ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ተክለ ሃይማኖት፡ ካብ ኣምላኩ ቃል ኪዳን ተቐቢሉ ኣብ መበል 99 ዓመቱ ብዕለት 24 ነሓሴ ምስ ዓረፈ፡ ቅዱሳን መላእኽት እናዘመሩ ንነፍሱ ክቕበልዋ ከለዉ፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ኣክሊለ ጽድቅ ሂቡ ናብ ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ኣእተዎ።
ኣብ ዚተፈላለያ ሃገራት ብስደት ዚነብሩ ግዱሳት ደቂ ቤተ ክርስቲያን፡ ከም መቀጸልታ ናይቲ ቅድሚ ሕጂ፡ ንቤተክርስቲያን ዝገብርዎ ኣበርክቶን፡ ደገፍን ሎሚ ውን ዋጋ 52,120ናቅፋ ዝዋጋኡ ንፈነወ ዌብ ቲቪ ዝሕግዝ ንብረት ሓገዝ ሂቦም።
ብተሳታፍነት ክፍልታት መንበረ ፓትርያርክ፡ ኣብያተ ጽሕፈት ሃገረ ስብከታት፡ ፡ ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ከምኡ’ውን ሰበካ ጉባኤታት ምእመናንን ዝተዳለወ እማመ ስትራቴጂካዊ ውጥን ብኮሚተ ምድላው ስትራቴጂካዊ ውትን ክጻፈፍ ድኅሪ ምጽናሑ፡ ብዕለት 31-08-2020 ዓ.ም.ፈ ናብ ብፁዓን ኣቦታት ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣብያተ ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ቀሪቡ።
ብናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣቈጻጽራ ዘመን፡ ሓደ ዓመት 13 ኣዋርኅ ይኅዝ። ናይ መወዳእታ መበል 13 ወርኂ ድማ ጳጕሜን ይብሃል። ጳጕሜን፡- ካብ 'ኤጳጎመን' (epagomene)’ ዝብል ግሪኻዊ ቃል ዝተወስደ ኾይኑ፡ 'ተወሳኺ' ማለት እዩ።
ዝክረ በዓል ናይ ሊቃነ አበው፡ ካብ ኣርእስተ አበው ዝኾኑ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያዕቆብን ብዓቢይ መንፈሳዊ ሓበን ንዝክሮ። ሊቃውንት መዘምራን “ወተዘከረ ሣህሎ ዘለዓለም ዘሠርዐ ለአብርሃም፡ ወመሐለ ለይስሐቅ ወዐቀመ ስምዐ ለያዕቆብ፡ ያርኁ ክረምተ ይገብር ምሕረተ እምሰማይ ይሁብ ወእምድር በረከተ ያጽግብ ነፍሰ ርኅብተ” ብምባል ምስ ዘመነ ክረምት ብምትእስሳር ይዝምሩ።
“መኑ ያኀድገነ ፍቅሮ ለክርስቶስ፡ ሕማምኑ ምንዳቤኑ ተሰዶኑ ረኃብኑ ዕርቃንኑ መጥባሕትኑ ፃዕርኑ። በከመ ይቤ መጽሐፍ በእንቲአከ ይቀትሉነ ኵሎ አሚረ ወኮነ ከመ አባግዕ ዘይጠብሑ። ወባሕቱ በእንተዝ ንመውዖ ለኵሉ እስመ ውእቱ አፍቀረነ/ ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ፧ መከራዶ፡ ጸበባዶ፡ ስደትዶ፡ ጥሜትዶ፡ ዕርቃንዶ፡ ድንገትዶ ወይስ ሞት። ከመዮ ምእንታኻ ምልኡ መዓልቲ ንቅተል ኣሎና፡ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቘጸርና” ከም ዝብል መጽሓፍ። ፍጹም ስለዘፍቀረና ንዅሉ ንስዕሮ ኣሎና።” (ሮሜ 8፡35-37)
ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ተክለ ሃይማኖት፡ ካብ ኣምላኩ ቃል ኪዳን ተቐቢሉ ኣብ መበል 99 ዓመቱ ብዕለት 24 ነሓሴ ምስ ዓረፈ፡ ቅዱሳን መላእኽት እናዘመሩ ንነፍሱ ክቕበልዋ ከለዉ፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ኣክሊለ ጽድቅ ሂቡ ናብ ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ኣእተዎ።
ዓርቢ ዕለት 22-ነሐሴ- 2012 ዓ.ም. (28 ነሐሴ 2020 ዓ.ም.) ከም መቀጸልታ ናይ ዝሓለፈ ጉባኤ ኣርታዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንክፋል ሓዲሽ ኪዳን ካብ ግረበ ሐዋርያት ክሳብ ራእይ ዮሐንስ ንዘለዉ መጻሕፍቲ ንምርታዕ፥ ዓቓቤ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ፡ ዋና ኣማኃዳሪ መንበረ ፓርያርክ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ፡ ዝተረቅሑ ሊቃውንት ቤተ ክርስቲያን ኃለፍቲ ክፍልታት መንበር ፓርያርክ ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣኼባ ተቃኒዑ።
ኣብ ቤት ጽሕፈት መንብረ ፓትርያርክ ዘሎ ክፍሊ ስነዳን ሙዝየምን ብመንገዲ ማይክሮ ፊልም ብራናታት ሰኒድካ ንምዕቃብ ልዑል ጻዕሪ ይገብር ምህላው ሓላፊ ክፍሊ መሪጌታ ሲራክ ሓቢሩ።
ኣብ ገዳም ደብረ ቁስቋም ቅድስት ድንግል ማርያም ድባርዋ ዝተፈላለዩ ትስፍው ልምዓታዊ መደባት ክኻየድ ምጽንሑ ተገሊጹ። ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ዓመት እዚ ብዝተገብረ ልምዓታዊ ስርሓት መንበሪ መነኮሳትን መነኮሳይያትን፡ መንበርን መምሃር ክፍሊ ተምሃሮ ግብረ ዲቁናን ግብረ ክህነትን፡ ህንፃ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ድንግል ማርያምን ቅዱስ ኣቡነ ኣረጋዊን ክጽግኑ ምክኣሎም አበ ምኔት ገዳም ኣባ ስምዖን ሓቢሮም።