረም 26 ክሳዕ ኅዳር 6 ዘሎ 40 መዓልትታት እዩ። ወርኀ ክረምት ኃሊፉ፡ እቲ ጭቃ ነቒጹ ማይ ጸርዩ ምድሪ ብዕምባባታት ወቂባ ትርኣየሉ እዩ። እዚ ኸኣ ናይ ዘመነ ሥጋዌን ወርኀ ስደታን ምሳሌ ዘለዎ እዩ። እዚ ዘመን’ዚ ከምቲ ጥበበኛ ሰሎሞን ፡

‘ ጽጌ ኣስተርአየ በውስተ ምድርነ/ ዕምባባታት ኣብ ምድርና ተራእዩ . . . ተኽሊ ወይኒ ዓምቢቡስ መዓዛኡ ተውፅእ ኣሎ።’ መኃ. 2፡12-13 ዝበሎ ጽጌ ዝተባህለ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብታ ብምድሪ ዝተመሰለት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ ነቲ ሕይወተ ሥጋን ሕይወተ ነፍስን ዘውህብ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ከምዝሃበ ዝሕብር እዩ። ከምኡ’ውን ኣብዚ ዘመን’ዚ እቲ ጭቃ ነቒጹ ማይ ጸርዩ ዕምባባ ከምዝርአ፡ ብኽቡር ደም ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ መርገም ተደምሲሱ ምእመናን ካብ የማናይ ጐኑ ብዝፈሰሰ ማይ ተጠሚቆም ውልድነት መንፈስ ቅዱስ ረኺቦም ተሓጒሶም ከም ዝነብሩ የረድእ።

02 ነሐሴ 2008 ዓ.ም. ፡ ዕርቀ ሰላም ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ አቡነ እንጦንዮስ ተኻዪዱ!

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ንዓመት ኣብ ኣርባዕተ ወቕትታት ማለት ዘመነ መፀው፡ ዘመነ ሓጋይ፡ ዘመነ ፀደይ ከምኡ ውን ዘመነ ክረምት ብምባል ትኸፍሎ። 

1. ጊዜ መፀው (ቀውዒ)፦ ካብ 26 መስከረም ክሳዕ 25 ታኅሣሥ ዘሎ ዕለታት እዩ። እዚ ጊዜ’ዚ እቶም ኣብ ክረምቲ ተዘሪኦም ዝበቘሉን ተተኺሎም ዝጸደቑን ኣትክልቲ ዝዕምብቡሉን ዝፈርይሉን፣ ብመዓልቲ ኣብ ብሩህ ሰማይ ፀሓይ ትደምቀሉ፡ ኣብ ለይቲ ድማ ከዋኽብቲ ዝረኣይሉ፡ ጐቦታት’ውን ብዕምባባ ዝሽፈንሉ ወቕቲ እዩ።

2. ጊዜ ሓጋይ፡- ካብ ታኅሣሥ 26 ክሳዕ መጋቢት 25 ዘሎ ጊዜ እዩ። ኣብዚ ወቕት’ዚ ዕምባባታትን ኣቝጽልትን ረጊፎም፡ ሣዕሪ ነቒጹ፡ ዋሕዚ ማይ ኣፍላጋት ኃይሎም ደኺሙ፡ መሬት ካብ ሣዕርን ቈጽልን ዓሪቓ፡ ንዋዒ ፀሓይ ተቓሊዓ ትረኣየሉ ጊዜ እዩ።

3. ጊዜ ፀደይ (ፅድያ)፡- ካብ 26 መጋቢት ክሳዕ 25 ሰኔ ዘሎ እዋን እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ገሊኡ ጊዜ መሬት ለሚዓ ጸቢቃ ክትርአ ከላ፣ ኣብ ገለ ጊዜ ድማ ሓሩር ፀሓይ ዝብርትዓሉ እዩ።

     እሙን ኣገልጋሊ  

ኣብ ዓለማዊ ሥራሕ ሠራሕተኛታት ነቲ ዘሥርሖም ኣካል ጸብጻብ ሥራሖም የቕርቡ እሞ በቲ ዘርኣይዎ ዓዉት ውፅኢት ዝሽየሙን ዝሽለሙን ወይ ድማ በቲ ዘስዓብዎ ጕድለት ይቕጽዑን ይስጐጉን። ዓለማዊ ሥራሕ ከምዚ ካብ ኮነ፡ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወት’ውን ንጽቡቕ ይኹን ንኽፉእ ሥራሕ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ንዅሉ ከከም ግብሩ ዋጋኡ ንምርካብ ሕቶ ከም ዘሎ ጐይታናን ፈጣሪናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምሳሌ ኣብ ዝመሃረሉ ጊዜ ከምዚ ክብል የረድእ፦

ናብ ርሑቕ ሃገር ክገይሽ ዝደለየ ዓቢይ ሰብ ንሠለስተ ኣገልገልቱ ጸዊዑ፡ ካብ መገሻኡ ክሳዕ ዝምለስ ንሓደ ኃሙሽተ፡ ነቲ ካልኣይ ክልተ፡ ነቲ ሣልሳይ ድማ ሓደ መክሊት ክነግድሉ ሃቦም። እቲ ሰብ ካብ መገሻኡ ምስ ተመልሰ ገንዘቡ ንኽቈጻጸር ጸውዖም። ኣብዚ ጊዜ እዚ እቲ ኃሙሽተ ዝወሰደ ካልእ ኃሙሽተ ወሲኹ፡ እቲ በዓል ክልተ ድማ ካልእ ክልተ መክሊት ኣርቢሑ መለሰሉ።

(ቅዱስ ሲኖዶስ ኣጽዲቑ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝወሰኖ፡ ብጉባኤ ሊቃውንት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ተጸኒዑን ተዳልዩን ዝቐረበ ዝርዝራዊ ብዛዕባ 'ነገረ ውግዘት' እዚ ዝስዕብ እዩ። )

                 ነገረ ውግዘት

‘ውግዘት’፦ አውገዘ፡ ፈለየ ካብ ዝብል ግሢ ዝወፀ ክኸውን ከሎ እቲ ቀንዲ ምሥጢሩ ድማ ካብ ማኅበረ ምእመናን ምፍላይ፡ ምእጋድ፡ ደው ምባል . . . ወዘተ ማለት እዩ። እምበኣርከስ ውግዘት ማዕረ ክንድ’ዚ ካብ እግዚአብሔር ዘርሕቕ፡ ካብ ቤተ ክርስቲያን ከኣ ዝንጽልን ዝእግድን ካብ ኮነ ከም መንደረጋሕ ኣብ ዝወደቐ ይውደቕ ኢልካ ዝመኃላለፍ ዘሎ ውግዘት ምስትውዓል ይገበረሉ። መምርሒ ቤተ ክርስቲያንና ዝኾነ ፍትሐ ነገሥት ‘ወለእመሰ ውእቱ አሠረ ወአውገዘ ዘእንበለ ርትዕ እንዘ የኃሥሥ ከመ ያተክዞሙ ለሰብእ ወይፈቅድ ስሕተቶሙ ወተጋንዮቶሙ ሎቱ ይኩን ውእቱ እሡረ ወውጉዘ እምኀበ እግዚአብሔር/ ንሰባት ክጕህዮምን ፈሪሖም ምእንቲ ክግዝእዎን ደልዩ ብዘይግባእ እንተ ኣሰረ እንተ ኣውገዘ ንሱ ብእግዚአብሐር ዝተኣሥረን ዝተወገዘን ይኹን ’ ይብል። (ፍትሐ ነገሥት አንቀጽ ኃምስ)

Ad Right
No events found.

  

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ሓድነታዊ ጉባኤ ሓድሽ ዝተመርጸ ምምሕዳር ሰበካ ጉባኤን ምእመናን ኣባላት ሰበካ…

መሪሕነት ኣባላት ሰበካ ጉባኤ መድኃኔ ዓለም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርቲያን ኤርትራ (ሉሳካ) ከምኡውን ምእመናን ምእመናት ነበርቲ ሃገረ ዛምብያ ብማእከልነት ቀሲስ...

ጉባኤ ማኅበር መላእ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣፍሪቃ ኣብ ሃገረ ዛምብያ ይካየድ…

ብማኅበር መላእ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣፍሪቃን(AACC) ብኣኣንጋድነት ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያናት ዛምብያ (CCZ) ተወዲቡ፡ ኣብ ዛዕባ ሕዝባዊ ዕዳን ብልሽውናን ምቁጽጻር ከምኡ’ውን...

ጉባኤ ኤፌሶን (431 ዓ.ም.) 1ይ ክፋል

ዝቐደመ ጉባኤታት ኣብ ምሥጢረ ሥላሴ ንዝተላዕለ ኑፋቄታት፣ ብፍላይ ብተመሃሮ ቤት ትምህርቲ አንጾኪያ፣  መልሲን ግቡእ መግትኢ ዝኸውን ውግዘትን ኣቐሚጡ ነበረ። ብድሕሪ...

በዓለ ሥእል ዘጼዴንያ

ብመሠረት ትምህርቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ ቅዱሳት ኣሣእል ብዙኅን ዓቢይን ጥቕሚ ይርከብ። ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝርከቡ ትምህርትታትን ታሪኻትን ብሥእላዊ ኣገላልጻ...

በዅሪ ጽምብል ሥነ ሥርዓት መመረቕታ ኮለጅ ነገረ መለኮት ደብረ ሲና…

ኮለጅ ነገረ መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ብመዓልታውን ምሸታውን መርሐ ግብር ክምህሮም ካብ ዝጸንሐ ተማሃሮ፡...

“ነቢይ ኢሳይያስ”

ነቢይ ማለት ፡ መንፈስ ትንቢት ኃዲርዎ ብዛዕባ ዚመጽእ ትንቢት ዚንበ፣ ብዛዕባ ዝኃለፈን ዚመጽእን ራእይ ዚርኢ፣ ብዛዕባ ግብረ እግዚአብሔር ኣብ ታሪኽ...

ዜና መዋዕል ካብ ልደት ክሳዕ ግብአተ መሬት መሪጌታ ባራኺ ገብረመድኅን…

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! “በድርየኒ ፈጸምኩ ወሃይማኖትየኒ ዐቀብኩ፡ እንከሰ ጽኑሐ ሊተ አክሊለ ጽድቅ ዘየዐሥየኒ እግዚአብሔር ይእተ ዕለተ መኰንነ...

ኣብ ቤት ማኅተም ኮከበ ጽባሕ ንልዕሊ 20 ዓመት ዝሠርሑ መሪጌታ…

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ቤት ማኅተም ኮከበ ጽባሕ ማኅበረ ሓዋርያት ንልዕሊ 20 ዓመት ዝሠርሑ መሪጌታ በራኺ ገብረመድኅን ኣብ...

እንቋዕ ካብ ዘመነ ማቴዎስ ናብ ዘመነ ማርቆስ ብሰላም ኣሰጋገረናን ኣብጽሓናን!

ዝናም ብመብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ተዓጂቡ ንምድሪ ዘዕለቕልቐሉ ወርኀ ክረምት ኣኅሊፉ፡ ንምድሪ ብልምላሜን ጽጌያትን ኣወቂቡ፡ ናብዚ ሓዲስ ዘመን ንሰጋገረሉ ወርኀ መስከረም...

ካብ ርእሰ ዓውደ ዓመት ክሳዕ ፀአተ ክረምት

1. ካብ ዮሐንስ (መለወጢ ዘመን ) ክሳዕ ዘካርያስ (1 መስከረም ክሳዕ 8 መስከረም) ሓድሽ ዓመት ዝትክኣሉ እዋን ስለዝኾነ ኣብ ልቢ ክርስቲያን...

ቃለ ቡራኬ ርእሰ ዓውደ ዓመት 2014 ዓ.ም.

አቀድም አእኵቶቶ ለእግዚአብሔር በኢየሱስ ክርስቶስ በእንተ ኵልክሙ እስመ ተሰምዓት ሃይማኖትክሙ ውስተ ኵሉ ዓለም። (ሮሜ ፲፩፡፰)/ ኣቐዲመ ንዂልኻትኩም ብኢየሱስ ክርስቶስ ሃይማኖትኩም...

ዜና ዕረፍት ሊቀ ሊቃውንት ኃይለሥላሴ ገብረሚካኤል

 “ኣታ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ . . . ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ” (ማቴ. 25፡21) ሊቀ ሊቃውንት ኃይለሥላሴ ገብረሚካኤል ኣብ መበል 90 ዕድሚኦም...

  

latest articles

Transfiguration: (Debre Tabor)

This is the day celebrated on Nehase (August) 13 G.C. in which Our Lord Jesus Christ during his ministry, manifested...

PRAYER

Prayer is a word by which man communicates with his Creator in Faith, thanking and beseeching Him for the forgiveness...

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...