ዘመነ ሊቃውንት፦ ርቱዕ ሃይማኖት ንምጽናዕ፡ ነቶም ኣንጻር ቤተ ክርስቲያን ዝኾኑ ከኣ ንምቅላዕን ንምግሣፅን ጽሑፋት ብግቡእ ዝተዳለውሉ፣ ብቝጽሪ ብዙኃን ዝኾኑ መናፍቓን ዝተንሥኡሉን ዓበይቲ ናይ መላእ ዓለም ሲኖዶሳውያን ኣኼባታት ዝተገብረሉን ዘመን እዩ።
እዚ ዘመን’ዚ ድኅሪ ናይ ነዊኅን መሪርን ዘመነ ሰማዕታት ዘሎ ጊዜ’ዩ። ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብፈቃደ እግዚአብሔር ብዘመነ ንጉሥ ቈስጠንጢኖስ ወልደ እሌኒ ንግሥት ኣብ መጀመርታ 4ይ ክፍለ ዘመን ዕረፍት ረኺባ ብኣዋጅ ዝሰኣነቶ ናጽነትን መሰልን ረኺባ፡ ኣብያተ ክርስቲያን ዝተኸፍተሉ ኣብያተ ጣዖታት ዝተዓጽውሉ፡ ሕዝበ ክርስቲያን ብናጽነት ሃይማኖቶም እናመስከሩ ዝነበርሉ ዘመን እዩ።
ዕንባቆም፦ ማለት ማእምር፡ ለባዊ ነባቢ ማለት እዩ። ካብ ነገደ ስምዖን ካብ ኣቦኡ ናኮርን ኣደኡ ሬፋን ተወልደ። ኣብ ዘመነ ሕዝቅያስ ዝተንሥአ ነቢይ እዩ።
እስራኤላውያን ተማሪኾም ኣብ ባቢሎን ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ነቢይ ዕንባቆም ኣብ ምድረ ይሁዳ ይምህር ነበረ። ነቢይ ዕንባቆም፡ ጸብሒ ኣብሲሉ እንጌራ ፈትፊቱ ነቶም ኣብ ግራት እኽሊ ዚዓጽዱ ዝነበሩ ሰባት ንኸብጽሓሎም ኂዝሎም ኪኸይድ ከሎ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ተገሊጹ፦ “ሰድ ዘንተ ምሳሐ ለዳንኤል እኁከ ዘሀሎ ውስተ ግበ ባቢሎን/ ነዚ ምሳሕ እዚ ናብቲ ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ ኣብ ባቢሎን ዘሎ ኃውኻ ዳንኤል ውሰዶ።” በሎ። ነቢይ ዕንባቆም ድማ “ ባቢሎንሃ ኢየአምር፡ ግበ አናብስትሂ ኢርኢኩ / ባቢሎን ኣበይ ከም ዘሎ ኣይፈልጦን እየ፣ ጕድጓድ ኣናብስት’ውን ኣይረኣኹን’’ በሎ። እቲ መልኣኽ ድማ ብጸጕሪ ርእሱ ኣንጠልጢሉ ከም ነፋስ እናፋጸየ ናብ ባቢሎን ኣብጽሖ። ናብቲ ጕድጓድ ኣናብስ ብዕጽዉ ኣትዩ ንነቢይ ዳንኤል ሂብዎ ከደ።
ነቢይ ማለት ፡ መንፈስ ትንቢት ኃዲርዎ ብዛዕባ ዚመጽእ ትንቢት ዚንበ፣ ብዛዕባ ዝኃለፈን ዚመጽእን ራእይ ዚርኢ፣ ብዛዕባ ግብረ እግዚአብሔር ኣብ ታሪኽ ዝትርኽ፣ ብዛዕባ ሕግን መንገድን ፍቕርን ጥበብን እግዚአብሔር ዝምህር፣ አፈ እግዚአብሔር ኮይኑ መልእኽቲ ዘመኃላልፍ መምህር ሰባኺ ማለት እዩ።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ነቢያት’ ብኸምዚ ዚስዕብ ይፍለጡ፦
• ዓበይትን ናኣሽቱን፡
• ናይ ቃልን ናይ ጽሑፍን፡
• ሓቀኛን ናይ ሓሶትን፡
• ኣወዳትን ኣዋልድን
• . . .
ሓደ ካብ 46 መጻሕፍተ ብሉያት ዝኾነ ትንቢተ ዮናስ እዩ። ናይዚ መጽሓፍ’ዚ ጸሓፊ ባዕሉ ነቢይ ዮናስ እዩ ዝብል ትውፊት ኣሎ።
ዮናስ፡ ማለት “ርግቢት ወይ ከኣ ለዋህ” ማለት እዩ። ሕፃን እንከሎ፡ ብነቢይ ኤልያስ ካብ ሞት ዝተንሥአ ወዲ ሰርፕታዊት ሰበይቲ እዩ። (1ይ ነገ. 17፡17-24) ብኣካልን ብጸጋን ምስ ዓበየ ድማ ኣብ 1200 ዓመት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ፡ ኣብ ዘመነ ንጉሥ ዓሞፅ ወዲ ምናሴ ሃብተ ትንቢት ተዋሂብዎ ዝንበ ነቢይ እግዚአብሔር ኮነ።
ዋላ እኳ ነቢይ ዮናስ እስራኤላዊ ነቢይ እንተኾነ ብትእዛዝ እግዚአብሔር ካብ ምድረ እስራኤል ወፃኢ ናብ ዝኾነት ከባቢ 120,000 ተቐማጦ ዝነበርዋ ናይ ኣሶራውያን ዓባይ ርእሰ ኸተማ ነነዌ ከይዱ ኣስተምሃረ።
* ኣስማት፦
ቅዱስ ዮሓንስ ብዙኅ ኣስማት መጸውዒ ዘለዎ ሐዋርያ እዩ።
1. ፍቁረ እግዚእ (ጐይታ ዝፈትዎ)፦ ብሕይወቱን ናብራኡን ንጐይታ ኪመስል ይጽዕር ስለዝነበረ ጐይታ ይፈትዎ ነበረ። ብትውፊት ቤተ ክርስቲያን ከም ዝንገር፡ ጐይታ ንመዕጠቒኡ ፈቲሑ ምስ ኣቐመጦ፡ ኣልዒሉ ብምዕጣቑ ፍትወት ሥጋዊ ወደማዊ ጠፊኡሉ፡ ናብራኡ ከም መላእኽቲ ኮይኑሉ እዩ።
2. ወልደ ዘብዴዎስ፦ ንዓቢይ ያዕቆብ ምንኣስ ኃዉ እዩ። ኣቦኦም ድማ ዘብዴዎስ ስለዝበሃል “ዮሐንስ ወልደ ዘብዴዎስ” ተባሂሉ ይጽዋዕ።
3. ወልደ ነጐድጓድ፦ ኣብ ጐይታና ብዘለዎ ኃያል ፍቕራዊ ቅንእን፡ ምስ ኃዉ ኾይኑ ብዘርኣዮ ናይ ኃይሊ ሥራሕን፡ ጐይታና ‘ወልደ ነጐድጓድ (ቦአኔርጌስ)’ ኢልዎ እዩ። (ማር. 3፦17፤ ሉቃ. 9፡49-54) ብተወሳኪ’ውን ብዕምቈት ትምህርቱ ንናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኃይልን ኣምላኽነትን ብምግላጽ ወልደ ነጐድጓድ ተባህለ።
“ጸሎትሰ ይእቲ ተናግሮተ ሰብእ ኀበ እግዚአብሔር ልዑል፦ ጸሎትስ ሰብ ምስ ልዑል እግዚአብሔር ዚዘራረበላ ነገር እያ” ከምዚበለ ፍት. መን. ዐን. 14። ጸሎት ብምስጋና፡ ልማኖን ዝማሬን ምስ እግዚአብሔር እንዘራረበሉ እዩ። ጸሎት ኃይሊ ኣጋንንቲ ኣድኪምና ካብ ፈተናን መከራን ንድኅን፤ ካብ እግዚአብሔር ዘድልየናን ዚጐደለናን ሓቲትና እንቕበለሉ (ማቴ. 7፡7) መንፈሳዊ ግብሪ እዩ።
ጸሎትና ፍጹም ቅቡልን መልሲ ዘምጽእን ኪኸውን ካብ ጥርጥር ዝረኃቐ። ብሓቅን እምነትን ዝማዕበለ። ትሕትና ዝመልአን ሓቀኛ ተስፋ ዝተዓጥቀን ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ሥርዓቱ ዚሓለወ ኪኸውን ኣለዎ፣ ንሎሚ ንዘራረበሉ ድማ ሓፈሻዊ ብዛዕባ ሥርዓተ ጸሎት ዘይኮነስ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ዝግበር ጸሎት ሥርዓት እዩ ኪኸውን፣ እግዚአብሔር ጥበቡን ምስትውዓሉን ይሃበና።
ጸሎት ምስ እግዚአብሔር ዘራኽበና መንገዲ እዩ። ስለዚ ሓደ ክርስቲያን ኵሉ ጊዜ ኺጽሊ ይግባእ። እዚ ማለት ድማ ኽንትንሥእን ክንድቅስን ክንበልዕን ክንሰትን ክንሠርሕን ከነዕርፍን ክንወፍርን ክንኣቱን ከሎና፡ ብጸሎት ስም እግዚአብሔር ጸዊዕና፡ ክግበረልና ብእንደልዮ ክንልምን፡ ብዝተገብረልና ኸነመስግን ክርስቲያናዊ ሕጊ እዩ።
ብንጹሕ ሕሊና ነቒሕናን ተጊህናን ክንጽሊ ከም ዝግብኣና ቕዱሳት መጻሕፍቲ ይነግሩና እዮም። በዚ መሠረት’ዚኻብ ጸሎት ዝተፈልየ ሕይወት ክህልወና ፍቓድ ኣምላኽ ኣይኮነን። ጸሎትና ኸምቲ ንበልዖ እንጌራን ንሰትዮ ማይን ዘየቋርጽ ኺኸውን ይግባእ። ክንጽሊ ዝመሃረና’ውን ባዕሉ ጐይትና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ቅዱስ ዳዊት’ውን “ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ጊዜ ኣመስግነካ ኣሎኹ።” ይብል።
እቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ኣዳም ምስ ተፈጥረ ንበይኑ ይነብር ነበረ። መፍቀሬ ሰብ እግዚአብሔር ድማ ጸገም ሰብ ፈሊጡ፡ “ሰብኣይ በይኑ ኺነብር ጽብቕ ኣይኮነን። ንእኡ እትሰማማዕ ደጋፊት ክገብረሉ እየ” ብምባል ካብኡ ዘይትፍለ ሓቢራቶ እትነብር ካብ ጎድኑ ንሔዋን ፈጠረሉ። ኣዳም’ውን “እዚኣ ዓጽሚ ኻብ ኣዕጽምተይ፡ ሥጋ ኸኣ ካብ ሥጋይ እያ ካብ ሰብኣይ ተወሲዳ እያ እሞ ሰበይቲ ትብሃል” ብምባል ተቐቢልዋ ከም ነፍሱ ይፈትዋ የኽብራ ነበረ። ኣብ ጊዜ ሓጐሱ ኣብ ገነት ከመኡ ኸኣ ኣብ ጊዜ ሽግሩ ኣብ ምድረ ፋይድ ምስ ሓንቲ ሔዋን ከይተፈላለየ ጸኒዑ ተረኽበ። ሔዋን’ውን ምስ ኣዳም ጸኒዓ ተረኽበት።
እግዚአብሔር ኵሉ ዝኽእል እኳ እንተኾነ ንሓደ ኣዳም ሓንቲ ሔዋን ንሓንቲ ሔዋን ውን ሓደ ኣዳም እዩ ፈጢሩ። (ዘፍ. 2፡20-25)። ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ነዚ ሕጊ እዚ ደጊሙ ኸጽንዖ ኸሎ፦ “እቲ ኻብ መጀመርታ ዝፈጠረ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም። ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣደኡን ኃዲጉ ምስ ሰበይቱ ይዋሓድ፡ ክልቲኦም ድማ ሓደ ኣካል ይኾኑ።
“ኣነ ኸኣ ክሰግደሉ ኢለ ናብ ቅድሚ ኣእጋሩ ፍግም በልኩ፡ ንሱ ድማ ኸይትገብሮ ተጠንቀቕ፡ ምስክር ኢየሱስ እቲ መንፈስ ትንቢት እዩ’ሞ ኣነስ ከማኻን ከምቶም ምስክር ኢየሱስ ዚኅዙ ዘለዉ ኣኅዋትካን ባርያ እየ፡ ንኣምላኽካ ስገድ በለኒ” ራእ. ዮሓ. 19፡10
ብመሠረቱ እዚ ጥቕሲ’ዚ ንመላእኽቲ ናይ ጸጋ ስግደት ከም ዚግባእ ዚገልጽ ደኣ እምበር ዚቓወም ኣይኮነን። ፍቁረ እግዚእ ቅዱስ ዮሓንስ ነቲ መልኣኽ ምስጋዱ ከይፈለጠን ከይተረድአን ኣይኮነን። ጥበብን ምስትውዓልን ጸጋ ፍልጠትን ዚዕድል መንፈስ ቅዱስ ዝኃደሮን ብዛዕባ ምሥጢረ መለኮት ዝተዛረበን ብምዃኑ ብጌጋ እዩ ንመልኣኽ ሰጊዱ ምባል ዕሽነት ጥራይ ዘይኮነ ክሕደት’ውን እዩ።
እቲ መልኣኽ ንቕዱስ ዮሓንስ ‘ኣይትስገደለይ’ ዝበሎ ብሠለስተ ምኽንያት እዩ።
‘ስግደት’ ካብ ‘ሰገደ’ ዝብል ግእዛዊ ግሢ ዝወፀ ቃል ኮይኑ ምድናን፡ ምንብርካኽ፡ ድፍእ ምባል፡ ደኒንካ ብግንባርካ መሬት ስዒምካ ምምላስ . . . ማለት እዩ።
• ስግደት፡ ሠለስተ ዓይነት እዩ፦
ሀ) ሰጊድ፥ ናብ ምድሪ ወዲቕካ ብግንባርካ ምድሪ ተንኪፍካ ምትንሣእ እዩ።
ለ) ኣስተብርኮ ፥ ብብርክኻ ምድሪ ተንኪፍካ ምትንሣእ እዩ።
ሐ) ኣድንኖ ፥ ርእስኻ ትሕት ኣቢልካ ኢድ ምንሣእ እዩ።