ትንሣኤ ሕሊና

ኣብ ሥጋይ ዝተገብረ ናይ ኃጢኣት ወፍሪ፡
ብሕማም ማሲኑ፡ ከየንውኀ ዕምሪ።
ነፍሰይ እንተኾነት ኣይ ብኢዳ ብእግራ፡
ሥጋ ዝተዓድዮ ንሳ ተኣሲራ።

ካብታ ሃገር ዝመለሰኒ ዘመን ኵነንየይ ወዲኡ ናብቲ ሠናይ ምጽንንዑ ዝመለሰኒ እቲ ብተግባር ኣእዳዉ ዝፈጠረኒ ርኅሩኅ ኣምላኸይ ወትሩ ይኽበር ይመስገን ሎምን ኵሉ ሳዕን።

ኣነ ብተግባር ኣእዳው እግዚአብሔር ዝተፈጠርኩ ጐይታይን ንጉሠይን ንሱ ዝኾነ ብድኅሪ ምፍጣሩ ውን ከንቲባ ናይታ ልምዕቲ ኸተማ ጌሩ ዝሸመኒ ሰብእየ፡ ከተማይ ኣዝያ ባህ እተብል ንምጥማታ እተብህግ ንምንባራ ኣዝያ ምሽእቲ እያ። መልክዕ ናይ ከተማይ ምድራ ልሙዕ ሰቲ፣ ኣግራባ ምቁር ፍረ ዚህቡ፣ ኣየራ ካብ ድኻም ሕይወት ዘበራብር፡ ኣዝዩ ምዑዝ፣ ንፋሳ ህዱእን ልኡምን ተናፋቕን ወኃይዛ ነታ ከተማ ግርማ ዚህቡ ኣብ ርእሲ ምዃኖም ካብ ምብራቕ ንምዕራብ ኪውኅዙ ኸለዉ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ሰትን ንብዘሎ ኣግራብን የስትዩ ካብ ምዕራብ ንምብራቕ ዚውኅዙ እወ ነቲ ኣብኡ ዘሎ የስትዩ። ካብ ደቡብ ናብ ሰሜን ካብ ሰሜን፡ ናብ ደቡብ እና ወኃዙ ንብዘሎ ናይታ ኸተማ ኣትክልትን ሳዕርን ሕይወት ይህቡ። ንኣይ ውን ካብ ጽምኢ የርውዩንን ብመልክዕ ሥራሖም እሕጐስን፡ ካብ ብዘሎ ርስሓት ብእኦም እነጽሕን።

* ድኽመትኪ ዘክሪ!። በዚ ድማ ጥንቁቕን ናይ ትዕቢት ሓሳብ ኮነ ውዳሴ ኸንቱ ዘየጥቅዓኪ ክትኮኒ ኢኺ፣

* ፍቕራዊ ርኅራኄ ጐይታ ዝገበረልኪ ዘክሪ!፣ በዚ ኸኣ “ተመስገን” ዝብል ናይ ምስጋና ሕይወት ክትመርሒ ኢኺ፣ እምነት ኣብ ልብኺ ከምኡውን እምንቶ ኣብ ናይ ጐይታ ፍቕርን ሥራሕን (ግብርን) ከተዕብዪ ኢኺ፣

* ዝኃለፈ ጊዜ ሰባት ፍቕሮም ዝለገሱልኪ ሠናይ ተግባራት ዝፈጸሙልኪ ዘክሪ!። እዚ ኸኣ እቶም ሰባት ዋላ ሕማቕ እንተገበሩኺ፣ እታ ናይ ቀደም ፍቕርን ሠናይ ተግባርን ምስኦም መተዓረቒትን ካብ ሕርቃን መዝሓሊትን ክትኮነኪ እያ፣

ሕዝበ ክርስቲያን እዚ ቅንያት’ዚ ንስደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ፡ ቅዱስ ዮሴፍን ቅድስት ሰሎሜን ካብ እስራኤል ናብ ግብጺ ንዝክረሉ ወርኃት እዩ። ምረት ናይቲ ስደት ዝገልጽ ኣብ ዝተፈላለዩ መጻሕፍቲ ተጻሒፉ ኣሎ። ንምሳሌ፦ ኣብ ማኅሌተ ጽጌ፡ ሰቆቃወ ድንግል፡ ተአምረ ማርያም፡ ነገረ ማርያም ብራና፡ ትርጓሜ ቅዳሴ ማርያም . . . ።
ካብዚ ቐጺልና ምረት ናይቲ ስደት ብፍላይ ናብ ደብረ ቍስቋም ዚገልጽ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ነገረ ማርያምን ተአምረ ማርያምን ንሊቀ ጳጳሳት ኣባ ቴዎፍሎስ ዝተገልጸሉ መበገሲ ብምግባር ምስቲ ኣብ ትርጓሜ ቅዳሴ ማርያም ዘሎ ጽሑፍ ኣዋሒድና ክንርኢ ኢና። ኣባ ቴዎፍሎስ ነቲ ዝተገልጸሉ ኪዛረብ ከሎ ከም’ዚ ዝስዕብ ይብል፦

“አባ ቴዎፍሎስ ሊቀ ጳጳሳት ዝብለኩም ስምዑኒ ኵልኹም ኣቦታተይ ኣኅዋተይን ደቀይን ናብ ቃላተይ ጽን ኢልኩም ኣቕልቡ።”

ኣቲና ዶ ቓል ኪዳን፧

ሓድሽ ዘመን መጺኡ
ሓድሽ ዘመን ኣትዩ
ትማሊ ኃሊፉ
ሎሚ ምሳና ተሪፉ።

ቀንዲ ቐንዲ ጐደናታት ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ተረአን በጺሑ፡ ንሓደ ፍጹም ሰብ ዝኾነ ኣምላኽ ብዝስዕብ ዋሕዚ ሕዝቢ ካብ ጻዕቂ ብዝተላዕለ ድፍእፍእን ጽቕጥቅጥን ተናዊጸን ይርከባ። እወ! ዜና ግብረ ምድኃን ዝሰምዑ ሕሙማን ፡ ቃለ እግዚኣብሔር ዝጸምኡ ናይ መንፈስ ድኻታት፡ ተኣምራት ንምርኣይ ብዝመጽኡን፡ ንኽስን ንወቐሳን ዚህወኹ ፈሪሳውያንን ደድኅሪ’ቲ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ ንዓለም ዝተገልጸ ብርሃን መድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ይስዕቡ ነበሩ።

ሓንቲ ካብ’ቲ ዝዳፋእ ዝነበረ ሕዝቢ ኣብ ሲሮፊንቂያ ዝተወልደት፡ ካብ ወገን ኣሕዛብ ዝኾነት ጽርኣዊት ሰበይቲ እያ ነይራ። ዜና ናይ’ዚ ገባሬ መንክራት ጐይታ ሰሚዓ ድማ፡ ሽግራ ንኸወግደላ ምስ’ቲ ብዙኅ ሕዝቢ እናተዳፍአት፡ ኣብ ልባ ክልተ ሓሳባት ተበራሪ ነበረት።

ብሰባት ‘እቲ ለባም’ ዝበሃል ከም ዝነበርኩ ባዕለይ እንተመስከርኩ ካብ ሓቂ ዝረሓቕኩ ኣይመስለንን። ንዝተፈላለዩ ኣርእስታት ከም ወሳኒ ዳኛ ተሓሲበ ሰባት ናባይ ክመላለሱን እቲ ኣነ ዝህቦ ፍርዲ’ውን ከም ሓቂ ተወሲዱ ጕዳያት ክዕጸዉን ክትዓት ከቋርጹን እንክዝክር፣ ንድኅሪት ተመሊሰ ነቲ ናይ ሽዑ፡ ኣነ ድየ ብሓቂ ለባም ኮይነ ወላስ ንሶም እዮም ተጋግዮም፧ እናበልኩ ንርእሰይ ደጋጊመ ሓቲተያ ኣሎኹ። እቲ ዘኹርዕ ዝመስል ብኣዕሩኽተይ ዝተዋህበኒ ሽመት ንነዊኅ ዓመታት ኣፍ ልበይ ነፊሐ፡ ርእሰይ ኣቕኒዐ ክኸይድ ጌሩኒ እዩ።

ጕዕዞ ሕይወተይ ከምዚ ኢሉ እናቐጸለ ግና ሃንደበት እቲ ርኅሩኅ ኣምላኽ ብጻውዒት ሕይወት፡ ሕሊናይ ኣነቓቒሑ ናብ ቤቱ ጸውዓኒ። ኣእምሮይ ብምረት ሲኦል እናኣቕለውለወ ናብቲ ድኅሪ ጥምቀተይ ሓንሳብ ሓንሳብ ውን ምብህራርን ሃተፍተፍን ኣብ ዘብዝኃሉ እዋን እንተዘይኮይኑ ከይደዮ ዘይፈልጥ ቤት ኣቦይ ቤተ ክርስቲያን ምምልላስ አሐዱ ኢለ ጀሚረዮ።

ዓይነታት ቅኔ ዝተፈላለዩ ነናቶም ስምን ትርጕምን ሓተታን ዘለዎም እዮም። ንሳቶም ኸኣ፦

1. ጉባኤ ቃና   2. ዘአምላኪየ   3. ሚ በዝኁ   4. ዋዜማ   5. ሥላሴ   6. ዘይእዜ   7. መወድስ   8. ክብር ይእቲ   9. ዕጣነ ሞገር

1. ጉባኤ ቃና
‘ጉባኤ ቃና’ ዝተባህለሉ ምኽንያት ኣብ ዕለተ 12 ጥር ቃና ዘገሊላ፡ መምህርን ንጉሥን ስለ ዝደረስዎ እዩ። ቅኔ ጉባኤ ቃና፡ ክልተ ቤት ዚኃዘ እዩ። ኽልተ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ናይ ትስብእትን መለኮትን ምሳሌ እዩ። እዚ ቅኔ’ዚ ንተማሃሮ ቅኔ ብቐሊሉ ኺገጥሙ ስለዝሕግዝ ከም መጀመሪ መበገሲ መኽፈቲ ኣፍ ቅኔ እዩ።

 

ቅዱስ ያሬድ ዝደረሶም ስልተ ዜማ ፦ ድጓ፡ ድጓዐ ጾም፡ ምዕራፍ፡ ዝማሬን መዋሥዕትን እዮም።

• ድጓዓ ፦ ረቂቕ ማለት’ዩ። እዚ’ውን ካብ ረቂቕነት ጽሕፈቱን ብዝኂ ምልክታቱን ዝወፅአሉ ስያሜ ኾይኑ ናይ ምሉእ ዓመት መዝሙራት ተዋፂኦም ዝርከቡሉ መንፈሳዊ ትምህርቲ እዩ። እዚ ናይ ዜማ ትምህርቲ’ዚ ብግእዝ፡ ብእዝል፡ ብዓራራይን ዝግለጽ ድርሰት እዩ።

መዝሙር

Jan 27, 2016

* ትርጕም መዝሙር፥
ካብ “ዘመረ” ዝብል ግእዛዊ ግሢ ዝተረኽበ ባዕድ ዘርኢ ኾይኑ ‘ምስጋና’ ማለት እዩ።
1. መዝሙር፥ ስልቲ ብዘለዎ ልቢ ብዝመስጥ ቃና ተቐናባቢሩ ካብ ጐሮሮ ብዝወፅእ ድምፂ ይዝመር።
2. መዝሙር፥ ምስጋናን ልማኖን ጠሚሩ ዝኃዘ ዓቢይ ክፋል ጸሎት እዩ።
3. መዝሙር፥ ዝተቓነየ ወይ’ውን ብዜማ ዝተሰነየ ቃላት ድምፂ እዩ።
4. መዝሙር፥ ብመሠረት ሥርዓት ዝማሬ ቤተ ክርስቲያን፡ ብዜማ ዝቐርብ ምስጋና እዩ።

No events found.
Ad Right

  

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ተሳትፎን ተገዳስነትን ወራዙት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መንፈሳዊ ኮሌጅ ሥነ-መለኮት ደብረ…

ኣብ መንፈሳዊ ኮሌጅ ሥነ-መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ብናይ ምሸት መርሐ ግብር ትምህርቲ ዝከታተላ ዘለዎ ደቂ ኣንስትዮ ተሳትፍኦንን ተገዳስነትን ልዑል...

“ሰማዕት ቅዱስ ፒሉፓዴር መርቆሬዎስ”

ፒሉፓዴር ማለት ፈታዊ ኣቦ ማለት እዩ፡ ብኻልኣይ ትርጕሙ ከኣ ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ከምኡ’ውን መርቆሬዎስ ማለት እዩ። ስመ ክርስትና ናይ ኣቦኡ...

ዕሥራን ኣርባዕተን ካህናተ ሰማይ

ብርግጽ ኣብ ዙርያ ዝፋን ጐይታ ዚቖሙን ዘመስግኑን ክቝጸሩ ዘይከኣሉ ኣእላፈ ኣእላፋት ሠራዊተ መላእክት ከምዘለዉ በዓል ራእይ ነቢይ ዳንኤል(ዳን. 7፡10) ደኣ...

ዕሥራን ኣርባዕተን ካህናተ ሰማይ

ብርግጽ ኣብ ዙርያ ዝፋን ጐይታ ዚቖሙን ዘመስግኑን ክቝጸሩ ዘይከኣሉ ኣእላፈ ኣእላፋት ሠራዊተ መላእክት ከምዘለዉ በዓል ራእይ ነቢይ ዳንኤል(ዳን. 7፡10) ደኣ...

ክብረ በዓል ቅድስት ድንግል ማርያም ብድሙቕ መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓት ተኸቢሩ

ዓመታዊ 21 ኅዳር ዝኽበር ክብረ በዓል ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ኵለን ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ታቦት ኣቕሪጸን ቤተ ክርስቲያን ዝሓነጻ...

ኣይትጨነቑ! ማቴ. 6፡25

በቲ ጸቕጢ ጽልግልግታ ሰርቢ፡ውኖይ ምስ ሓከለ ሃዲሙ ካብ ቀልቢ

ምሥጢር ፊደላትና ይተዓቀብ!

ኣብ ልሳነ ግእዝን ትግርኛን፡ ነፍስ ወከፍ ፊደል ናቱ ትርጕምን መግለጽን ኣለዎ። ብኣደማምፃኦም ሓደ ዓይነት ዝኾኑ፣ እንተኾነ ግና ብመልክዕን ቅርጽን ከምኡ’ውን...

ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ኃላፍቲ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓባይ ብሪጣንያ ርክብ…

ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ ከም መቀጸልታ ናይቲ ኣቀዲሙ ምስ ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ሃገረ ስብከታትን ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ከካይዶ ዝጸንሐ ጉባኤ፡...

ቅዱስ ሐዋርያ ፊልጶስ አሐዱ እምዓሠርቱ ወክልኤቱ ሐዋርያት 

18 ኅዳር ዕለተ ዕረፍቱ ናይ ሓደ ካብ ዓሠርተው ክልተ ሓዋርያት ዝኾነ ቅዱስ ፊልጶስ እዩ። ‘ፊልጾስ’፦ ማለት መፍቀሬ አኃው ፈታው ኣኅዋት፣ ኣኃዜ ኲናት...

ዘመነ አስተምህሮ

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለት፡ ብፍላይ ከኣ ዕለተ ሰንበት እሑድ ዝዝመር፡ ዝስበኽ፡ ዝንበብን ዝቕደስን ብሓፈሻ ዝበጽሕ ስብሐታትን ዝንበብ ቃለ እግዚአብሔርን ምሥጢር...

ጾመ ነቢያት፡ ካብ ሠሉስ 15 ኅዳር ጀሚሩ፡ በዓለ ልደት ድማ…

ቅድሚ በዓለ ልደት ኣብ ዘሎ ጊዜያት፡ “ወጥንተ ዚአሁ መንፈቀ ኅዳር/ መጀመርታኡ ፍርቂ ወርኀ ኅዳር” ከምዝብል ካብ 15 ኅዳር ጀሚሩ ክሳዕ...

ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ተኸቢሩ ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተባዒሉ!

ዓመት መጽአ 12 ኅዳር እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጻውያን ብመሪሕነት ሊቀ መላእት ቅዱስ ሚካኤልን ናጽነት ዝወጽእሉ ብምዝካር ዝኽበር ክብረ በዓል ቅዱስ...

  

latest articles

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...