መስቀል ምልክት ሰላምን ዕርቅን፡ ጽንዓትን ኃይልን እዩ። ከምቲ ሥጋዊ ኃይሊ ንምርካብ መዓዛታት ዘለዎ መግቢ ዘድሊ፡ ከምኡ ድማ መንፈሳዊ ኃይሊ ንምርካብ ጽኑዕ እምነትን ሠናይ ግብርን የድሊ እዩ። ትእምርቲ መንፈሳዊ ኃይሊ ኸኣ መስቀል እዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ኽገልጽ ከሎ “ቃል መስቀል ነቶም ዝጠፍኡ ዕሽነት እዩ ነቶም እንኣምን ግና ኃይሊ ኣምላኽ እዩ።” በለ። (1ይ ቆሮ. ፩፥፲፰/1:18)
ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዓለም ንምድኃን ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ብገዛእ ፍቓዱ ንቅድስቲ ነፍሱ ካብ ቅድስቲ ሥጋኡ ፈልዩ ምእንታና ሞይቱ፡ ካብ ምዉታን ድኅሪ ምትንሣኡ፡ እቲ ዝተሰቕለሉ መስቀል ከም ፀሓይ እናኣብርሀ ሕሙማት ይፍውስን ምዉታን የተንሥእን ነበረ። ነዚ ዝረኣዩ ኣይሁድ ብቅንእን ክፍኣትን ተላዒሎም፡ ነቲ መስቀል፡ ዓሚቝ ጕድጓድ ኣዅዒቶም ቀበርዎ። ንኸይርከብን ስመ ዝክሩ ንኸይልዓልን ድማ ኵሎም ነበርቲ ኢየሩሳሌም ጐሓፍን ርስሓትን ዘበለ ኵሉ ኣብ ልዕሊኡ ንኽጕሕፉ ኣዘዙ። እቲ ዝቐበሩሉ ቦታ ኸኣ ክሳብ ጎቦ ዝኸውን ንኣስታት ሠለስተ ክፍለ ዘመን (፫፻/300 ዓመት) ደፈንዎ።

“እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምሲ ንመኣስር እከይ ምፍታሕ፡ ንማእሰርቲ ኣርዑት ምዝላቕ፡ ንጥቑዓት ምውፃእ ሓራ፡ ባርነት ዘበለ ዅሉውን ምስባርዶ ኣይኰነን፧ እንጌራኻ ንጥሙይ ክትመቅል፡ ነቶም እተሰዱ ድኻታት ናብ ቤትካ ኸተእቱ፡ ዕሩቕ እንተ ርኤኻ ኽትከድኖ፡ ካብ ሥጋካውን ከይትኅባእዶ ኣይኮነን፧ ሽዑ ብርሃንካ ኸም ወጋሕታ ኾይኑ ኺወጽእ፡ ምሕዋይካ ኸኣ ቀልጢፉ ኺበቊል፡ ጽድቅኻ ድማ ቀቅድሜኻ ኪኸይድ፡ ክብሪ እግዚኣብሔርውን ደጀንካ ኪኸውን እዩ። ሽዑ ኽትጽውዕ፡ እግዚኣብሔር ከኣ ኪመልሰልካ፡ ከተእዊ፡ ንሱ ድማ፡ እኔኹ ኪብል እዩ። ንኣርዑት፡ ንምውጥዋጥ ኣጻብዕ፡ ንሕማቕ ዘረባ ኸኣ ካብ ማእከልካ እንተ ኣርሐቕካ፡ ኻብ ናብ ነፍስኻ ንጥሙይ እንተ መቐልካ፡ ንጭንቕቲ ነፍሲ እንተ ኣጽገብካ፡ ሽዑ ብርሃንካ ኣብ ጸልማት ኪወፅእ፡ ጸልማትካውን ከም ቀትሪ ኪኸውን እዩ።” (ኢሳ. 58፡3-5)

ኣብዚ ጊዜ ጾምና ክንገብሮም ካብ ዝግብኡና ሠናይ ተግባራት ንትምህርቲ ክኾነና ንገሊኦም ክንጠቅስ ኢና፦

ኣብ ኅብረተሰብና ከልቢ ምስቲ ኣብ ምሕላው ንብረት ቤት፡ ጥሪትን ካልእን ዘለዎ ዕዙዝ ተራ ምስ ሰብ ጽቡቕ ዝምድና እኳ እንተለዎ ኣብ መጽሐፍ ቅዱስ ግና ጽቡቕ ምሳሌ የብሉን። ኣብ እስራኤላውያንን ፍልስጥኤማውያንን ከም ርኹስን ፍንፉንን ፍጥረት ይረአ ነበረ።ንጉሥ ዳዊት ንርእሱ ብትሕትና “ዝሞተ ከልቢ” ኢሉ ምግላጹ ከልቢ ክሳዕ ክንደይ ንዑቕን ትሑትን ኮይኑ ከም ዝርአ ንርዳእ። (1ይ ሳሙ. 24፥14)። መስፍን ጌዴዎን ብእግዚአብሔር “ከም ከልቢ ብመልሓሱ ንዝሰቲ ዅሉ ንበይኑ ፍለ” ተባሂሉ ምስ ተኣዘዘ፡ ካብቶም ንውግእ ዝተዳለዉ 10 ሽሕ ሰባት ከም ከልቢ ዝሰተዩ 9,700 ሰባት ተሰጕጎም እዮም። (2ይ ሳሙ. 9፥8)። መናፍቃንን መስሓትን ውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኣኽላባት ተመሲሎም እዮም።

ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሓንስ፡ “እቶም ኣኽላባትን ጠንቈልትን ኣመንዝራታትን ቀተልቲ ሰብን መምለኽቲ ጣዖትን፡ ኵሎም እቶም ንሓሶት ዚፈትውዎን ዚገብርዎን ዘበሉ ግና ኻብታ ኸተማ ወፃኢ እዮም።” (ራእ. 22፥15) ኢሉ ንዝገለጾም ሓደ ብሓደ ምስ ንርእዮም፦

እግዚአብሔር ኣምላኽ ዝርአን ዘይርአን ኵሉ ካብኡ፡ ብእኡን፡ ንእኡን’ዩ። ንዓለም ብኢዱ ዚጭብጥ፣ ንሰማይ ብኣፃብዑ ዚስድር፣ ንማያት ዚዓሙኽ፣ ቁመት ሰማይ፡ ስፍሓት ምድሪ፡ ማዕሙቕ ባሕርን ዕምቈት ጥበብን ክንደይ ከምዝኾነ ዚፈልጥ ንሱ’ዩ። (ሲራ. 1፡3-4) ንሱ ጽልመት በርባሮስ ንትርኢቱ ዘይሥወሮ፡ ኣብ ኣርያም ኮይኑውን ንዕምቈት ባሕርታት ዚትንክፍ’ዩ። ንልብን ኵላሊትን ዚምርምር ንሱ’ዩ። (1ይ ሳሙ. 16፡7) ንሕና ደቂ ሰባት ድማ ብእኡ እንነብርን ኵሉ ሥራሕናን ምንቅስቓሳትናንውን ብእኡ እዩ። (ግብ. 17፡18)።

እንተኾነ እግዚአብሔር ኣምላኽና አኃዜ ኵሉ ክንሱ ንሕና ነቲ እንሓስቦን እንገብሮን ኣቐዲምና “ፍቓድካ ድዩ፧ ፍቓድካ ይኹን” ክንብሎ ይደሊ። ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ናይ ዓንቀጸ ጸሎት ትምህርቱ፡ “ወይኩን ፈቃድከ/ ፍቓድካ ይኹን” ኢልና ፍቓዱ ክንሓትት መሃረና። ብቓል ጥራሕ ዘይኮነ’ውን ንዅሉ ዘስግድን ኵሉ ዝሰግደሉን ተቐባሊ ጸሎት ክንሱ፡ ንኣና ኣርኣያ ኪኸውን ግና ኣብ ጌቴሴማኒ ብገጹ ተደፊኡ 3ተ ጊዜ ኪጽሊ ኸሎ፦ “ወባሕቱ ፈቃደ ዚአከ ይኩን ወአኮ ፈቃደ ዚአየ/እንተኾነ ከም ፍቓድካ ደኣ ይኹን እምበር ከም ፍቓደይ ኣይብልን እየ” በለ። (ማቴ. 26፡39)።

ኣብዛ ዓለም’ዚኣ ወዲ ሰብ ኃዘኑን፡ ሽግሩን ዋላ ውን ገለ እዋን ሓጐሱ ንእግዚአብሔር ወይ ንሰብ ዝገልጸሉ መንገዲ ሓደ ብኽያት እዩ። ብዙኃት ሰባት ስለ ብዙኅ ነገር ካብ ሽግሮም ንኺናገፉ፡ ዝጐደሎም ንኺማልኣሎም፡ ብኃጢኣቶም ተጣዒሶም. . . በኽዮም እዮም። ብኽያቶም ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር በጺሑ ድሌቶም ዝተማልኣሎም ኣለዉ፣ ንዘይጠቕሞም ብነፍስን ብሥጋን ከምዚጐድኦም ከይፈለጡ ዝበኸዩ እሞ ኸንቱ ዝተረፉ ውን ኣለዉ።

ቀዳሞት ሰባት ኣዳምን ሔዋንን ብምኽሪ ዲያብሎስ ተታሊሎም ኃጢኦም ብዘምጽእዎ ናይ ነፍሲ ጥሜት ናብ ምድረ ፋይድ ወረዱ፡፡ ዝነበሮም ክብሪ ስኢኖም፣ መከራ ምስ ጸንዖም ናብ እግዚአብሔር ንብዓቶም ኣፍሰሱ። “ወአልቦቱ ካልእ ሕሊና ዘእንበለ ብካይ ላዕለ ኃጢኣቱ/ ብዘይካ ብኃጢኣቱ ምብካይ እንተዘይኮይኑ ኾልእ ሓሳብ ኣይነበሮን” ከምዝብል (ትርጓሜ ውዳሴ ማርያም ዘሰኑይ)።

ጊዜ ኽረምቲ፡ ዝናም ንዘርኢ፡ ጠሊ ንምድሪ ዝህበሉ፡ ዝተዘርአ ዝቦቝለሉ፡ ዝተተኽለ ዝጸድቀሉ፡ ነቒጾም ዝነበሩ ኣትክልቲ ዝልምልሙሉ፡ ኣቝጽልቲ ዝጥጥዕሉ፡ ኣዕጽምቶም ክሳዕ ምርኣይ ዓቢሮም ዝነበሩ እንስሳታት ተሓዲሶም ዝጥንክርሉ፣ ሩባታትን ኣፍላጋትን ዝውኅዝሉ ሠናይ ጊዜ እዩ። ብኣንጻሩ ኣብ ወቕቲ ክረምቲ ኸኣ ብዙኅ ሽግር ከምዘሎ ዝፍለጥ እዩ።

እዋን ክረምቲ፡ ብላዕሊ ማይ ብታሕቲ ጭቃ ስለዝኸውን ንመንገዲ ኾነ ሥሩዕ ዕዮኻ ክትገብር የጸግም እዩ። ሩባታት ስለዝመልኡ፡ ሰባት ምስ ቤተ ሰቦም ዘይራኸቡሉ፡ ዓይን ንዓይኒ ዘይረኣዩሉ፡ ብሓፈሻ ካብ ከበሳ ናብ መታሕት እናተዘዋወሩ ከም ድሌቶም ነጊዶም ክነብርሉ ዘይክእልሉ ጊዜ እዩ። ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ቆፎ ዘሎ ቐዳማይ እኽሊ ዝውድኣሉን፡ እቲ ዳኅረዋይ ዝተዘርአ ኣብ ፍረ ዘይበጽሓሉን እዋን ስለዝኾነ ክብደት ናብራ የስዕብ፣ መሸጣ ዕዳጋ’ውን ይኸብር። እዚ ዅሉ ድማ ንሰባት ጸቕጢ ይፈጥረሎም።

ተስፋ ማለት ነቲ ዘይርአ ከም ዝርአ፡ ነቲ ዘየሎ ከምዘሎ፡ ነቲ ዘይኸውን ድማ ከምዝኸውን ጌርካ ብእምነት ንእግዚአብሔር ምጽባይ እዩ። ተስፋ ሓንቲ ካብተን ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንቶስ ጽሒፍሎም ዘሎ ቓላት እያ። ( 1ይ ቆሮ. 13፥13)
እምነት ኣብ እግዚአብሔር ተስፋ የግብር፡ ተስፋ ድማ ፍቕሪ ኣምላኽ የንግሥ እዩ እሞ ኣብዚ ጊዜና ትስፍዋት ክንከውን ይግባእ።

ተስፋ፡ ካብ ቀደም ኣትኂዛ ከም ዝነበረት መጽሐፍ ቅዱስ ይነግረና።

፠ ተስፋ ኣብ ምፍጣር ዓለም፡- እግዚአብሔር ሰማይን ምድርን ምስ ፈጠረ፡ ንምድሪ ምስ ጠመታ ብጸልማትን ብማይን ዝተኸበትን ዝተዋሕጠትን ነበረት። እግዚአብሔር ንምድሪ ተስፋ ኣተወላ በለ ድማ “ ብርሃን ይኹን በለ፡ ከምኡ ድማ ኾነ። ምድሪ ብብርሃንን፡ ከምኡ ውን ብዕንባባታትን፡ ኣታኽልትን፡ ሣዕርን ኣዕዋፍን፡ እንስሳታትን ወቂባ ተረኽበት። ምድሪ ድማ ተስፋኣ ብሠናይ ነገር ተፈጸመላ፡ ለምሊማ ንምርኣያ ባህ እተብል ድማ ኾነት።” (ዘፍ. 1፥1-ፍጻሜ፣ መጽሐፈ አክሲማሮስ ዘዐርብ ምዕ. 2 )።

ክብርን ምስጋናን ንእኡ ይኹን እሞ! ነዚ ቓል እዚ ዝተዛረበ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ምስ በላዕካዮ ንዘለዓለም ዘየጥሚ እንጌራ ሕይወት ንሱ ባዕሉ ምዃኑ ገለጸ። ሕይወት ሰብ ዚምግብ፤ እንጌራ ሕይወት ዝህብን ማዕበል ፈተናታት ሥጋ፡ ዓለምን ዲያብሎስን ኣሳጊሩ ናብ ሕይወት መሪሑ ዘእቱ ኅብስተ ሕይወት እንጌራ: ንሱ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።

ሰብ ብፍቓዱ ዝተፈጥረ ብዕድል ውን ዝተረኽበ ስለዘይኮነ፡ ወትሩ ናይ ፈጣሪኡ መጋቢነትን ሓለዋን ረድኤትን የድልዮ። ባዕሉ ጐይታ “ብዘይ ብኣይ ሓንቲ እኳ ክትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ከምዝበለና (ዮሐ.15፥5) ሰብ ብዘይ ፈጣሪኡ ሕይወት የብሉን። በዚ ድማ እግዚአብሔር ንሰብ ካብ ዚፈጥሮ ኣትኂዙ ንቕጽበት ዓይኒ'ውን ዝኣክል ተፈልይዎ ኣይፈልጥን። “ብእኡ ኢና እንነብርን እንወሳወስን ብእኡ ኸኣ ኢና ዘሎና” ከምዝበለ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ። (ግብ.ሓዋ.17፥26-28)

ኣብ ክርስቲያናዊ ሕይወት ካብ ኵለን ናይ መንፈስ ፍረታት እታ ዝቐደመትን ዝዓበየትን ፍቕሪ እያ። ነቶም ዓሠርተ ትእዛዛት ውን ኣሣሪቶም ፍቕሪ እያ። ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “እታ ዝዓበየት ትእዛዝ ኣየነይቲ እያ፧” ኢሎም ምስ ሓተትዎ፦ “ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻ ብምሉእ ኃይልኻ ብምሉእ ነፍስኻ ኣፍቅር፡ እታ ኻልአይትን ንእኣ እትመስላን ከኣ ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር” ኢሉ መለሰሎም። (ማቴ. 22፡36-38) ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከኣ ‘ፍቕሪ ማእሠር ኵሉ ፍጻሜ እያ እሞ ልበስዋ’ ብምባል ዕቤት ፍቕሪ ገሊጹልና ኣሎ።
ብዛዕባ ፍቕሪ ብዙኅ እኳ እንተተባህለ ኣብ ዘመንና ግና መጽለሊ ስኢና ተባሪራ፡ ዘኅድራ ስኢና ዘኽቲማ ካብ ደቂ ሰብ ተፈልያ ትነብር ኣላ። ግና ስለምንታይ ኢና ነፍቅር፧ ከመይ ኣቢልና ኢናኸ ነፍቅር፧

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ኵሉ ምእመን ብእምነትን ሥነ ምግባርን ጸኒዑ ንኺነብርን ሕይወቱ ብመንፈሳዊ መንገዲ ንኸመላልስን መዓልታዊ ትሰብኽ። መንፈሳዊ ሕይወት ማለት ብሃይማኖትን ሥነ ምግባርን ጸኒዕካ ካብ ኃጢኣት ምርሓቕ፡ ፍኖተ ቅዱሳን ምስዓብን ብእግዚኣብሔር እሙን ምዃንን እዩ።
እንተኾነ ግና፡ ሰብ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወት ጸኒዑ ንኸይነብር፡ በረኸት ሥጋን በረኸት ነፍስን ካብ ፈጣሪኡ ንኸይረክብ ዝተፈላለዩ ፈተናታት የጋጥምዎ እዮም።
ንሕና ከም ክርስቲያን፡ ኣሰር ናይቶም ንዝገጥሞም ዝነበረ መከራ ዘይኮነስ ነቲ ብድኅሪኡ ዘሎ ኣኽሊል ሕይወት እናጠመቱ ብጽንዓት ነዚ ዓለም ስዒሮም ዝኃለፉ ቅዱሳን ንስዕብ ብምዃንና፡ ብዙኅ ጊዜ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትና መሰናኽላት የጋጥመና እዩ። እዚ ዅሉ ግና ንውርደት ዘይኮነስ ንኽብሪ፡ ንሞት ዘይኮነ’ውን ንሕይወት ምዃኑ ክንርዳእ ኣሎና።

እምበኣር ካብዚ ብምቕጻል ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትና ዘጋጥሙና ፈተናታትን መፍትሒኦምን ሓደ ብሓደ ኽንርኢ ኢና፦

No events found.
Ad Right

  

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ተሳትፎን ተገዳስነትን ወራዙት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መንፈሳዊ ኮሌጅ ሥነ-መለኮት ደብረ…

ኣብ መንፈሳዊ ኮሌጅ ሥነ-መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ብናይ ምሸት መርሐ ግብር ትምህርቲ ዝከታተላ ዘለዎ ደቂ ኣንስትዮ ተሳትፍኦንን ተገዳስነትን ልዑል...

“ሰማዕት ቅዱስ ፒሉፓዴር መርቆሬዎስ”

ፒሉፓዴር ማለት ፈታዊ ኣቦ ማለት እዩ፡ ብኻልኣይ ትርጕሙ ከኣ ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ከምኡ’ውን መርቆሬዎስ ማለት እዩ። ስመ ክርስትና ናይ ኣቦኡ...

ዕሥራን ኣርባዕተን ካህናተ ሰማይ

ብርግጽ ኣብ ዙርያ ዝፋን ጐይታ ዚቖሙን ዘመስግኑን ክቝጸሩ ዘይከኣሉ ኣእላፈ ኣእላፋት ሠራዊተ መላእክት ከምዘለዉ በዓል ራእይ ነቢይ ዳንኤል(ዳን. 7፡10) ደኣ...

ዕሥራን ኣርባዕተን ካህናተ ሰማይ

ብርግጽ ኣብ ዙርያ ዝፋን ጐይታ ዚቖሙን ዘመስግኑን ክቝጸሩ ዘይከኣሉ ኣእላፈ ኣእላፋት ሠራዊተ መላእክት ከምዘለዉ በዓል ራእይ ነቢይ ዳንኤል(ዳን. 7፡10) ደኣ...

ክብረ በዓል ቅድስት ድንግል ማርያም ብድሙቕ መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓት ተኸቢሩ

ዓመታዊ 21 ኅዳር ዝኽበር ክብረ በዓል ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ኵለን ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ታቦት ኣቕሪጸን ቤተ ክርስቲያን ዝሓነጻ...

ኣይትጨነቑ! ማቴ. 6፡25

በቲ ጸቕጢ ጽልግልግታ ሰርቢ፡ውኖይ ምስ ሓከለ ሃዲሙ ካብ ቀልቢ

ምሥጢር ፊደላትና ይተዓቀብ!

ኣብ ልሳነ ግእዝን ትግርኛን፡ ነፍስ ወከፍ ፊደል ናቱ ትርጕምን መግለጽን ኣለዎ። ብኣደማምፃኦም ሓደ ዓይነት ዝኾኑ፣ እንተኾነ ግና ብመልክዕን ቅርጽን ከምኡ’ውን...

ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ኃላፍቲ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓባይ ብሪጣንያ ርክብ…

ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ ከም መቀጸልታ ናይቲ ኣቀዲሙ ምስ ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ሃገረ ስብከታትን ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ከካይዶ ዝጸንሐ ጉባኤ፡...

ቅዱስ ሐዋርያ ፊልጶስ አሐዱ እምዓሠርቱ ወክልኤቱ ሐዋርያት 

18 ኅዳር ዕለተ ዕረፍቱ ናይ ሓደ ካብ ዓሠርተው ክልተ ሓዋርያት ዝኾነ ቅዱስ ፊልጶስ እዩ። ‘ፊልጾስ’፦ ማለት መፍቀሬ አኃው ፈታው ኣኅዋት፣ ኣኃዜ ኲናት...

ዘመነ አስተምህሮ

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለት፡ ብፍላይ ከኣ ዕለተ ሰንበት እሑድ ዝዝመር፡ ዝስበኽ፡ ዝንበብን ዝቕደስን ብሓፈሻ ዝበጽሕ ስብሐታትን ዝንበብ ቃለ እግዚአብሔርን ምሥጢር...

ጾመ ነቢያት፡ ካብ ሠሉስ 15 ኅዳር ጀሚሩ፡ በዓለ ልደት ድማ…

ቅድሚ በዓለ ልደት ኣብ ዘሎ ጊዜያት፡ “ወጥንተ ዚአሁ መንፈቀ ኅዳር/ መጀመርታኡ ፍርቂ ወርኀ ኅዳር” ከምዝብል ካብ 15 ኅዳር ጀሚሩ ክሳዕ...

ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ተኸቢሩ ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተባዒሉ!

ዓመት መጽአ 12 ኅዳር እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጻውያን ብመሪሕነት ሊቀ መላእት ቅዱስ ሚካኤልን ናጽነት ዝወጽእሉ ብምዝካር ዝኽበር ክብረ በዓል ቅዱስ...

  

latest articles

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...