ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ብሓድነቱን ሠለስትነቱን ወትሩ ምስጉን ዝኾነ፡ ንመንግሥቱ’ውን ፍጻመ ዘይብሉ እግዚአብሔር ህልውናኡን ረቂቕነቱ ከሃሊነቱን ክፍለጥ፡ ብፍሉይ ድማ ዘለዓለማዊ ንዝኾነ መንግሥቱን ክብሩን ወረስቲ ዝኾኑ ሰብን መላእኽትን ፈጠረ። (ግብ. ሓዋ. 14፡17፤ሮሜ 1፡20)
መላእኽት ማለት ድማ ልኡኻት፡ ተለኣኣኽቲ፡ ኣገልገልቲ ማለት እዩ።
ካልኦት ፍጥረታት ንአንክሮ ንተዘክሮ ንመግበ ነፍስን ሥጋን ክፍጠሩ ከለው ቅዱሳን መላእክት ግና ምስጋና መግቦኦምን መስተኦምን ኮይኑ ብዘይ ምቍራጽ ንእኡ ከመስግኑ ፈጠሮም።(ኢሳ 6፡8) እዚ ዓቢ ናይ ምስጋና ጸጋ’ዚ ንደቂ ሰባት’ውን ዝተዋህበ እዩ። ቍጽሪ ቅዱሳን መላእክት እልፍ አእላፋት ወትእልፊተ አእላፋት (ናይ ብዙኅ ብዙኅ) እዮም።
ቅዱሳን መላእክት ብሓደ መዓልቲ ዕለተ እሑድ ዝተፈጥሩ እዮም። በብእዋን ዝፈርዩን ዝበዝኁን ኣይኮኑን። ብተፈጥሮኦም ረቀቕቲ፡ ነባብያን(ዝዛረቡ)፡ ለባውያን (ፈላጣት፡መስተውዓልቲ)፡ ሕያዋን፡ ኃያላን፡ ንተልእኮ ቅልጡፋት፡ ድካም ዘይብሎም፡ ሕማም ኮነ ሞት ዘይሰማምዖም እዮም። ከም ሥጋ ለበስ ፍጡራት ኣይበልዑ ኣይሰትዩ፡ ዘየእትው ዘይተኣታተው ፆታ ዘይብሎም እዮም። በዚ ድማ ካብቶም ለበስቲ ሥጋ ዝኾኑ ካልኦት ፍጡራን ብዝተፈልየ ንጹሓንን ቅዱሳንን እዮም። (ማቴ 22፡30፣ ሉቃ 24፡ 39)
ቅዱሳን መላእኽት ንኣገልግሎት ቅልጡፋት፡ ካብ እግዚአብሔር ምሕረት በረኸት ይቕሬታ ናብ ሰባት ዘውርዱ፡ ናይ ደቂ ሰባት ድማ ምስጋና ጸሎት ልማኖ ምጽዋት ናብ እግዚአብሔር ዘብጽሑ ኣገልገልቲ እግዚአብሔር እዮም። ከም ብዝኆም ኣገልግሎቶም ኣዝዩ ብዙኅ እዩ።
ንምሳሌ፦
• ንደቂ ሰባት ዝሕልው እዮም። (መዝ 34፡7፣ መዝ 91፡11፣ ማቴ 18፡10)
• ንቅዱሳን ካብ መከራ ዘድኅኑ እዮም። (ዘፍ. 48፡16፣ ዳን. 3፡25)
• ንቅዱሳን ዘጸናንዑ እዮም። (ግብ. ሓዋ. 1፡10 )
• ጸሎት ቅዱሳን ናብ ልዑል እግዚአብሔር ዘዕርጉ እዮም።(ጦቢት 12፡15፣ ራእ. ዮሓ. 8፡3)
• ካብ ኵሉ ክፉእ ዘድኅኑ እዮም። (ዘፍ. 48፡16)
• ናብ እግዚአብሔር ዘማልዱ እዮም። (ዘካ. 1፡12)
ሕዝበ ክርስቲያን ክብሪ ንዝግብኦ ክብሪ ክንህብ ቃለ እግዚአብሔር ብዝእዝዘና መሠረት በቲ ካብ እግዚአብሔር ዝተዋህቦም ናይ ኣማላድነትን ተራዳእነትን ጸጋ፣ ንቅዱሳን መላእክት ናይ ጸጋ ናይ ክብሪ ስግደት ክንሰግደሎም ከምዝግብኣና ቅዱሳት መጻሕፍቲ የረዱኡና።
ንኣብነት፦
• ዘፍ. 19፡1 - ጻድቕ ኣቦና ሎጥ ነቶም ክልተ ቅዱሳን መላእክት ከም ዝሰገደ
• ዘኁ. 22፡31 - በለዓም ንመልኣከ እግዚአብሔር ከምዝሰገደ
• ኢያ. 5፡14 - ኣቦና ኢያሱ ነቲ መልኣኽ እግዚአብሔር ከምዝሰገደ
• 1ይ ዜና 21፡16 - ኣቦና ቅዱስ ዳዊት ከምዝሰገደ
• ራእ. ዮሐ. 19፡10 - ቅዱስ ዮሓንስ ነቲ መልኣኽ ከምዝሰገደ
ተራዳእነትን ሓለዋን ቅዱሳን መላእኽት ኣይፈለየና!
ስብሐት ለእግዚኣብሔር፡ወለወላዲቱ ድንግል፡ወለመስቀሉ ክቡር፡ ኣሜን።
6 ኅዳር ክብረ በዓል ቁስቋም ኣብተን ብስም ቁስቋም ቤተ ክርስቲያን ኣሕኒፀን ታቦት ዘቕረጻ ክብረ በዓለን ብዓቢይ መንፈሳዊ ክብሪ ክበዓል ከሎ፡ ብፍላይ ድማ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ዓዲ ወኪድባ፡ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዱባርዋ ዓዲ ሎጎ ማዕዶ መረብ፡ ከምኡ ውን ኣብታ ጥንታዊት ገዳም ኣረጊት ድባርዋ ብፁዓን ኣቦታት ብፁዕ አቡነ ዮሐንስን ብፁዕ አቡነ ባስልዮስን ኣብ ዝተረኽብሉ ድምቀት ተባዒሉ!
ብብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስን ጳጳስ ሀገረ ስብከት መንደፈራን ከምኡ’ውን ብብፁዕ አቡነ ዮሐንስ ሊቀ ጳጳስ ሀገረ ስብከት ድባርዋን ጋሽ ባርካን፡ ብተወሳኺ ድማ ምክትል ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ሊቀ ካህናት ቀሲስ ሣሙኤል ጸጋይ ዝተመርሐ ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ካብ ዕለት 30 ጥቅምት ክሳዕ 12 ኅዳር 2019 ዓ.ም. ከካይዶ ዝቐነየ ሓዋርያዊ ዑደት ፈጺሙ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።
ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፦ ነቲ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ ናብ ደብረ ቁስቋም ዝኣተወትሉ ሽድሽተ ኅዳር በዓለ ቁስቋም ብድምቀት ተብዕሎ።
በዓለ ቁስቋም ሓደ ካብ 33 በዓላተ ቅድስት ድንግል ማርያም እዩ፡ ‘አመ ፮ ለኅዳር በዓታ ውስተ ደብረ ቁስቋም’ ከምዝብል። (መቅድመ ተአምረ ማርያም) ቅድስት ድንግል ማርያም ነቲ ናይ ሠለስተ ዓመትን መንፈቕን ስደታ ወዲኣ፡ ንመስፍን ሰላም ኣቦ ዘለዓለም ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ኂዛ ናብ እስራኤል ኣብ ዘቕንዓትሉ ጊዜ ደብረ ቁስቋም ኣትያ ብሓጐስ ዘዕረፈት ብሽድሽተ ኅዳር ስለዝኾነ ነዚ ንምዝካር በዓለ ቁስቋም ይበሃል።
ሕዝበ ክርስቲያን ነዚ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ ናብ ደብረ ቁስቋም ዝኣተወትሉ እናዘከሩ “ተመየጢ ተመየጢ ሃሌ ሉያ፤ ሰላመ ሰጣዊት ወንርአይ ብኪ ሰላመ/ ሃሌ ሉያ! ኣንቲ ወሃቢት ሰላም ብኣኺ ሰላም ምእንቲ ኽንረክብሲ ተመለሲ” እናበሉ ብፍቕሪ የብዕልዎ ።
ኣርእስቲ | ድምፂ ንምውራድ ኣብ የማናይ ወገን ዘሎ ምልክት ሕቶ ጠውቁ | |
መቅድም ውዳሴ ማርያም | ||
ስብከት፣ ኅዳር ጽዮን | ||
ታሪኽ ኣቡነ ተኽለሃይማኖት |
ሬድዮ ልሳን ተዋሕዶ ዘኦርቶዶክስ
===============================================================
ዜና ወርኀ ነሓሰ 2012 ዓ.ም. ሣልሳይ ክፋል | |
ዜና ወርኀ ነሓሰ 2012 ዓ.ም. ካልኣይ ክፋል | |
ዜና ወርኀ ሓምሌ 2012 ዓ.ም. ካልኣይ ክፋል | |
ዜና ወርኀ የካቲት 2012 ዓ.ም. ቀዳማይ ሰሙን | |
ዜና ወርኀ የካቲት 2012 ዓ.ም. ካልኣይ ሰሙን | |
ልሳን ተዋሕዶ ዜና ወርኂ ጥሪ 4ይ ሰሙን 2012 ዓ.ም.ግ | |
ልሳን ተዋሕዶ ዜና ወርኂ ጥሪ 3ይ ክፋል 2012 ዓ.ም.ግ | |
ልሳን ተዋሕዶ ዜና ወርኂ ጥሪ 2ይ ክፋል 2012 ዓ.ም.ግ | |
ልሳን ተዋሕዶ ዜና ወርኂ ጥሪ 1ይ ክፋል 2012 ዓ.ም.ግ | |
ልሳን ተዋሕዶ ዜና ወርኂ ታኅሣሥ 3ይ ክፋል 2012 ዓ.ም.ግ | |
ልሳን ተዋሕዶ ዜና ወርኂ ኅዳር 4ይ ክፋል 2012 ዓ.ም.ግ | |
ልሳን ተዋሕዶ ዜና ወርኂ ኅዳር 3ይ ክፋል 2012 ዓ.ም.ግ | |
ልሳን ተዋሕዶ ዜና ወርኀ ኅዳር 2ይ ክፋል 2012 ዓ.ም.ግ | |
ልሳን ተዋሕዶ ዜና ወርኀ ኅዳር 1ይ ክፋል 2012 ዓ.ም.ግ | |
ልሳን ተዋሕዶ ዜና ወርኀ ጥቅምት 2012 ዓ.ም.ግ. (4ይ ክፋል) | |
ልሳን ተዋሕዶ ዜና ወርኂ ጥቅምት |
ቤት ትምህርቲ ፍኖተ ብርሃን ኣብ 8300 ትርብዒት ሜተር ኣብ ፈሮቭያ ኣሥመራ ተደኲኑ ዝርከብ ንብዙኃት ሊቃውንቲ ሃገር ዘፍረየ ስሙይ መንፈሳዊ ቤት ትምህርቲ እዩ። እዚ ቤት ትምህርቲ ናይ መመስከሪ ቤት ትምህርቲ፡ ናይ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን መፍረዪ ብምዃኑ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብሓፈሻ ንዘሎ ሕጽረት መምህራን ሊቃውንቲ ንምቅላልን መናብርቲ ንምስፋሕን ብፍሉይ ጠሚቱ ዝሠርሕ ዘሎ ትምህርታዊ ትካል እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ብ6ተ መምህራንን 9ተ ተሓጋገዝቲ ሠራሕተኛታትን ተደጊፉ፡ ንኣስታት 60 ተመሃሮ ኣብ 6 ዓውድታት ትምህርቲ (ትርጓሜ መጻሕፍት ፡ ድጓ፡ መዝገበ ቅዳሴ፡ ቅኔ፡ ዝማሬ ወመዋሥዕት፡ ኣቋቋም) ካብ 3-5 ዓመታት ኣብ ዝወስድ ዘመነ ትምህርት የምህር ኣሎ።
ገዳም ፃዕዳ እምባ ቅድስት ሥላሴ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ካብ ከረን 25 ኪሎ ሜተር ንሸነኽ ደቡባዊ ምዕራብ ኣብ ኣስታት 2500 ሜትሮ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ተደኲኑ ዝርከብ ብ1669 ዓ.ም. ዝተገደመ ገዳም እዩ።
ንግደት ናይ ገዳም ፃዕዳ እምባ ሥላሴ ዓመት መጽአ በዓል ሥላሴ ኣብ ዝበዓለሉ 7 ሓምለን፣ ዕረፍቲ ኣቡነ ሰይፈ ሚካኤል ዝኾነሉ 19 ጥቅምትን እዩ ። ናይዚ ክብረ በዓል በረኸት ተሳተፍቲ ንምዃን ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ሃገርና ይነግዱ። ብፍላይ ኣብቲ ኸባቢ ዝርከቡ ሕዝበ ክርስቲያን ብብዝኂ ናብቲ ገዳም ብምምጻእ ነቲ በዓል የድምቕዎ።