መግለጺ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ጉዳይ መበል 3ይ ፓትርያርክ ነበር አቡነ እንጦንዮስ፦
መርሐ ግብሪ ሥነ ሥርዓት ቀብሪ ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ሰላማ 14/11/2011ዓ.ም.ግ. (20/08/2019ፈ.)
ቅዱስ ሲኖዶስ ከም መቐጸልታ ናይቲ ዝቐደመ መግለጺ (ቍ.፩)፡ ሎሚ ዕለት 14 ሰኔ 2011 ዓ.ም.ግ. (21/06/2019 ፈ.) ድማ ብዛዕባ ምትእትታው መናፍቓዊ ተሓድሶ ካብ ዝወሃብ ኣርባዕተ ተኸታተልቲ ምዕራፋት ዘለዎ መግለጺ ነቲ ቀዳማይ ክፋሉ (ቍ.፪ - ሀ) ዘርጊሑ።
ምሉእ ትኅዝቶኡ ከኣ ስዒቡ ይቐርብ፦
ቅዱስ ሲኖዶስ መግለጺ ኣውጺኡ!
ቅዱስ ሲኖዶስ ብወከልቱ ብጹኣን ጳጳሳት ኣቢሉ ብዕለት ፪ ግንቦት ፳፻ወ፲፩ ዓ.ም. (10/05/2019) ኣብ ዝገበሮ ጉባኤኡ ህልዊ ኩነታት ቤተ ክርስቲያን ኣመልኪቱ መግለጺ ኣውጺኡ።
ንኵሎም ስዩማን ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ንብርሃነ ትንሣኤ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እንቋዕ ኣብጸሓና ኣብጸሓኩም ድሕሪ ምባል፣ ብኣጽራረ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ልዕሊ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ንዘተኰረ ሕሱር ጸለመ ኣመልኪቱ መብርሂ ሂቡ።
ቤት ጽሕፈት ነጋድያን ኢየሩሳሌም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብዛዕባ ንግደት ኢየሩሳሌም ኣብ በዓለ ፋሲካ 2012 ዓ.ም.ግ. (2020 ዓ.ም.) ዝምልከት ሓበሬታ ሂቡ።
* ዕለተ ምዝገባ፦ 8 - 15 ጥር 2012 ዓ.ም. (ካብ ዕለት 18 ጥር ክሳብ ዕለት 23 ጥር 2019 ዓ.ም.ፈረንጂ)
* ኣመጻጽኣ መስቀል
መስቀል ማለት ‘ሰቀለ’ ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሢ ዝተረኽበ ኮይኑ ትርጕሙ ድማ ዝተመሳቀለ መስቀለኛ ማለት እዩ። ኣይሁዳውያን ‘ርጉም ውጉዝ ገበነኛ እዩ’ ንዝበልዎ ሰብ ብሰይፊ (ዘፀ. 21፥14)፣ ብእሳት (ዘሌ. 20፥14) ፣ ብውግረተ እብን (ዘሌ. 20፥27)፡ ኣብ መስቀል ብምስቃል . . . ይቐጽዕዎ ነበሩ። /ዘዳ. 21፥22)
ንንጹሐ ባህርይ ሓንቲ በደል ዘይተረኽቦ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንምቕታል ዝተጠቕምሉ መንገዲ ድማ ስቕለት ነበረ። መከራ ኣጽጊቦም፡ ኣእዳውን ኣእጋሩን ሸንኪሮም፣ ኣብ መስቀል ሰቐልዎ። ጎድኑ ብኵናት ወግእዎ። ገበነኛ እዩ ንኽብሉ ‘‘ኢየሱስ ናዝራዊ ንጉሠ አይሁድ’’ ዝብል ጽሑፍ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ጸሓፉ። ብፍቓዱ’ውን ሞተ።
ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ፡ ብምኽንያት ዘጋጠመ ሓደጋ መኪና ንሕዝበ ክርስቲያን ዘመኃላለፎ ‘ናይ ጽንዓት ይሃብኩም’ መልእኽቲ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፥
“ኦ መስተምሕርት አስተምሕሪ ኀበ ወልድኪ ከመ ያዕርፍ ነፍሰ ኵሎሙ ሕዝበ ክርስቲያን እለ አዕረፉ እማኅበረ ቤተ ክርስቲያን መቅድመ/ ኦ ኣማላዲት ነፍሲ ዅሎም እቶም ኣቐዲሞም ካብ ማኅበር ቤተ ክርስቲያን ዝሞቱ ሕዝበ ክርስቲያን ምእንቲ ከዕርፍ ናብ ወድኺ ኣማልዲ!
ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ብመንገዲ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ እንቋዕ ናብ በዓለ ትንሣኤ 2010 ዓ.ም. ኣብጽሓና ብምባል ቃለ ቡራኬኡ ሂቡ። ኣብ መልእኽቱ፥ ንዅልኹም ኣብ ቀረባ ውሽጢ ሃገርን፡ ኣብ ርሑቕ ወፃኢ ሃገራትን ዘለኹም፡ ኣብ ምክልኻል ሃገር ዘለኹም፡ ኣብ ሆስፒታልን ማየ ጸሎትን ቤተ ማእሰርትን ዘለኹም ብሓፈሻ ንኵልኹም ሕዝበ እግዚአብሔር እንቛዕ ናብ ብርሃነ ትንሣኤ 2010 ዓ.ም. (2018 ዓ.ም.ፈ) ኣብጽሓኩምን ኣብጽሓናን ብምባል በዓል ሓጐስን ፍስሓን ክገብረልና ሠናይ ትምኒቱ ገሊጹ።
ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ወንጌለ መንግሥትን ድኅነተ ዓለምን ክሰብኩ ዝመረጸ ንቕዱሳን ሓዋርያት እዩ። ቅዱሳን ሓዋርያት ድማ ኣብቲ ጐይታ ዝወዓሎ እናወዓሉ፣ ኣብ ዝኃደሮ እናኃደሩ ማዕደ ሕይወት ቃሉ ሠለስተ ዓመትን መንፈቕን ተመገቡ። ጐይታ ኸኣ ኣብ ርእሲ ልቦና፡ ምሳሌ፣ ኣብ ርእሲ ምሳሌ ድማ ትርጓሜ እናነገሮም ብቝዓት ዝገብሮም ትምህርትን ምሥጢርን ገለጸሎም። (ማቴ 5፡13-16፣ ማቴ 13፡11፣ ሉቃ 22፡39)