ኣብ ዕሥራ ክፍለ ዘመን ብሩህ ኮከብ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዘምድረ አግዓዚ ዝኾኑ ብፍሉይ ካብ ዝዝከሩ ኣቦታት ሓደ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ እዮም። መናኒ፡ ምሁረ መጻሕፍት፡ ሰባኬ ወንጌል፡ ምዑዘ ልሳን፡ ጸሓፊ፡ ዋና ኣመኃዳሪ፡ . . . ነይሮም። ካብ ዲቁና ክሳዕ ሊቀ ጵጵስና፡ ዓቃቤ መንበር፡ ፓትርያርክ ዘሎ መዓርጋት ተሠይሞም ንእግዚአብሔር ዘገልገሉ፡ ንሕዝበ ክርስቲያን ዘጽንዑን ዝባረኹን ዝሓለዉን ብቁዕ ኣቦ ነይሮም።
ቅዱስ ሲኖዶስ ዝመዘዛ፡ ንዅሉ ኣካላት ቤተ ክርስቲያን እትውከል ኮሚቴ ኣርቃቒት ሕጊ ምርጫ ፓትርያርክ ንመመላእታ ወርኂ መጽናዕቲ ድኅሪ ምክያድ 15 ዓንቀጽ ዝኃዘ ንድፈ ሕጊ ኣመራርጻ ፓትርያርክ ብዕለተ 15 ኅዳር 2012 (25/11/2019ፈ) ናብ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣቕሪባ።
እዛ ኮሚተ ነዚ ንድፈ ሕጊ ብዝርዝር፡ መግለጽን መብርህን ምስ ኣቕረበት፡ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ድማ ኣብ ሓፂር ጊዜ ከምዝቐርብ ብምግባራ ድኅሪ ምምስጋን ብቡራኬ ሂቡ ኣፋኒዋ።
ቅዱስ ሲኖዶስ ጉባኤኡ ብምቕጻል ንዝቐረበ ንድፊ ሕጊ ዓንቀጽ ብዓንቀጽ ድኅሪ ምዝታይ ብምሉእ ድምፂ ኣጽዲቕዎ።
ቀሪቡ ዘሎ ረቂቕ ሕጊ ብመሠረት ኣብ ቃለ ዓዋዲ 97 (ሕጊ ቤተ ክርስቲያን) ፍትሓ ነገሥትን ሰፊሩ ዘሎ ብዛዕባ ምርጫ ፓትርያርክ ዝምልከት ኮይኑ ብተወሳኺ ናይ ኣኃት ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ብምዝማድ ዝተዳለወ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።
ብዕለት 14 ኅዳር 2012 ዓ.ም. ን28 ብመዓርገ ዲቁና፡ ን8ተ ድማ ብመዓርገ ክህነት ኣብ ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ከረን ብዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክን ጳጳስ ሃገረ ስብከት ዓንሰባን ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ሥርዓተ ሢመት ተፈጺምሎም!
18 ኅዳር ዕለተ ዕረፍቱ ናይ ሓደ ካብ ዓሠርተው ክልተ ሓዋርያት ዝኾነ ቅዱስ ፊልጶስ እዩ። ‘ፊልጾስ’፦ ማለት መፍቀሬ አኃው ፈታው ኣኅዋት፣ ኣኃዜ ኲናት ረያጼ ኣፍራስ ማለት እዩ። ሓዋርያ ፊልጶስ፡ ብዓል ቤተ ሳይዳ እዩ። ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ገሊላ “ሰዓበኒ” ምስ በሎ ብኡ ንብኡ ንዅሉ ኃዲጉ ሰዓቦ። ‘እቲ ሙሴ ኣብ ኦሪት፡ ነቢያት’ውን ኣብ ትንቢቶም ብዛዕባኡ ዝጸሓፉሉ ጐይታ ኢየሱስ ረኺብናዮ . . . ነዓ ርአ’ ብምባል ንሓዋርያ ናትናኤል ናብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብጽሖ። (ዮሓ. 1፡43-46)
15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by the Church from ancient times, in preparation for the Nativity of Christ. This fast, is observed beginning on November 15th and ending on Christmas Eve, with the Feast of the Birth of Christ (Christmas). It is a time for devout and penitential preparation of the soul for the proper and worthy celebration of the great feast of Christmas.
Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from any kind of food for a limited time until the period of fasting is over. (Mt. 6:16, Fetha Negest 15). In general, one has to abstain from anything which the body desires.
The aim of fasting is to make the desire of the body to obey the will of the soul, to seek forgiveness of guilt and to increase the reward of the Soul.
ቅዱስ ሲኖዶስ ማለት ላዕለዋይ መንፈሳዊ ኣካል ናይ ቤተ ክርስቲያን ኮይኑ ፓትርያርክ፣ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ጳጳሳት (ኤጲስ ቆጶሳት) ዝገብርዎ ዓቢይ ጉባኤ እዩ። መራሒኡ ድማ መንፈስ ቅዱስ ኮይኑ ወራሲ መንበረ ሓዋርያት እዩ።
ዕላማ ቅዱስ ሲኖዶስ
ሀ. ናይ እግዚኣብሔር ወንጌለ መንግሥት ምስባኽን ትምህርቲ ወንጌል ምስፍሕፋሕን።
ለ. ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን እምነትን ሥርዓትን ንምሕላውን ኣገልግሎታ ዝተማልአ ምግባርን።
ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ብደም ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተመሥረተት፡ እትመኅደረሉ ሥርዓተ ምኅደራ እትውንን እያ። ነዚ ሥርዓተ ምኅደራ’ዚ ድማ ሥርዓተ ኣምልኾኣ ንምፍጻም፡ ሕይወተ ሥጋን ሕይወተ ነፍስን ንምምራሕ፡ መንፈሳዉን ንብረታውን ዓለም ብኣገባብ ንምጥቃም ካብ እግዚአብሔር ዝተዋህበቶ እዩ።
ብጽሒት ኣገልግሎት፡ መሳልል ሥልጣን፡ ሥርዓተ ኣገልግሎት ካብ ዓለመ መላእክት ዝጀመረ እዩ።
ቅዱሳን መላእክት ነቲ ኣገልግሎቶም፡ ዝነብርዎ ከተማን ነገዶምን ብእግዚኣብሔር ዝተወሰነ እዩ። መራሕን ተመራሕን ብዝገልጽ ሥርዓት በብነገዶም ኃለቓ ተሸይምዎም እዩ። እዚ ኸኣ ሥርዓተ ምኅደራ ብዝግባእ የረድእ።
እግዚአብሔር ኣምላኽ፡ ንቀዳማይ ሰብ ኣቦና ኣዳም ንፍጥረታት ዘመኃድረሉ ጥበብን ኣምልኾኡ ዝፍጽመሉን ሥርዓትን ብኣምላካዊ ፍቕሩ ኣስተምሂርዎ እዩ። ካብ ኣቦና ኣዳም ክሳብ ሊቀ ነቢያት ሙሴ ዝነበሩ አበው ካብ እግዚኣብሔር መምርሒ እናተቐበሉ ከም ካህን፡ ነቢይ፡ መስፍን ኮይኖም ንእግዚአብሔር ኣገልጊሎም፣ ንደቂ ሰባት’ውን ኣመኃዲሮም እዮም።
ብዘመነ ኦሪት ካብ ሊቀ ነቢያት ሙሴ ክሳዕ ካህን ሳሙኤል ዝነበሩ አበው፡ ክህነትን ምስፍናን ኣሕቢሮም ብምኃዝ ናይ ቤተ እግዚአብሔርን፣ ናይ ሃገርን ምምኅዳር ኃላፍነት ተሸኪሞም እዮም። ምምኅዳሮም ኸኣ ረድኤተ እግዚአብሔር ዘይተፈልዮ፡ መንፈሳዊ ብስለት ዝመልኦ፡ ናይ ሥራሕ ምክፍፋል፡ መሳልል ሥልጣን፡ ተሳትፎ ሕዝቢ ዝነበሮ እዩ። “ሙሴ ኸኣ ካብ ኵሉ እስራኤል ከኣልቲ ሰባት ኃርዩ፡ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ኃላቑ ኪዀኑ ኃላቑ ሽሕን ኃላቑ ሚእትን ኃላቑ ኃምሳን ኃላቑ ዓሰርተን ገበሮም።” ይብል። (ዘፀ. 18፡25)
ካብ ካህን ሳሙኤል ንደኃር ክሳብ ሕገ ወንጌል ዘሎ ብመሪሕነት እቶም ኣብ ዘዘመኑ ዝተንሥኡ ሊቃነ ካህናት ዝእለ ርክበ ካህናትን መንፈሳዊ ምኅደራ ቤተ እግዚአብሔር ይምእከል ከም ዝነበረ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን የረድኣና።
ኣብ ሓዲሽ ኪዳን’ውን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብትምህርትን ምሳሌን ግብርን ንመንፈሳዊ ምኅደራ ሠሪዑን ኣስተምሂሩን እዩ። ብቕዱሳን ሓዋርያት ከኣ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምምኅዳራዊ መዋቕር፡ ሕግን ሥርዓትን ኣብቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተቓንዐ ናይ መጀመርታ ጉባኤ ብሲኖዶስ ሓዋርያት ተወሲኑ እዩ። (ግብ. ሓዋ. 15፡6) ነቲ ሥርዓተ ምኅደራ ዘተግብሩ መንፈስ ቅዱስ ዝኃረዮም ብሕዝቢ ዝተመርጹ ኃለፍቲ ተሸሙ። (ግብ. ሓዋ. 8:1)
ስለዚ እዚ ዝተጠቕሰ ሥርዓተ ምኅደራ ንዝቕጽል ትውልዲ ናይ ሃይማኖታውን ሃገራውን ምኅደራ መሠረት እዩ። ሎሚ ቤተ ክርስቲያንና እትምርሓሉ ካብ ላዕሊ ክሳዕ ታሕቲ ዝተዘርግሐ መንፈሳዊ ምምኅዳር ካብዚ ዝጅምር እዩ። ኣብ ውሽጢ እዚ ምምኅዳራዊ ሥርዓት ከኣ ናይ ውሉደ ካህነት፡ ምእመናንን ምእመናትን ኵሉ ነናቱ ብጽሒት ኣለዎ።
ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ሥርዓተ ምኅደራ ድማ ብብርሃን ትምህርተ ወንጌል ንጸልማት ዓለም ምርሓቕ፡ ብምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ጸጋ እግዚአብሔር ንምዕዳልን ኣብ መንፈሳውን ማኅበራውን ጉዳያት ንዅሉ ወዲ ሰብ ንምሕባርን እዩ።
ነዚ ንምፍጻም ዘኽእል ፍልጠትን ጥበብን ንምውናን ከኣ ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ፡ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣማላድነት፡ ናይ ቅዱሳን በረኸት ኣይፈለየና።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!
ክብረ በዓል ‘ቅዱስ ሚካኤል’ ሎሚ ዓመት 2012 ዓ.ም. ብሓፈሻ ኣብ ኵለን ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያን፡ ብፍላይ ኣብተን ብስም ቅዱስ ሚካኤል ዝጽውዓ ብኽብሪ ተባዒሉ።
ብፍሉይ ዝጥቀስ ድማ ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ፡ ደብረ ሣህል ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን (ጸጸራት)፡ ካብ ዋዜማ ጀሚሮም ክሳዕ ረፋድ 12 ኅዳር መኀትወ ቤተ ክርስቲያን ዝኾኑ ሊቃውንት መምህራንን መዘምራንን ውሉድ ክህነት፡ ተራዳእነት መላእክት እናተማኅፀኑ ኵሉ ስብሐተ እግዚአብሔርን ንቅዱስ ሚካኤል ዝጠቅስ ቅኔያትን ማኅሌትን ንባባት ቅዱሳት መጻሕፍትን ኣብጺሖም።