* መን ፈጠረካ⋮
- ሥላሴ፡፡
* ብመን ከ ተኣምን⋮
- ብሥላሴ፡፡
* ሥላሴ ክንደይ እዮም⋮
- ፫ተ ይኾኑ ፩ ይኾኑ፡፡
* ብምንታይ ፫ተ ይኾኑ⋮
- ብስም፣ብግብሪ፣ብኣካል
* ብምንታይ ከ ፩ደ ይኾኑ⋮
- ብባህርይ፣ብሥልጣን፣ ብፍቓድ፣ ብመለኮት።
መፍቀሬ ሕፃናት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተዛረቦ ቃል’ዩ። ነቶም ሕፃናት ሓሓቍፉ ኢዱ ኣንቢሩ ባረኾም፡ መንግሥተ ኣምላኽ ነዞም ሕፃናት እያ እሞ ናባይ ይምጽኡ ኅደግዎም ኣይትኸልክልዎም በለ። እምበኣር ፍትዋት ሕፃናት ካብዚ ቀጺልና ናብ እግዚኣብሔር መጺኦም ዝተባረኹ ሕፃናት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ጕዕዞ ቤተ ክርስቲያንን ክንገልጽ ኢና።
ቅድሚ ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብእምነቶም ዝተመስከረሎም ብዙኃት ሕፃናት ነይሮም እዮም። ሓደ ካብኣቶም ድማ ነቢይ ሳሙኤል እዩ። ነቢይ ሳሙኤል ቅድሚ ምውላዱ ኣደኡ ሃና መኻን እያ ዝነበረት። ወትሩ ድማ እግዚኣብሔር ውላድ ንኽህባ ናብ ቤት እግዚኣብሔር እናኸደት ትልምን ነበረት።
ሽግር’የ ረኺበ ኣነ ጉዳመኛ
ብገጸይ መንፈሳዊ ውሽጠይ ግና ዓመጸኛ
ፍርሐት ኣምላኽ ይሰብኽ ኣፈይ ዓው ኢሉ
ፍርሐት ናይ ውሽጠይ ግና ብስስዐ ተዓብሊሉ
ፀሓይ ዕድሜኻ ካብ ትበርቅ ኣትኂዘ
እኩሕኩሕ’የ ዘለኹ ከይበልኩ ደንዚዘ
ኣንታ ወደይ እንታይ ድዩ ወሪዱካ
እዚ ኵሉ ክዅሕኵሕ ጌና ዘይከፈትካ
ገመድ ናብራ ወይ ተሪሩ ኣይተርር ወይ'ውን ፈጺሙ ኣይብተኽ ጥራይ ስቕ ኢሉ ዘዘው ምስ በለ ምትዕርራይ ኣብይዎ ነቲ ዕድሉ እናረገመ: ንዘይምፍጣርን ንዘይምንባርን ዝመረጸ ሓደ ምስኪን ድኻ፦ . . . ደው ኢሉ፣ ክዘልልን፣ ጐይዩ ኪሃድምን ዘይተዓደለ ካብቲ ምዉቕ፣ ጥዑምን ክፉእ ዘይብሉን ማሕፀን ወላዲቱ ክወፅእ ከሎ ነዛ ምድሪ'ዚኣ በቲ ክስጕም ብዘይምኽኣሉ ሕጂ ዝስምዖ ዝኾነ ይኹን ስምዒት የልቦን። እቲ ሕይወቱ ዘጣዕሶ፡ ዘቓጽሎ: ኰታ ዘኅዝኖ ዝነበረ ሽ. . . ዑ ኣብቲ ዕሸልን ውዑይን ዕድሚኡ ነበረ። ደኃር ግና ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ንነፍሶም ዝበሉ ሰባት ምጽዋት ምእንቲ ኪልምን ኢሎም: ነዚ ምስኪን ተሰኪሞም: ኣብ ትሕቲ ኣፍ ደገ ቤተ መቅደስ የቐምጥዎ ነበሩ።
ተስፋኡ ብምሉኡ ተጸንቂቑ ተወዲኡ ኣሎ። ከይደመየ ብሓሳብ ሓቢጡ። ከይሞተ ተቐቢሩ፣ ዕድሉ ስለዝኾነ! ነታ ሕይወቱ ክሳዕ'ታ ዝተረፈቶ ዘመን ክንዲ ካልኢት'ውን ትኹን ከጽንሓ ንልማኖ “ሥርሐይ” ኢሉ ተተኃኃዞ። እውይ! ገጽ ሰብ ሓዊ ኮይኑ ክባላዕ: ከሕርር! እንተኾነ ግና ስኽፍ'ዃ ኣይበሎን። ፈጺሙ'ውን ኣይደኸመን፦ ኢድ ነፍስ ወከፍ ኃላፋይ መንገዲ እናጠመተ ጥረ ምቝርጣምን: ቍራስ ምጭባጥን ልሙድ እኳ እንተኾነ: እቲ እግዚአብሔር ምሳኻ ይኹን ዝብል መጸናንዒ ቃሎም: እንጌራ ተስፋ ኾይንዎ ኣሎ።
ጐይታ ዓለማት ክርስቶስ፡ ዝተሰቕለሉ መስቀል
ምሥጢሩ ዓሚቝ’ዩ ታሪኽ እንተ ዝግንጸል
እስራኤላዊ ቀሲኑ ምድረ ተስፋ ከይርኢ
ኪለዓል ጀመረ ናይ ኣማሌቅ ጸብኢ
• ብጊዜን ቦታን ዘይውሰን ዘወትር እንነብሮ ሕይወት እዩ። ማቴ. 5፡18፣ 2ይ ጢሞ. 4፡2
• ብውሽጢ ፈተና ኃሊፍና ንኽብሪ ንበቕዓሉ እዩ። ማቴ. 7፡12-13
• ናይ ትማሊ ኅሉፍ ረሲዕና ናብ ቅድሜና ዘሎ ምግባረ ጽድቅን ትሩፋትን እናተመጣጠርና እንጐየሉ እዩ። ፊል. 3፡13-14
ንሊቀ ነቢያት ሙሴ ኣብ ደብተራ ኦሪት ሥዕለ ኪሩቤል ኪገብር ዚኣዘዞ ባዕሉ እግዚአብሔር እዩ። (ዘፍ. 25፥19)። ኣብ ሰማያት መንበረ እግዚአብሔር ዚፆሩ ኪሩቤል፡ ኣብቲ እግዚአብሔር ብጸጋ ዝኃድረሉ ደብተራ ኦሪት ክሥኣሉ ፍቓዱ ኮነ።
ኣብታ ንመጀመርታ ጊዜ ብኢድ ሰሎሞን ዝተሓንፀት ቤት መቅደስ’ውን ሥዕለ ኪሩቤልን ዕንባባታትን ከም ዚነበረ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ተጻሒፉ ንረኽቦ። (1ይ ነገ. 7 ፣ ውዳሴ ማርያም ዘሰንበት መቅደስ)
ብመኪናኡ ንገዛ እናተመለሱ ከለው ብዛዕባ እቲ ብየማነ ጸጋም ዝነበረ ልሙዕ ከባቢታት እንተ ሓተታ’ኳ፡ ኤልሳ ግና ነቲ ኣብ ጥቓ ቬትሮ ዝነበረ ባኮ ሽጋራ ርእያ ብሓሳብ ነዊኅ ተጓዕዘት። ነታ ቅድሚ ዓመት ንሓደ ካብ ወፃኢ ሃገር ዝመጸ ናይ ሓሽሽ ግዙእ ምስ ተመርዓወት ኣብ ሕይወታ ብዙኅ ፈተናታት ዘጋጠማ መሓዛኣ ዘኪራ፡ ኣብ ሕይወታ ዘጋጠማ ኮይኑ ስለ ዝተራእያ ገጻ ኣማዕተበት እሞ “ኣነ እንተኽኢለ ከም ኃብቱ ኮይነ ካብዚ ዘለዎ ወልፍታት ናፃ ንኽገብሮ ኪጽዕር እየ። እንተ ዘይኮይኑ ግና ምስ ከምዚ ዝበለ ኃዳር ምግባር’ሲ ከቢድ ፈተና እዩ” ኢላ ሓሰበት።
“ስምዒን’ዶ ኤልሲ መርዓና ከመይ እንተ ኾነ’ዩ ደስ ዝብለኪ፧” ብምባል ካብ ሓሳባ ምስ ኣበራበራ “ኣነ ፍቓድ እግዚአብሔር ክሳብ ዝኾነ ኃብትኻ እየ፡ ኣብ ጐንኻ ከኣ ኣሎኹ። ፍቓድካ እንተኾይኑ ግና ምስ ኣኅዋት ከላልየካ” ኢላ ብስክፍታ ጠመተቶ። ዝያዳ ምስኣ ዝዋሓደሉ ሜላ ዝረኸበ ኮይኑ እናተሰምዖ “እንተጌርኪዮ’ዶ” በላ ።