ኃሙስ፥ ካብ ‘ኀመሰ’ ዝብል ግእዛዊ ግሢ ዝወፀ ኮይኑ ‘ኃሙሻይ’ ማለት እዩ። ኣብ ኃሙሻይ መዓልቲ ናይ ሥነ ፍጥረት ካብ ደመ ነፍስ ዘይብላ ባሕሪ ብደመ ነፍስ ሕያዋን ዝኾኑ ፍጥረታት ተፈጥሩ። አምጻኤ ዓለማት ፈጣሬ ፍጥረት እግዚአብሔር ኣብ ኃሙሻይ መዓልቲ ብቀዳመይቲ ሰዓት ለይቲ “ለታውፅእ ማይ ዘይትሐወስ ዘቦ መንፈሰ ሕይወት፡ ወአዕዋፈ ዘይሠርሩ መልዕልተ ምድር ወመትሕተ ሰማይ፡ ወኮነ ከማሁ/ ማያት ደመ ነፍስ ዘለዎ ተንቀሳቃሲ ፍጥረት ተውፅእ በለ። እንሆ ድማ ብደመ ነፍሲ ሕያዋን ኮይኖም ዘስተንፍሱ ሠለስተ ዓይነታት ፍጥረት ካብ ማይ (ባሕሪ) ፈጠረ። ጽቡቕ ከም ዝኾነ ረኣየ እሞ ‘ፍረዩን ተባዝኁን ንማያት ባሕሪ ምልእዎ፡ ኣዕዋፍ ከኣ ኣብ ምድሪ ብዝኃ’ ኢሉ ባረኾም። (ዘፍ. 1፡20-23)

“ብመዓልቲ ክሕጐስ ፀሓይ ኣብራህካሉ፣ ጸልማት ለይቲ ንኸይደፍኖ ንወርኂ ኣብራህካሉ፣ ግብሪ ኣእዳውካ ምእንቲ ኽፈልጥ ከዋኽብቲ ኣድመቕካሉ፣ ምእንቲ ክግዘኣካ መዓልታትን ዓመታትን ዘመናትን ሃብካዮ” (ቅዳሴ አትና. ቍ. 24)

“ረቡዕ” ማለት ንፍጥረት ራብዓይ መዓልቲ ማለት’ዩ። በዚ ዕለት’ዚ ፀሓይ፡ ወርኂን ከዋኽብትን ፈጠረ። (ዘፍ. 1፡14-16) “ወገብረ እግዚአብሔር ብርሃናተ ዓበይተ ዘየዓቢ ብርሃን ከመ ይምልክ መዓልተ፣ ወዘይንእስ ብርሃን ከመ ይምልክ ሌሊተ ምስለ ከዋክብት/ እግዚአብሔር ዓበይቲ ብርሃናት ፈጠረ፡ እቲ ዓቢይ ብርሃን ብመዓልቲ፡ እቲ ንእሽቶ ድማ ምስ ከዋኽብቲ ብለይቲ ከምዘብርሁ ገበረ።” ከምዝብል ኣብዚ ዓለም ከኣ ንፀሓይ ብመዓልቲ፡ ንወርኅን ከዋኽብትን ድማ ብለይቲ ኣሠልጠነን።

ሠሉስ ንፍጥረት ሣልሳይ መዓልቲ እዩ። በዚ ዕለት’ዚ ሠለስተ ፍጥረታት ማለት ኣዝርእትን ኣትክልትን ኣእዋምን ተፈጥሩ።

ዕለር ሠሉስ ብመጀመርታ ሰዓት ለይቲ ሣልሳይ ኣፍ ማይ ተኸፊሉ ኣብዚ ዓለም መሊኡ ኃዲሩ ነበረ እሞ፡ “ኣምላኽ ድማ ‘እቲ ንቝጽ መሬት ምእንቲ ኽረአ እቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ማያት ናብ ሓንቲ ቦታ ይተኣከብ” በለ። ከምኡ ድማ ኾነ። ኣምላኽ ነቲ ንቝጽ መሬት “ምድሪ” ኢሉ ሰመዮ። ነቲ እኩብ ማያት ድማ “ባሕሪ” ኢሉ ሰመዮ። (ዘፍ. 1፡9-10)

ኣምላኽ ድማ ንማያት ካብ ማያት ዚፈሊ ጠፈር ኣብ መንጎ ማያት ይኹን በለ፡ ከምኡ’ውን ኮነ (ዘፍ.1፡6)

ሰኑይ መዓልቲ ብመጀመርታ ሰዓት ካብ ምድሪ ኂዙ ክሳብ ብሩህ ሰማይ ማይ መሊኡ ኃዲሩ ነበረ’ሞ ኣብ ሠለስተ ኸፈሎ፡ ሓደ ኢድ ኣብዚ ዓለም’ዚ ኣስፈሮ(ውቅያኖስ)፣ ሓደ ኢድ ከኣ ልዕሊ እዚ ዝረኣየና ሰማይ ኣስፈሮ ንሱ ድማ ኃኖስ ይበሃል፣ ሓደ ኢድ ከኣ “ለይኩን ጠፈር ማእከለ ማይ” ኢሉ ኣብ ማእከል ኣቖሞ፡ እዚ ንርእዮ ሰማይ ጠፈር ማይ እዩ።

‘እሑድ’ ካብ አሐደ ዝብል ግእዛዊ ግሢ ዝወፅአ ኮይኑ ‘ቀዳማይ፡ መጀመርታ’ ማለት እዩ። እግዚአብሔር፡ ንፍጥረታቱ ኪፈጥር ዝጀመረሉ ዕለት ብምዃኑ ቀዳማይ መዓልቲ ተባህለ። (ራእ. 4፡11) በዛ ዕለት’ዚኣ ሸሞንተ ፍጥረታት ፈጠረ። ንሳቶም ከኣ፦ ሓዊ፡ ነፋስ፡ ማይ፡ ሓመድ(መሬት)፡ ጸልማት፡ ሰማያት፡ መላእኽቲ፡ ብርሃን እዮም። (ዘፍ. 1፡1)

• ኣብ ቀዳማይ ሰዓት ናይ ለይቲ ነቶም ናይ ሥነ ፍጥረት መሠረታውያን ዝኾኑ ኣርባዕተ ባህርያተ ከምኡ’ውን ኃሙሻይ ጽልመት ካብ ዘይምህላው ናብ ምህላው ኣምጺኡ ፈጠሮም። እቶም ኣርባዕተ ባህርያት ዝበሃሉ መሬት፡ ሓዊ፡ ማይ፡ ነፋስ ነቲ ባህሪኡ ንምግላጽን መርሚርና ንኽንፈልጥን ፈጠሮም። (ኢዮ. 12፡7-10) እዚ ድማ ፦
1. ሓድነቱን ሠለስትነቱን ንምግላጽ ፈጠሮም፦ እዞም ኣርባዕተ ባህርያት ሠለስተ ጠባያት እኳ እንተለዎም ብባህሪኦም ይጽውዑ። እግዚአብሔር ድማ ብስም፡ ብግብሪ፡ ብኣካል እኳ ሠለስተ እንተኾነ ብባህርይ፡ ብመለኮት፡ ብሥልጣን፡ . . . ግና ሓደ እዩ።
2. ሃብቱን ርኅራኄኡን ኃይሉን ክእለቱን ንምግላጽ ፈጠሮም፦

ኦ ድንግል በመኑ ወበአምሳሉ መኑ ናስተማስለኪ!/ ኦ ድንግል ብምንታይን መን ብዝመሰሎን ክንምስለኪ ኢና!

ብዛዕባ ኣዴና ቅድስት ድንግል ብቐዳሞት ኣቦታት ካብ ዝቐረቡ ኅብረ ኣምሳል፡ ቅጽል፡ ምስጋናታት . . . ፦

• አክለለ ምክሕነ፡ ኣክሊል ትምክሕትና፡
• መሠረተ ንጽሕነ፡ መሠረት ንጽሕናና
• ሰዋስው፡ መሳልል
• ማኅደረ መለኮት፡ መኅደሪት መለኮት
• ገራህት፡ ዘርኢ ዘይወደቓ ግራት
• ኃሤቶሙ ለመላእክት፡ ንመላእክት ሓጐሶም

ምስጋና ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ምስጋና ኽልተ ዓይነት እዩ፦ እዚ’ውን ንፈጣሪ እግዚአብሔር ንበይኑ ዝቐርብ ናይ ኣምልኾን ናይ ባህርይን ምስጋና ከምኡ’ውን ንቅዱሳን ዝቐርብ ናይ ጸጋ ምስጋና እዩ። ንቅድስተ ቅዱሳን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ናይ ጸጋ ምስጋና ይግብኣ።

ናታ ምስጋና ንጐይታ ድኅሪ ምውላዳ ዝጀመረ ዘይኮነስ ካብ ዘመነ ብሉይ ጀሚሩ ብኅብረ ምሳሌን ትንቢትን እናተተኃኃዘ ዝመጸ እዩ።

ደመና ኤልያስ

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንዝተነግሩ ምሳሌታት ምምርማርን ንናይ አበው ትርጕም ምስትውዓልን ጥበብ እዩ። ሓደ ካብ ምሳሌታት ድማ “ ደመና ኤልያስ ” ዝብል እዩ።
“ኤልያስ ድማ ናብ ርእሲ ቀርሜሎስ ደየበ። ናብ ምድሪ ሰጊዱ ኸኣ ገጹ ኣብ መንጐ ኣብራኹ ገበረ። ነቲ ጊልያኡ ድማ ደዪብኻ ናብ ባሕሪ ኣቢልካ ኣማዕዱ በሎ። ደዪቡ ኣማዕዲዩ ኸኣ ገለ እኳ የልቦን በለ።

ነዚ መጽሓፍ እዚ ዝደረሶ ኤፍሬም ሶርያዊ፥ ኤፍሬም ለብሓዊ እዩ። ሶርያዊ ዝተባህለ ብሃገሩ ኮይኑ ለብሓዊ ድማ ብተግባሩ እዩ። እዚ ቅዱስ ኤፍሬም ናይ ያዕቆብ ዘንጽቢን ወደ መዝሙር እዩ። ያዕቆብ ዘነጽቢን ድማ ካብቶም 318 ሊቃውንቲ እዩ። ‘ለአውግዞተ አርዮስ’ ክኸይድ ከሎ ምስ ከይዱ ነበረ። ንኣርዮስ ኣውጊዞም ሃይማኖት ኣጽኒዖም ኣብ ዝኃደርዎ ቦታ፥ ካብ ምድሪ ክሳብ ሰማይ ዓምደ ብርሃን ተተኺሉ ረኣየ። ከምቲ ነዚ ራእይ ዝገለጽካለይ ‘በዓል ቤቱ መን ምዃኑ ግለጸለይ’ ኢሉ ናብ እግዚአብሔር ኣመልከተ። ዝተኣዘዘ መልኣኽ መጺኡ እዚ ‘ባስልዮስ ዘቂሳርያ’ እዩ።

ሐዋርያዊትን ኣጽናፋዊትን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፡ ዓመታዊ ናይ ኣጽዋማትን በዓላትን ሰሌዳ ጊዜ ከምኡ’ውን ናተይ ትብሎ ናይ ቋንቋ ፊደልን ቍጽርን ዓውደ ኣዋርኅን ኣለዋ። ካብ 26 መስከረም ክሳዕ 6 ኅዳር ዘሎ ጊዜ ወርኀ ጽጌ ይበሃል።
ጽጌ ማለት ካብ ጸገየ ዝብል ግሢ ዝወፅአ ኮይኑ ዕምባባ ማለት እዩ። ኣብ’ዚ ወርኃት እዚ ድማ መሬት ብዕምበባ ኣጊፁ ስለ ዝርአ ወርኀ ጽጌ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

No events found.
Ad Right

  

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ተሳትፎን ተገዳስነትን ወራዙት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መንፈሳዊ ኮሌጅ ሥነ-መለኮት ደብረ…

ኣብ መንፈሳዊ ኮሌጅ ሥነ-መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ብናይ ምሸት መርሐ ግብር ትምህርቲ ዝከታተላ ዘለዎ ደቂ ኣንስትዮ ተሳትፍኦንን ተገዳስነትን ልዑል...

“ሰማዕት ቅዱስ ፒሉፓዴር መርቆሬዎስ”

ፒሉፓዴር ማለት ፈታዊ ኣቦ ማለት እዩ፡ ብኻልኣይ ትርጕሙ ከኣ ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ከምኡ’ውን መርቆሬዎስ ማለት እዩ። ስመ ክርስትና ናይ ኣቦኡ...

ዕሥራን ኣርባዕተን ካህናተ ሰማይ

ብርግጽ ኣብ ዙርያ ዝፋን ጐይታ ዚቖሙን ዘመስግኑን ክቝጸሩ ዘይከኣሉ ኣእላፈ ኣእላፋት ሠራዊተ መላእክት ከምዘለዉ በዓል ራእይ ነቢይ ዳንኤል(ዳን. 7፡10) ደኣ...

ዕሥራን ኣርባዕተን ካህናተ ሰማይ

ብርግጽ ኣብ ዙርያ ዝፋን ጐይታ ዚቖሙን ዘመስግኑን ክቝጸሩ ዘይከኣሉ ኣእላፈ ኣእላፋት ሠራዊተ መላእክት ከምዘለዉ በዓል ራእይ ነቢይ ዳንኤል(ዳን. 7፡10) ደኣ...

ክብረ በዓል ቅድስት ድንግል ማርያም ብድሙቕ መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓት ተኸቢሩ

ዓመታዊ 21 ኅዳር ዝኽበር ክብረ በዓል ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ኵለን ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ታቦት ኣቕሪጸን ቤተ ክርስቲያን ዝሓነጻ...

ኣይትጨነቑ! ማቴ. 6፡25

በቲ ጸቕጢ ጽልግልግታ ሰርቢ፡ውኖይ ምስ ሓከለ ሃዲሙ ካብ ቀልቢ

ምሥጢር ፊደላትና ይተዓቀብ!

ኣብ ልሳነ ግእዝን ትግርኛን፡ ነፍስ ወከፍ ፊደል ናቱ ትርጕምን መግለጽን ኣለዎ። ብኣደማምፃኦም ሓደ ዓይነት ዝኾኑ፣ እንተኾነ ግና ብመልክዕን ቅርጽን ከምኡ’ውን...

ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ኃላፍቲ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓባይ ብሪጣንያ ርክብ…

ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ ከም መቀጸልታ ናይቲ ኣቀዲሙ ምስ ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ሃገረ ስብከታትን ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ከካይዶ ዝጸንሐ ጉባኤ፡...

ቅዱስ ሐዋርያ ፊልጶስ አሐዱ እምዓሠርቱ ወክልኤቱ ሐዋርያት 

18 ኅዳር ዕለተ ዕረፍቱ ናይ ሓደ ካብ ዓሠርተው ክልተ ሓዋርያት ዝኾነ ቅዱስ ፊልጶስ እዩ። ‘ፊልጾስ’፦ ማለት መፍቀሬ አኃው ፈታው ኣኅዋት፣ ኣኃዜ ኲናት...

ዘመነ አስተምህሮ

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለት፡ ብፍላይ ከኣ ዕለተ ሰንበት እሑድ ዝዝመር፡ ዝስበኽ፡ ዝንበብን ዝቕደስን ብሓፈሻ ዝበጽሕ ስብሐታትን ዝንበብ ቃለ እግዚአብሔርን ምሥጢር...

ጾመ ነቢያት፡ ካብ ሠሉስ 15 ኅዳር ጀሚሩ፡ በዓለ ልደት ድማ…

ቅድሚ በዓለ ልደት ኣብ ዘሎ ጊዜያት፡ “ወጥንተ ዚአሁ መንፈቀ ኅዳር/ መጀመርታኡ ፍርቂ ወርኀ ኅዳር” ከምዝብል ካብ 15 ኅዳር ጀሚሩ ክሳዕ...

ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ተኸቢሩ ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተባዒሉ!

ዓመት መጽአ 12 ኅዳር እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጻውያን ብመሪሕነት ሊቀ መላእት ቅዱስ ሚካኤልን ናጽነት ዝወጽእሉ ብምዝካር ዝኽበር ክብረ በዓል ቅዱስ...

  

latest articles

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...