ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ጥቅምት ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ኅዳር በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ጥቅምት ቡሩክ መዓልቱ ፲ወ፩ቱ ሰዓት ወሌሊቱኒ ፲ወ፫ቱ ።

ሎሚ ቡሩኽ ወርኂ ጥቅምት ብሒትልና ኣሎ እሞ ናብ ብሩኽ ወርኂ ኅዳር ብሰላመ እግዚአብሔር የብጽሓና! ቡሩኽ ወርኂ ጥቅምት፡ ናይ መዓልቲ 11 ሰዓት እዩ ናይ ለይቲ ድማ 13 ሰዓት።

ዓመት መጽአ 29 መስከረም ዝክረ ሰማዕትነት ቅድስት ኣርሴማ ኣብ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያን ዝኽበር ኮይኑ፣ ብስማ ዝተሓንፀ ቤተ ክርስቲያንን ዝተገደመ ገዳምን ዘለዎ ኣብ ሃገረ ስብከት ማእከል ዓዲ ሓውሻ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ዓቃቤ መንበር ዘፓትርያርክ፡ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ፡ ወከልቲ ኃለፍቲ ክፍልታት፡ ገዳማውያን ኣደታት፡ ሊቃውንት ውሉደ ክህነት፡ ምእመናትን ምእመናንን ኣብ ዝተረኽብሉ ተኸቢሩ።

ዘደብረ ክሳሄ ወደብረ ማርያም

ኣብ “ሓይቀ መሳሕል” ትብሃል ኣብ ትግራይ ዳብሽ እንዳ ማርያም እትርከብ ዓዲ ዝቕመጡ፡ ካህን ቶማስን እምነ ሰሎሜን ዝበሃሉ ፈራህያነ እግዚአብሔር ሰብ ኃዳር ነበሩ። ካህን ቶማስ ንበዅሪ ወዱ ኣቡነ መርቆሬዎስ ምስ ወለደ ንቅድስት እምነ ሰሎሜ ከይነገራ ‘ደጊም ይኣኽለኒ እዛ ዓለም እዚኣ ኃላፊት እያ እሞ ነታ ዘይትኃልፍ ዓለም ዘውርስ ግብረ ጽድቂ ክፍጽም እየ” ኢሉ ንኪምንኵስ ናብ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ከደ። ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ከኣ ንካህን ቶማስ “ካባኻ ዚውለዱ ቅዱሳን ውሉድ ስለ ዘለዉ ምንኵስና ክፍልኻ ኣይኮነን” በሎ እሞ ብድኅር’ዚ ናብታ እምንቲ በዓልቲ ቤቱ ተመሊሱ ብቕዱስ ሥርዓት ሰብኣይ ሰበይትን ንኣቡነ ኣብሳድን ካልኦትን ወለደ። በዚ ኸኣ ኣቡነ ኣብሳዲ ብዕለት 16 የካቲት 1277 ዓ.ም. ተወልደ እሞ ስሙ “ሃሎ ክርስቶስ” ተባህለ።

ክፍሊ ኣገልግሎት ካህናት ሃገረ ስብከት ኣሥመራን ዞባ ማእከልን ብዘዳለዎ፡ ናይ መዓርገ ዲቁናንን፡ክህነትን ፡ፈተና ካብ ኩለን ሃገረ ስብከት ኣሥመራ፡ካብ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያያናት ንዝመጹ ተማሃሮ ንዲቁና፡ ዲያቆናት ድማ ንክህነት ተፈቲኖም።

ኣብቲ ብዕለት 20ን 30 መስከረም 2013ግ ዝነበረ መርመራ ብጠቅላላ 85 ተማሃሮ ንመዓርገ ዲቁና ክፍተኑ እንከለዉ፡ብዕለት 24 መስከረምን 04 ጥቅምትን 2013 ግ ድማ 21 ዲያቆናት ንማዕርገ ክህነት ተፈቲኖም።

ኣብ ዓመት ካብ ዘለዉ ኣርባዕተ ወቕትታት እቲ ካብ መስከረም 26 ክሳዕ ታኅሣሥ 25 ዘሎ ጊዜ ዘመነ መፀው(ቀውዒ) ይበሃል። እዚ ወቕቲ እዚ 3ተ ክፍልታት ኣለዎ። ንሳቶም ድማ፦ ዘመነ ጽጌ፣ ዘመነ ኣስተምህሮን ዘመነ ስብከትን ይበሃሉ።

ፀዓተ ክረምት፦ ንወርኃ ክረምት መውፅኢ መፈጸምታ ጊዜ ክረምት ማለት እዩ። ኣብ ዓመት ካብ ዘለዉ ኣርባዕተ ወቕትታት፡ ካብ 26 ሰኔ ክሳዕ 25 መስከረም ዘሎ ወቕቲ ክረምቲ እዩ። ድኅሪ ዘመነ ክረምት ቀጺሉ ዝትካእ ካብ 26 መስከረም ክሳዕ 25 ታኅሣሥ ዘሎ ወቕቲ ኸኣ ዘመነ መፀው እዩ።

ብመንፈሳዊ ብቕዓቶም፡ ሊቅነቶም፡ ተጋድሎኦም፡ . . . ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ካብ ትሕበነሎም፣ ንልዕሊ 50 ዓመት ኣብ ገዳም ደብረ ድማኅ አቡነ መርቆሬዎስ ከም መምህር ኮይኖም ዘገልገሉ መምህር አባ ገብረ እግዚአብሔር ብሰላም ዓሪፎም፣ ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል አቡነ ኤዎስጣቴዎስ 18 መስከረም 2013 ዓ.ም. ኣብ ገዳሞም ደብረ ድማኅ ሓመድ ኣዳም ለቢሶም።

ኣብ ናይ መንፈስ ደቆም ገዳማትን ብሽሞም ኣብ ዝተሓንፁ ኣብያተ ክርስቲያንን ክብረ በዓል ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ተኸቢሩ።

ትማሊ ዕለት 17 መስከረም 2013 ዓ. ም. ክብረ በዓል ቅዱስ መስቀል፡ ዓቃቤ ወንበር ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ፡ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስን ፡ ተወከልቲ ኃለፍቲ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ፡ ሊቃውንት ቤተ ክርስቲያንን ተወከልቲ ሰብ ተራ ደብርሪን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ  ቤተ ክርስትያን ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ድንግል ማርያም ኣሥመራ ብክብሪ ተባዒሉ።  

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

   * ኣመጻጽኣ መስቀል፣

መስቀል ማለት ‘ሰቀለ’ ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሲ ዝተረኽበ ኾይኑ ትርጕሙ ድማ ዝተመሳቐለ መስቀለኛ ማለት እዩ፣ ኣይሁዳውያን ‘ርጉም ፣ ውጉዝ ፣ ገበነኛ እዩ’ ንዝበልዎ ሰብ ብሰይፊ (ዘፀ. 21፥14)፣ ብእሳት (ዘሌ. 20፥14) ፣ብውግረተ እብን (ዘሌ. 20፥27)፡ኣብ መስቀል ብምስቃል . . . ይቐጽዕዎ ነበሩ። /ዘዳ. 21፥22)

ንንጹሐ ባህርይ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ሓንቲ በደል ዘይተረኽቦ ንምስቃል ዝተጠቕምሉ ሜላ ድማ ስቕለት ነበረ፣ ብመከራ ኣሣቕዮም ፡ኣእዳዉን ኣእጋሩን ሸንኪሮም፣ ኣብ መስቀል ሰቐልዎ፣ ጎድኑ ብዂናት ወግእዎ፣ ገበነኛ እዩ ንኽብሉ ‘‘ኢየሱስ ናዝራዊ ንጉሠ አይሁድ’’ ዝብል ጽሑፍ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ጸሓፉ፣ ብፍቓዱ’ውን ሞተ።

No events found.
Ad Right

  

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ምሥጢር ፊደላትና ይተዓቀብ!

ኣብ ልሳነ ግእዝን ትግርኛን፡ ነፍስ ወከፍ ፊደል ናቱ ትርጕምን መግለጽን ኣለዎ። ብኣደማምፃኦም ሓደ ዓይነት ዝኾኑ፣ እንተኾነ ግና ብመልክዕን ቅርጽን ከምኡ’ውን...

ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ኃላፍቲ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓባይ ብሪጣንያ ርክብ…

ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ ከም መቀጸልታ ናይቲ ኣቀዲሙ ምስ ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ሃገረ ስብከታትን ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ከካይዶ ዝጸንሐ ጉባኤ፡...

ቅዱስ ሐዋርያ ፊልጶስ አሐዱ እምዓሠርቱ ወክልኤቱ ሐዋርያት 

18 ኅዳር ዕለተ ዕረፍቱ ናይ ሓደ ካብ ዓሠርተው ክልተ ሓዋርያት ዝኾነ ቅዱስ ፊልጶስ እዩ። ‘ፊልጾስ’፦ ማለት መፍቀሬ አኃው ፈታው ኣኅዋት፣ ኣኃዜ ኲናት...

ዘመነ አስተምህሮ

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለት፡ ብፍላይ ከኣ ዕለተ ሰንበት እሑድ ዝዝመር፡ ዝስበኽ፡ ዝንበብን ዝቕደስን ብሓፈሻ ዝበጽሕ ስብሐታትን ዝንበብ ቃለ እግዚአብሔርን ምሥጢር...

ጾመ ነቢያት፡ ካብ ሠሉስ 15 ኅዳር ጀሚሩ፡ በዓለ ልደት ድማ…

ቅድሚ በዓለ ልደት ኣብ ዘሎ ጊዜያት፡ “ወጥንተ ዚአሁ መንፈቀ ኅዳር/ መጀመርታኡ ፍርቂ ወርኀ ኅዳር” ከምዝብል ካብ 15 ኅዳር ጀሚሩ ክሳዕ...

ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ተኸቢሩ ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተባዒሉ!

ዓመት መጽአ 12 ኅዳር እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጻውያን ብመሪሕነት ሊቀ መላእት ቅዱስ ሚካኤልን ናጽነት ዝወጽእሉ ብምዝካር ዝኽበር ክብረ በዓል ቅዱስ...

"ንኣይ ዝሕግዘንን ዝከላኸለለይን ሚካኤል እዩ” ዳን. 10፡21

ቅዱስ ሚካኤል ሓደ ካብቶም ሊቃነ መላእኽቲ እዩ። (ይሁዳ 1፡9) ኃይላት ናይ ዝበሃሉ ነገድ ሓለቓ እዩ። (ሄኖ. 10፡2-12) ቅዱስ ሚካኤል ናይ...

ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ፡ ክብረ በዓል ቁስቋም ማርያም ኣረጊት ድባርዋ…

6 ኅዳር ክብረ በዓል ቁስቋም ኣብ ማርያም ኣረጊት ድባርዋን ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስን ጳጳስ ሃገረ ስብከት ደቡብ...

ዛዘምቲ ደረጃ ዲፕሎማ ቤት ትምህርቲ ስነ መለኮት ደብረሲና ቅድስት ሥላሴ…

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ከም ኣካል ብዘመናዊ ኣገባብን ሥርዓተ ትምህርትንምሥልጣንን ምምሃርን ኣገልገልቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን  ምሉእ ባይታ ብምጥጣሕ፡ ኣኅዳሪ መንፈሳዊ ኮሌጅ...

ሊቀ ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ

ሰማዕት ዝብል ቃል ‘ሰምዐ’ መስከረ ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሥ ዝተረኽበ ኪኸውን ከሎ ምምስካር፡ ምስክር ማለት እዩ። “ብዛዕባ እቲ ኻብ መጀመርታ ዚነበረ...

ሓዊ ማሕየዊ

‘ቲ ፈተና - ሓዊ፡ ንኣይ ዝተኣጒደ፡ዋላ ተሽለቘኒ ውሽጠይ እናንደደ፡ደኃር ግን ፈሊጠ ምስ በጽሐ እዋኑ፡ንምድራዊ ሕይወተይ መብሰሊ ምዃኑ።    ምኽንያቱ፡    ምድራዊ ሕይወተይ...

ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርት ሰንበት ቅድስት ኣርሴማ ሲደሮት ቤተ ክርስቲያን…

ብዕለት 7 ጥቅምት 2013 ዓ.ም.ግ. “ኣብ ዓይንኽ ዘሎ ስርወ ዘየስተውዓልካስ ንምንታይ ኣብ ዓይኒ ኃውኻ ዘሎ በሰር እትርኢ” ማቴ 7፡3 ብዝብል...

  

latest articles

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...