ኣብ መንፈሳዊ ኮሌጅ ሥነ-መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ብናይ ምሸት መርሐ ግብር ትምህርቲ ዝከታተላ ዘለዎ ደቂ ኣንስትዮ ተሳትፍኦንን ተገዳስነትን ልዑል ከም ዘሎ ሓላፊ ጉዳያት ተምሃሮ ቀሲስ ተክላይ ሓቢሮም።
እዘን ኣብ ምሸታዊ መርሐ ግብር ናይ’ቲ ኮሌጅ ዝምሃራ ዘለዎ ወራዙት ደቂ ኣንስትዮ ብቁጽሪ 43 ኮይነን፡ ኣብ’ዚ ናይ ቀዳማይ ክፍለ ግዜ ናይ ዓመተ ትምህርቲ ድሮ 4 ዓውደ-ትምህርቲ ኣጣናቂቐን ምህላወን ድማ ገሊጾም።
ፒሉፓዴር ማለት ፈታዊ ኣቦ ማለት እዩ፡ ብኻልኣይ ትርጕሙ ከኣ ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ከምኡ’ውን መርቆሬዎስ ማለት እዩ። ስመ ክርስትና ናይ ኣቦኡ ‘ኖኅ’ ኮይኑ፡ ስመ ኣደኡ ድማ ‘ታቦት’ እዩ። ሃገሩ ኣስሊጥ ኪኸውን ከሎ፡ ዚዓበየሉ ግና ሃገረ ሮሜ እዩ።
ቅድሚ ልደት መርቆሬዎስ፡ ኣቦኡን ኣበሓጉኡን ሃዳኖ ስለዝነበሩ ከም ልማዶም ንሃደን ምስ ወፅኡ ካብ ወገን ገጸ ከለባት ተራኸብዎም እሞ ንኣባ ሓጎ መርቆሬዎስ በልዕዎ። ቀጺሎም ንኣቦ መርቆሬዎስ ክበልዕዎ እናተዳለዉ ግና መልኣከ እግዚአብሔር ተገሊጹ “ካብኡ ዚወፅእ ምሩጽ ፍረ ስለዘሎ ኣይትተንክፍዎ” ብምባል ገሠፆም።
ብርግጽ ኣብ ዙርያ ዝፋን ጐይታ ዚቖሙን ዘመስግኑን ክቝጸሩ ዘይከኣሉ ኣእላፈ ኣእላፋት ሠራዊተ መላእክት ከምዘለዉ በዓል ራእይ ነቢይ ዳንኤል(ዳን. 7፡10) ደኣ ይግለጽ እምበር፡ ብፍሉይ ድማ ዕሥራን ኣርባዕተን ሊቃናት ካህናተ ሰማይ ከም ዘለዉ ኣብ ራእይ ዮሓንስ ተጻሒፉ ኣሎ። (ራእ. ዮሓ. 4፡10) ዕሥራን ኣርባዕተን ካህናተ ሰማይ ኣብ ቅድሚ ሰማያዊ ኣምላኽ ዓቢይ ኽብሪ ዘለዎም፡ ኣብ ዕሥራን ኣርባዕተን ተሸይሞም ዕሥራን ኣርባዕተን ሰዓት ንሰማያዊ ንጉሥ ዘመስግኑ፡ ጸልዮም ንርእሶም ሓልዮም ዓስቦም ተቐቢሎም ዝነብሩ ሰማያውያን መላእኽቲ እዮም። ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ራእዩ ንኽብሮም ኪገልጽ ከሎ ፃዕዳ ልብሲ ለቢሶም፡ ኣኽሊል ደፊኦም ኣብ ዙርያ ዝፋን ጐይታ ድማ ዕሥራን ኣርባዕተን ዝፋናት ተዘርጊሕሎም ንኪቕመጡ ክብሪ ከም ዝተዋህቦም ደጋጊሙ ይዛረብ። (ራእ. ዮሓ. 4፡4) ብሓፈሻ እቲ ናቶም ኣገልግሎት ፦
ዓመታዊ 21 ኅዳር ዝኽበር ክብረ በዓል ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ኵለን ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ታቦት ኣቕሪጸን ቤተ ክርስቲያን ዝሓነጻ ኣድባራት ክኽበር ከሎ ብፍሉይ ድማ ኣብ ርእሰ አድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ድንግል ማርያም ኣሥመራ ብድሙቕ መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓት ተኸቢሩ።
ኣብ ልሳነ ግእዝን ትግርኛን፡ ነፍስ ወከፍ ፊደል ናቱ ትርጕምን መግለጽን ኣለዎ። ብኣደማምፃኦም ሓደ ዓይነት ዝኾኑ፣ እንተኾነ ግና ብመልክዕን ቅርጽን ከምኡ’ውን ብምሥጢርን ትርጕምን ዝፈላለዩ ፊደላት ኣለዉ።
ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ ከም መቀጸልታ ናይቲ ኣቀዲሙ ምስ ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ሃገረ ስብከታትን ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ከካይዶ ዝጸንሐ ጉባኤ፡ ሰሉስ ዕለት 15 ኅዳር 2013 ዓ.ም.ግ. (24/11/2020 ዓ.ም.ፈ) ኣብ ሰዓት ቅድሚ ቀትሪ ምስ ኃላፍቲ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓባይ ብሪጣንያ ማለት ሊቀ ካህናት ቀሲስ ሓድጉ የማነን ጸሓፊ ንኡስ ሃገረ ስብከት ቀሲስ ሓጎስ ከሰተ ኣስታት ክልተ ሰዓትን ፈረቓን ዝወሰደ ናይ ዙም (virtual Zoom) ርክብ ኣኻይዱ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለት፡ ብፍላይ ከኣ ዕለተ ሰንበት እሑድ ዝዝመር፡ ዝስበኽ፡ ዝንበብን ዝቕደስን ብሓፈሻ ዝበጽሕ ስብሐታትን ዝንበብ ቃለ እግዚአብሔርን ምሥጢር ዝኃዘ፡ ምስቲ ጊዜ ዝዛመድ ምዕዶን ተግሣጽን ዘለዎ እዩ።
በዚ መሠረት ካብ 6 ኅዳር ክሳዕ 6 ታኅሣሥ ዘሎ ጊዜ ዘመነ ኣስተምህሮ ይበሃል። ብዛዕባ ምሕረትን ይቕሬታን እግዚአብሔር ዘመልክት እዩ።
ኣብዚ ውሽጢ እዚ ዘመነ ኣስተምህሮ፡ ነናቶም ስያሜን ትምህርትን ዘለዎም ኃሙሽተ ሰናብቲ ኣለዉ። ንሳቶም ድማ፦
ዓመት መጽአ 12 ኅዳር እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጻውያን ብመሪሕነት ሊቀ መላእት ቅዱስ ሚካኤልን ናጽነት ዝወጽእሉ ብምዝካር ዝኽበር ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል፡ ሎሚ ዓመት እውን 12 ኅዳር 2013 ዓ.ም.ግ ኣብ ኵለን ብስሙ ታቦት ዝተቀርጸለን ኣብያተ ክርስቲያናት ክበዓል ከሎ ብፍሉይ ኸኣ ዓቃቤ መንበር ዘፓትርያርክ ብፁዕ አቡነ ጴጥሮስ፡ ዋና አመሓዳሪ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ብፁዕ አቡነ ባስልዮስ ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ደብረ ሳኅል ቅዱስ ሚካኤል ቤት መኻእ ብድምቀት ተኸቢሩ።
6 ኅዳር ክብረ በዓል ቁስቋም ኣብ ማርያም ኣረጊት ድባርዋን ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስን ጳጳስ ሃገረ ስብከት ደቡብ (መንደፈራ) ብፁዕ ኣቡነ ዮሓንስ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ድባርዋ፡ ሊቀ ካህናት ቀሺ ዘሚካኤል ኃላፊ ክፍሊ ኣድያማት ዘመንበረ ፓትርያርክ፡ ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝመጽኡ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ብመንፈሳዊ ድምቀት ተባዒሉ!