ጉድ ረኺቡ ግእዝ
ኣብ ዕለተ ምረቃ መጽሓፍ ‘ምዕላደ ቃላት’ ብዛዕባ ልሳነ ግእዝ ብዲያቆን ሃብተአብ ሙሉጌታ ዝቐረበ ግጥሚ ፦
ብመላእኽቱን ሕዝቡን ወትሩ ዝምለኽ።
ኣብ ቅርዓት ዓደቦኡ ኸይከፍት ልሳኑ፡
ይግባይ ኣብ ዘይብሉ መዋእል ተኾኒኑ።
ኣብ ዕለተ ምረቃ መጽሓፍ ‘ምዕላደ ቃላት’ ብዛዕባ ፍሉይነት፡ ኣበርክቶን ጽልዋን ልሳነ ግእዝ ከምኡ’ውን ኅየሳ ኣብ መጽሓፍ ምዕላደ ቃላት ብመምህር ሳሙኤል ዓንደማርያም ካብ ዝቐረበ ጽማቕ ትኅዝቶ፦
ልሳነ ግእዝ፡ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ ነዊኅ እዋን ኣገልግሎት ከምዝጸንሖ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ዕለታዊ ናብራ ሕብረተ ሰብ’ውን ኅሉፍ ኣበርከቶ ኣለዎ።
- ‘ግእዝ’፦ ናይ ገዛእ ርእሱ ፊደላትን ኣኃዛትን ዝውንን ብምዃኑ ብዘይ ኣናባቢ ዝድመጽ እዩ። እዚ ፍሉይነት እዚ ኣብ መዐየሪ ብሉጽነት ክኣቱ ኸሎ፡ ንኸተንብቦ፡ ንኸተድምፆን ንኽትዛረንቦ ዝቐለለ እዩ።
- ቋንቋ ሰናዲ ታሪኽ ብምዃኑ ግእዝ ሰኒድዎ ዘሎ ታሪኽ ጥንታውንን ብዙኅን እዩ። ብግእዝ ዝተጻሕፉ ዝተፈላለዩ ምሁራዊ ጽሑፋት ድማ ቀዳማይ ኢድ ሓበሬታ ይህቡ።
ናይ ምሉእ ሓሳብ (ዓረፍተ ነገር) መእሰሪ ዐንቀጽ ግሥ ይበሃል። ብእንግሊዘኛ verb ዝበሃል እዩ።
1. ነባር ግሥ ፦ ዘይረብሕ፡ ዘይዝርዘር፡ ዘይወርድ፡ ግና ዝባዛኅ ኣሎ ዘይባዛኅ ኣሎ።
ነባር ግሥ ግና ብግእዝ፣ ካዕብ፣ ሣልስ፣ ራብዕ፣ ኃምስ፣ ሳድስን ሳብዕን ብዅሎም ብሾብዓተ ሆሄያት ይለዓልን ይትንሥእን። ከምኡ ድማ ብሾብዓቲኦም ሆሄያት ይውድእ።
ንምሳሌ፦ ከመ፣ እስመ፣ ለሊሁ፣ ቁፋሂ፣ አሓ፣ መድሔ፣ ቴቁሔ፣ ሰዳሔ፣ ለውህ፣ ተጽራሕ፣ ቱፋሕ፣ ታእኅ፣ ትክቶ፣ ቅንጽራሆ፣ ቶማስ፣ ሲሕ . . . ።
ቅጽል፡- ብጠባይ፡ ብመልክዕ፡ ብግብር፡ ብዓይነት ሕብሪ፡ ብዓይነት ቅርጺ፡ ብመሥፈር፡ ብዋንነት፡ ብብዝኂ፡ ብደረጃ . . . ወዘይመስሎ ንምግላጽ ዘገልግል ክፋል ሰዋስወ ግእዝ እዩ።
• ገላጺ ቅጽል
ብጠባይ፡ ብመልክዕን ግብርን ዝገልጽ ኮይኑ ቅድምን ድኅርን ስም ወይ ክንድ ስም ይጥቀስ። ቅድምን ድኅርን ብምምጽኡ ኣብ ትርጕም ዘምጽኦ ለውጢ የለን።
1. ንጽሕት ድንግል - ድንግል ንጽሕት
2. ቅዱስ ብእሲ - ብእሲ ቅዱስ
3. ኄር ኖላዊ - ኖላዊ ኄር
4. ፀዐዳ ርግብ - ርግብ ፀዐዳ
5. . . .
ዘ፡ ዚአሁ፡ በእንቲአከ፡ . . .
1. ክርስቶስ ወረደ እምሰማይ ለመድኃኒተ ዚአሁ ለአዳም። / ክርስቶስ ንድኅነት ኣዳም ካብ ሰማይ ወረደ።
2. ተሰብአ እምድንግል ለመድኀኒተ ዚአነ። / ንድኅነትና ካብ ድንግል ሥጋ ለበሰ።
3. ኦ ክርስቶስ ዚአከ ሰማያት ወምድር።/ ኦ ክርስቶስ ሰማያትን ምድርን ናትካ እዩ።
4. ኦ ውሉድየ ዘዚአክሙ ዚአየ ውእቱ፣ ወዘዚአየ ዚአክሙ፡፡ /ኦ ደቀየ እቲ ናታትኩም ናተይ እዩ። እቲ ናተይ ከኣ ናታትኩም እዩ።
5. በእንቲአኪ ተርኅወ ገነት / ገነት ምእንታኪ ተከፈተ።
• ዘርዛሬ ቀጸላ ስም/ possessive adjective/pronoun
ቀዳማይ መደብ /First person
ዚአየ/እንቲአየ/እሊአየ ናተይ my/mine
ዚአነ/እንቲአነ/እሊአነ ናታትና our/ours
ኣገልግሎት መራሕያን ከም ተውላጠ ስም (ክንዲ ስም) ብኸምዚ ዝስዕብ ኣብነት ይግለጽ።
• ውእቱ አእመረ - ንሱ ፈለጠ
• ይእቲ አእመረት - ንሳ ፈለጠት
• ውእቶሙ አእመሩ - ንሳቶም ፈለጡ
• ውእቶን አእመራ - ንሳተን ፈለጣ
• አንተ አእመርከ - ንስኻ ፈለጥካ
• አንቲ አእመርኪ - ንስኺ ፈለጥኪ
• አንትሙ አእመርክሙ - ንስኻትኩም ፈለጥኩም
• አንትን አእመርክን - ንስኻትክን ፈለጥክን
• አነ አእመርኩ (ንተባዕታይን ኣንስታይን) - ኣነ ፈለጥኩ
• ንሕነ አእመርነ (ተባዕታይን ኣንስታይን) - ንሕና ፈለጥና
መርሐ /መራ/ ካብ ዝብል ግሥ ዝተረኽበ ክኸውን ከሎ፡ መራሕያን ዝብል ትርጕም ኣለዎ። ኣብ ልሳነ ግእዝ መራሕያን ዝበሃሉ ዓሠርተ እዮም።
ንሳቶም ኸኣ ፦
ልሳነ ግእዝ ንምምሃር እቶም ንልሳነ ግእዝ ዘቝሙ መሠረታውያን ዝኾኑ ክፍልታት ምፍላጥ ይግባእ። ንሳቶም ድማ፦
1. ስም
2. ተውላጠ ስም
3. ቅጽል
4. ግሲ
5. መስተዋድድ
6. መስተፃምር
7. ተውሳከ ግሲ
8. ቃለ ኣጋንኖ
ኣብ ሥርዓተ ንባብ ቋንቋ ግእዝ፡ እዞም ዚስዕቡ ነጥብታት ኣዝዮም ኣገደስቲ ስልቲ ኣናብባ ቋንቋ ግእዝ እዮም።
፩. ዚለዓል ቀለም
፪. ዚወድቕ ቀለም
፫. ዚወሓጥ ቀለም
፬. ሰያፍ ቀለም