Heirloom consequat, irure reprehenderit duis Shoreditch. Art party wayfarers nihil pour-over cupidatat id. Brunch incididunt minim, in bitters adipisicing.

‘ሜሮን’፡ ድኅሪ ሥርዐተ ጥምቀት ዚፍጸም ጸጋ እግዚአብሔር ንምእመናን ዝወሃበሉ “ቅዱስ ቅብኣት” እዩ። ብዝርአ ኣገልግሎት ምቕባእ፡ ነቲ ዘይርአ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ስለዘውህብ ምሥጢረ ሜሮን ይበሃል። እዚ ምሥጢር’ዚ ድኅሪ ምሥጢረ ጥምቀት ዚፍጸምን ንእኡ ዘጽንዕን ብምዃኑ ዘይድገም ምሥጢር እዩ። ከምኡ’ውን ሓድሽ ጽላት፡ ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን ሓደስቲ ንዋየ ቅድሳትን ኣሣእልን ምእንቲ ኪቕደሱ ቅብኣ ሜሮን ይቕብኡ እዮም።

ቅዱስ ቅብኢ ሜሮን ካብ ብዙኃት ናይ ዘይቲ ጠባይ ዘለዎም ኣትክልቲ ምስ ተዳለወ ብፍሉይ ጸሎት ቅዱስ ፓትርያርክን ሊቃነ ጳጳሳትን ተባሪኹ ይኸብር።

ጸሎተ ሐፁረ መስቀል ወመልዕልተ ኵሉ ነገር መስቀል ሐፁር ወጥቅም፡ መስቀል ለቤተ ክርስቲያን ፅንዕ፡ መስቀል ለፀር ነሣቲ፡ መስቀል ለነቢያት ስብከት፡ መስቀል ለሐዋርያት ምክሕ፡ መስቀል ለሰማዕታት አክሊል፡ መስቀል መያጤ አረሚ፡ መስቀል ለርኁባን ኅብስት፡ መስቀል ለጽሙአን አንቅዕት፡ መስቀል ለዕሩቃን ልብስ፡

መስቀል ለነገሥት ዕበይ፡ መስቀል ለአባስያን ንጽሕ፡ መስቀል ለሀብተ ክርስቲያን ልዕልና፡ መስቀል በትር ዘዘበጦ ለሰይጣን፡ መስቀል አብ ለዕጓለ ማውታ፡ ወዓቃቢሃ ለመዓስብ፡ መስቀል ሰዋቂ ለትንቱናን፡ ዘንተ ትእምርተ መስቀል በዘንነሥእ ወንፀውር ፍፅመነ ወከዋላነ ኮነነ ከመ ጥቅም ወከመ ወልታ ኃያል ውስተ ፀብዕ ለዓለመ ዓለም አሜን።

ነገረ ድኅነት ሣልሳይ ክፋል

“ኣካላዊ ቃል እግዚአብሔር ወልድ ፍጹም ሰብ ዝኾነ ብተዋሕዶ እዩ”። “ተዋሕዶ” ዝብል ቃል “ተዋሐደ” ካብ ዝብል ግእዛዊ ቓል ዝወፅአ እዩ፣ ትርጕሙ ድማ፦ “ካብ ክልተ ነገራት ሓደ ኾነ” ማለት እዩ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ክልተ ኣካል ሓደ ኣካል፣ ካብ ክልተ ባህርይ ሓደ ባህርይ ብምዃን ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ እዩ። ቅድሚ ተዋሕዶ ኽልተ ኣካል፡ ኽልተ ባህርይ ዝተባህሉ፡ መለኮታዊ ኣካልን ሥጋዊ (ሰብኣዊ) ኣካልን እዮም።

ነገረ ድኅነት (2ይ ክፋል)

መፍቀሬ ሰብ እግዚኣብሔር፡ ንኣዳም ካብ መሬት ዝፈጠሮ፡ ትእዛዙ ምስ ኣፍረሰ’ውን “ኦ ኣዳም መሬት ኢኻ እሞ ናብ መሬት ድማ ትምለስ” ኢሉ ናብ መሬት ዝመለሶ፡ በቲ ዝሃቦ ተስፋ’ውን ካብ መሬት ከልዕሎን ከድኅኖን ሥልጣን ዘለዎ እግዚኣብሔር ጥራይ እዩ። በዚ ኸኣ እቲ ብመለኮቱ ዘይርአ እግዚአብሔር ንሰብ ምእንቲ ከድኅኖ ፍጹም ሰብ ኮነ፡ ብሥጋ ተጋህደ።

እግዚአብሔር ስለምንታይ ሰብ ኮነ፧

እዚ ዓቢይ ምሥጢር እዩ። ካብ ፍጥረታት ንዅሉ ኣምሊኡን ኣጠናቒቑን ኪፈልጥን ኪምርምርን ዚኽእል የልቦን። በቲ መንፈስ ቅዱስ ዝገለጸሎም ኣበው ዝተናገርዎ ግና እንሆ፦

‘ቍርባን’፦ ማለት መንፈሳዊ ኣምኃ፣ መሥዋዕት፣ መባእ . . . ንእግዚአብሔር ኣምላኽ ዝቐርብን ዝወሃብን እዩ። ኣብ ዘመነ ብሉይ፡ ንእግዚአብሔር ዝቐርብ መሥዋዕቲ እንስሳን እኽልን ቍርባን ይብሃል ነበረ። (ዘሌ. 4፥1-35፤ 5፥1-19፤ 6፥1-30፤ 7፥1-15) ኣብ ሓዲስ ኪዳን ግና ቍርባን ዚበሃል ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሥጋን ደምን እዩ። (ማቴ. 26፥26፤ 1ይ ቆሮ. 11፥24-27) “ሥጋይ ብልዒ ሓቂ እዩ እሞ ደመይ ከኣ መስተ ሓቂ እዩ። እቲ ሥጋይ ዚበልዕ ደመይ ውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብር ኣነ’ውን ኣብኡ እነብር።” ዮሓ. 6፡55

መሠረታዊ ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ትምህርትን እምነትን ከምኡ’ውን ዓምዲ ሃይማኖትና እተን ኃሙሽተ ኣዕማደ ምሥጢራት’የን። እዚኣተን ከኣ፦ ምሥጢረ ሥላሴ፣ ምሥጢረ ሥጋዌ፣ ምሥጢረ ጥምቀት፣ ምሥጢረ ቍርባንን ምሥጢረ ትንሣኤ ሙታንን እየን።
            ምሥጢረ ሥላሴ
ምሥጢረ ሥላሴ፡ ናይ እግዚአብሔር ሓድነትን ሠለስትነትን ዝገልጽ ትምህርቲ ሃይማኖት እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ሓደ እንከሎ ከሎ፡ ሠለስተ’ዩ፣ ሠለስተ እንከሎ ድማ ሓደ’ዩ።

ገዳም ደብረ ድማኅ ሓደ ካብቶም ጥንታውያን ገዳማት ሃገርና ኾይኑ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ ቈላ ሠራየ፡ ካብ ርእሲ ከተማ ኣሥመራ ኣስታት 102 ኪ.ሜ. ርሒቁ ይርከብ። ብራኸኡ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ 2075 ሜትሮ እዩ። እዚ ገዳም’ዚ ብኣቡነ መርቆሬዎስ ብ1340 ዓ.ም. ተመሥረተ።

ኣቡነ መርቆሬዎስ ካብ ቅዱሳን ወለዶም ካህን ቶማስ ስምዖንን ሰሎሜ ሕይወትብነን 29 ነሐሴ ብ1274 ዓ.ም ወምበርታ ፍሉይ ስሙ ደበሽን እንዳ ማርያም ተወልዱ። እዞም ክልተ ቅዱሳን ወለዲ ተኣዘዝቲ እግዚኣብሔር ኣኽበርቲ ቅዱሳን ስለዝነበሩ ወርኂ ወርኂ ዝክር ቅዱስ ሰማዕት መርቆሬዎስ(ፒሉፓዴር) ይገብሩ ብምንባሮም ኣብ ዕለተ በዓሎም ብዝተገብረሎም ተኣምር መርቆሬዎስ ኢሎም ሰመይዎም። ስመ ክርስትናኦም ኸኣ ዕሤተ ማርያም በልዎም።

ኣብ “ሓይቀ መሳሕል” ትብሃል ኣብ ትግራይ ደበሽን እንዳ ማርያም እትርከብ ዓዲ ዝቕመጡ፡ ካህን ቶማስን እምነ ሰሎሜን ዝበሃሉ ፈራህያነ እግዚአብሔር ሰብ ኃዳር ነበሩ። ካህን ቶማስ ንበዅሪ ወዱ ኣቡነ መርቆሬዎስ ምስ ወለደ ንቅድስት እምነ ሰሎሜ ከይነገራ ‘ደጊም ይኣኽለኒ እዛ ዓለም እዚኣ ኃላፊት እያ እሞ ነታ ዘይትኃልፍ ዓለም ዘውርስ ግብረ ጽድቂ ክፍጽም እየ” ኢሉ ንኪምንኵስ ናብ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ከደ። ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ከኣ ንካህን ቶማስ “ካባኻ ዚውለዱ ቅዱሳን ውሉድ ስለ ዘለዉ ምንኵስና ክፍልኻ ኣይኮነን” በሎ እሞ ብድኅር’ዚ ናብታ እምንቲ በዓልቲ ቤቱ ተመሊሱ ብቕዱስ ሥርዓት ሰብኣይ ሰበይትን ንኣቡነ ኣብሳዲ ኣቡነ ማቴዎስን መክብበ ድንግልን ወለደ። በዚ ኸኣ ኣቡነ ኣብሳዲ ብዕለት 16 የካቲት 1277 ዓ.ም. ተወልደ እሞ ስሙ “ሃሎ ክርስቶስ” ተባህለ።

ሃሎ ክርስቶስ ብቃለ እግዚአብሔርን ብኣካልን ዓቢዩ ወዲ 12 ዓመት ምስ ኾነ፡ ኅልፈተ ዓለም ተረዲኡ ናብቲ ብሥጋ ኣኮኡ ዝብጽሖ ባሕታዊ ኣባ ገብረ መስቀል (ጳውሎስ) ከደ። ኣባ ገብረ መስቀል እውን ኣመጻጽኡ ብቅኑዕ መንፈስ ምዃኑ ፈሊጡ ናብ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ሰደዶ። ምስ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ኮይኑ ድማ ቅዱሳት መጻሕፍትን ትምህርተ ሃይማኖትን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያንን ኣጽፊፉ ተማህረ። ብድኅር’ዚ ወዲ 24 ዓመት ምስ ኮነ ኣስኬማ ዘመላእክት ብኢድ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ለበሰ። ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ባሪኹን መሪቑን “ኣቡነ ኣብሳዲ” ኢሉ ሰመዮ፡ ትርጕሙ ኸኣ “ኣቦ ብዙኃን” ማለት እዩ። ኣቡነ ኣብሳዲ ካብቶም ሾብዓተ ደቂ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ በዅሪ እዩ።

ኣቡነ ኣብሳዲ ምስ ኵሎም ኣኅዋቱ ደቂ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስን ብፍቕርን ብተኣዛዝነትን ብመንፈሳዊ ተጋድሎን ይነብር ነበረ። ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ናብ ኣርማንያ ክኸይድ ምስ ደለየ፡ ነቶም ብትሩፋቶምን ኣእምሮኦምን ብሉጻት ዝነበሩ ኣቡነ ኣብሳዲን ኣቡነ መርቆሬዎስን ኣብ ልዕሊ ዅሎም ደቁ ኣኅሉቕ ገይሩ ሾሞም። ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ክሾሞም ከሎ፦ “ቡራኬን መስቀልን ንወደይ ኣቡነ ኣብሳዲ፣ ስብከተ ወንጌልን ብቐዳምነት ኣብ መንበር ምቕማጥን ዕብየትን ድማ ንወደይ መርቆሬዎስ” ኢሉ ንደቆም ተላበዎም። በዚ መሠረት ክሳዕ ሎሚ ኣብ ዝኾነ ጊዜ፡ ፈላሲ ናይ ገዳም ኣቡነ ኣብሳዲ ኣብ ዝህልወሉ ንሱ ይባርኽ፡ ከምኡ’ውን ንፈላሲ ደብረ መርቆሬዎስ ኣብ ማእከል መንበር ቀሪቦም ኮፍ የብልዎ።

ኣቡነ ኣብሳዲ፡ ጸሎትን ጾምን ዘዘውትር ብትሕርምቲ ንሥጋኡ ዝቀጽዕ ብቑዕ ኣቦ ብምንባሩ፡ ካብ ቅድስነቱ ዝተላዕለ ካብ እግዚአብሔር ዝተላእከ ኅቡእ ባሕታዊ ሥጋን ደምን ወልደ እግዚአብሔር ከምዘቐበሎ፣ ባዕሉ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ሕፃን ተመሲሉ ፃዕዳ ልብስን ወርቃዊ መጽሓፍን ከምዝሃቦ መጽሓፈ ገድሉ ይገልጽ።

ኣብነ ኣብሳዲ ብትምህርቱ ንብዙኃት መናፍቓን ረቲዑን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት እናዞረ ስብከተ ወንጌል ኣስፊሑን ብዙኅ ተኣምራት ገይሩን እዩ። ኣብ ከባቢ ዓረዛ ድማ ንሰብዓ  (70) ዓመታት ተቐሚጡ ብዙኅ ስለዝተጋደለላ ክሳብ ሎሚ እዛ ቦታ ሰብዓ ትብሃል።

ሓደ እዋን ኣብታ ተኣምራት ዝገበረላ ቦታ ከሎ ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተገሊጹ፡- “ካብዛ እምባ ንወገን ሰሜን ዘላ ቦታ ባሪኸልካ እየ እሞ ምስ ደቅኻ ኣብኣ ንበር” ኢሉ ሓበረሉ። እዛ ቦታ’ዚኣ ድማ ሎሚ ደብረ ማርያም ደብረ ክሳሄ ትበሃል ዘላ እያ። ‘ክሳሄ’ ማለት ምዑዝ ዝጨናኡ ሮዛ ዕንባባ ማለት እዩ። ‘ደብረ ክሳሄ’ ዝተባህለሉ ምኽንያት ድማ ካብቲ ገዳም ዝተገደመሉ እምባ ወግረ ክሳሄ ዝተወስደ እዩ። ከባቢ ናይቲ እምባ ኸኣ ደብረ ማርያም እናተባህለ ይፍለጥ።

ኣቡነ ኣብሳዲ፡ ድኅሪ ናይ ነዊኅ ዓመታት ተጋድሎ ዕለተ ዕረፍቱ ከም ዝኣኸለ ምስ ፈለጠ ንደቁ ቃል ምዕዳን ሂቡ ብድኅሪኡ ንኣቡነ ዘካርያስ ሸመሎም።
ብድኅር’ዚ ካብ ልዑል እግዚአብሔር ቃል ኪዳን ተቐቢሉ 30 መስከረም ብሰላም ዓረፈ።

ዝክረ ዕረፍቱ ድማ ዓመት መጽአ 30 መስከረም ብኽብሪ ይበዓል። ምስቲ ገዳሙ ዝተኃኃዝ ገለ ካብ ዝተወህቦ ቃል ኪዳን፦ “ኀባ ጽላሎታ ዘበጽሓ ኢይሬኢ ደይነ/ ኣብ ጽላሎት ናይታ ጎቦ ዝበጽሐ ሰብ ደይን (ሲኦል) ኣይኣቱን እዩ። ኣብ ዕለት ዕረፍትኻ 30 መስከረም ናብ ገዳምካ ዝነገደ ኢየሩሳሌም ከም ዝነገደ እዩ . . . ” ዝብል ስለዘለዎ ሕዝበ ክርስቲያን በረኸት ቃል ኪዳኑ ንምስታፍ ናብ ገዳሙ ደብረ ማርያም ወደብረ ክሳሄ ይነግዱ።

ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Ad Right
No events found.

  

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ሓድነታዊ ጉባኤ ሓድሽ ዝተመርጸ ምምሕዳር ሰበካ ጉባኤን ምእመናን ኣባላት ሰበካ…

መሪሕነት ኣባላት ሰበካ ጉባኤ መድኃኔ ዓለም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርቲያን ኤርትራ (ሉሳካ) ከምኡውን ምእመናን ምእመናት ነበርቲ ሃገረ ዛምብያ ብማእከልነት ቀሲስ...

ጉባኤ ማኅበር መላእ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣፍሪቃ ኣብ ሃገረ ዛምብያ ይካየድ…

ብማኅበር መላእ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣፍሪቃን(AACC) ብኣኣንጋድነት ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያናት ዛምብያ (CCZ) ተወዲቡ፡ ኣብ ዛዕባ ሕዝባዊ ዕዳን ብልሽውናን ምቁጽጻር ከምኡ’ውን...

ጉባኤ ኤፌሶን (431 ዓ.ም.) 1ይ ክፋል

ዝቐደመ ጉባኤታት ኣብ ምሥጢረ ሥላሴ ንዝተላዕለ ኑፋቄታት፣ ብፍላይ ብተመሃሮ ቤት ትምህርቲ አንጾኪያ፣  መልሲን ግቡእ መግትኢ ዝኸውን ውግዘትን ኣቐሚጡ ነበረ። ብድሕሪ...

በዓለ ሥእል ዘጼዴንያ

ብመሠረት ትምህርቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ ቅዱሳት ኣሣእል ብዙኅን ዓቢይን ጥቕሚ ይርከብ። ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝርከቡ ትምህርትታትን ታሪኻትን ብሥእላዊ ኣገላልጻ...

በዅሪ ጽምብል ሥነ ሥርዓት መመረቕታ ኮለጅ ነገረ መለኮት ደብረ ሲና…

ኮለጅ ነገረ መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ብመዓልታውን ምሸታውን መርሐ ግብር ክምህሮም ካብ ዝጸንሐ ተማሃሮ፡...

“ነቢይ ኢሳይያስ”

ነቢይ ማለት ፡ መንፈስ ትንቢት ኃዲርዎ ብዛዕባ ዚመጽእ ትንቢት ዚንበ፣ ብዛዕባ ዝኃለፈን ዚመጽእን ራእይ ዚርኢ፣ ብዛዕባ ግብረ እግዚአብሔር ኣብ ታሪኽ...

ዜና መዋዕል ካብ ልደት ክሳዕ ግብአተ መሬት መሪጌታ ባራኺ ገብረመድኅን…

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! “በድርየኒ ፈጸምኩ ወሃይማኖትየኒ ዐቀብኩ፡ እንከሰ ጽኑሐ ሊተ አክሊለ ጽድቅ ዘየዐሥየኒ እግዚአብሔር ይእተ ዕለተ መኰንነ...

ኣብ ቤት ማኅተም ኮከበ ጽባሕ ንልዕሊ 20 ዓመት ዝሠርሑ መሪጌታ…

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ቤት ማኅተም ኮከበ ጽባሕ ማኅበረ ሓዋርያት ንልዕሊ 20 ዓመት ዝሠርሑ መሪጌታ በራኺ ገብረመድኅን ኣብ...

እንቋዕ ካብ ዘመነ ማቴዎስ ናብ ዘመነ ማርቆስ ብሰላም ኣሰጋገረናን ኣብጽሓናን!

ዝናም ብመብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ተዓጂቡ ንምድሪ ዘዕለቕልቐሉ ወርኀ ክረምት ኣኅሊፉ፡ ንምድሪ ብልምላሜን ጽጌያትን ኣወቂቡ፡ ናብዚ ሓዲስ ዘመን ንሰጋገረሉ ወርኀ መስከረም...

ካብ ርእሰ ዓውደ ዓመት ክሳዕ ፀአተ ክረምት

1. ካብ ዮሐንስ (መለወጢ ዘመን ) ክሳዕ ዘካርያስ (1 መስከረም ክሳዕ 8 መስከረም) ሓድሽ ዓመት ዝትክኣሉ እዋን ስለዝኾነ ኣብ ልቢ ክርስቲያን...

ቃለ ቡራኬ ርእሰ ዓውደ ዓመት 2014 ዓ.ም.

አቀድም አእኵቶቶ ለእግዚአብሔር በኢየሱስ ክርስቶስ በእንተ ኵልክሙ እስመ ተሰምዓት ሃይማኖትክሙ ውስተ ኵሉ ዓለም። (ሮሜ ፲፩፡፰)/ ኣቐዲመ ንዂልኻትኩም ብኢየሱስ ክርስቶስ ሃይማኖትኩም...

ዜና ዕረፍት ሊቀ ሊቃውንት ኃይለሥላሴ ገብረሚካኤል

 “ኣታ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ . . . ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ” (ማቴ. 25፡21) ሊቀ ሊቃውንት ኃይለሥላሴ ገብረሚካኤል ኣብ መበል 90 ዕድሚኦም...

  

latest articles

Transfiguration: (Debre Tabor)

This is the day celebrated on Nehase (August) 13 G.C. in which Our Lord Jesus Christ during his ministry, manifested...

PRAYER

Prayer is a word by which man communicates with his Creator in Faith, thanking and beseeching Him for the forgiveness...

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...