ዘመነ ሊቃውንት፦ ርቱዕ ሃይማኖት ንምጽናዕ፡ ነቶም ኣንጻር ቤተ ክርስቲያን ዝኾኑ ከኣ ንምቅላዕን ንምግሣፅን ጽሑፋት ብግቡእ ዝተዳለውሉ፣ ብቝጽሪ ብዙኃን ዝኾኑ መናፍቓን ዝተንሥኡሉን ዓበይቲ ናይ መላእ ዓለም ሲኖዶሳውያን ኣኼባታት ዝተገብረሉን ዘመን እዩ።

እዚ ዘመን’ዚ ድኅሪ ናይ ነዊኅን መሪርን ዘመነ ሰማዕታት ዘሎ ጊዜ’ዩ። ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብፈቃደ እግዚአብሔር ብዘመነ ንጉሥ ቈስጠንጢኖስ ወልደ እሌኒ ንግሥት ኣብ መጀመርታ 4ይ ክፍለ ዘመን ዕረፍት ረኺባ ብኣዋጅ ዝሰኣነቶ ናጽነትን መሰልን ረኺባ፡ ኣብያተ ክርስቲያን ዝተኸፍተሉ ኣብያተ ጣዖታት ዝተዓጽውሉ፡ ሕዝበ ክርስቲያን ብናጽነት ሃይማኖቶም እናመስከሩ ዝነበርሉ ዘመን እዩ።

ዕንባቆም፦ ማለት ማእምር፡ ለባዊ ነባቢ ማለት እዩ። ካብ ነገደ ስምዖን ካብ ኣቦኡ ናኮርን ኣደኡ ሬፋን ተወልደ። ኣብ ዘመነ ሕዝቅያስ ዝተንሥአ ነቢይ እዩ።

እስራኤላውያን ተማሪኾም ኣብ ባቢሎን ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ነቢይ ዕንባቆም ኣብ ምድረ ይሁዳ ይምህር ነበረ። ነቢይ ዕንባቆም፡ ጸብሒ ኣብሲሉ እንጌራ ፈትፊቱ ነቶም ኣብ ግራት እኽሊ ዚዓጽዱ ዝነበሩ ሰባት ንኸብጽሓሎም ኂዝሎም ኪኸይድ ከሎ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ተገሊጹ፦ “ሰድ ዘንተ ምሳሐ ለዳንኤል እኁከ ዘሀሎ ውስተ ግበ ባቢሎን/ ነዚ ምሳሕ እዚ ናብቲ ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ ኣብ ባቢሎን ዘሎ ኃውኻ ዳንኤል ውሰዶ።” በሎ። ነቢይ ዕንባቆም ድማ “ ባቢሎንሃ ኢየአምር፡ ግበ አናብስትሂ ኢርኢኩ / ባቢሎን ኣበይ ከም ዘሎ ኣይፈልጦን እየ፣ ጕድጓድ ኣናብስት’ውን ኣይረኣኹን’’ በሎ። እቲ መልኣኽ ድማ ብጸጕሪ ርእሱ ኣንጠልጢሉ ከም ነፋስ እናፋጸየ ናብ ባቢሎን ኣብጽሖ። ናብቲ ጕድጓድ ኣናብስ ብዕጽዉ ኣትዩ ንነቢይ ዳንኤል ሂብዎ ከደ።

ነቢይ ማለት ፡ መንፈስ ትንቢት ኃዲርዎ ብዛዕባ ዚመጽእ ትንቢት ዚንበ፣ ብዛዕባ ዝኃለፈን ዚመጽእን ራእይ ዚርኢ፣ ብዛዕባ ግብረ እግዚአብሔር ኣብ ታሪኽ ዝትርኽ፣ ብዛዕባ ሕግን መንገድን ፍቕርን ጥበብን እግዚአብሔር ዝምህር፣ አፈ እግዚአብሔር ኮይኑ መልእኽቲ ዘመኃላልፍ መምህር ሰባኺ ማለት እዩ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ነቢያት’ ብኸምዚ ዚስዕብ ይፍለጡ፦

• ዓበይትን ናኣሽቱን፡
• ናይ ቃልን ናይ ጽሑፍን፡
• ሓቀኛን ናይ ሓሶትን፡
• ኣወዳትን ኣዋልድን
• . . .

ሓደ ካብ 46 መጻሕፍተ ብሉያት ዝኾነ ትንቢተ ዮናስ እዩ። ናይዚ መጽሓፍ’ዚ ጸሓፊ ባዕሉ ነቢይ ዮናስ እዩ ዝብል ትውፊት ኣሎ።

ዮናስ፡ ማለት “ርግቢት ወይ ከኣ ለዋህ” ማለት እዩ። ሕፃን እንከሎ፡ ብነቢይ ኤልያስ ካብ ሞት ዝተንሥአ ወዲ ሰርፕታዊት ሰበይቲ እዩ። (1ይ ነገ. 17፡17-24) ብኣካልን ብጸጋን ምስ ዓበየ ድማ ኣብ 1200 ዓመት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ፡ ኣብ ዘመነ ንጉሥ ዓሞፅ ወዲ ምናሴ ሃብተ ትንቢት ተዋሂብዎ ዝንበ ነቢይ እግዚአብሔር ኮነ።

ዋላ እኳ ነቢይ ዮናስ እስራኤላዊ ነቢይ እንተኾነ ብትእዛዝ እግዚአብሔር ካብ ምድረ እስራኤል ወፃኢ ናብ ዝኾነት ከባቢ 120,000 ተቐማጦ ዝነበርዋ ናይ ኣሶራውያን ዓባይ ርእሰ ኸተማ ነነዌ ከይዱ ኣስተምሃረ።

  * ኣስማት፦

ቅዱስ ዮሓንስ ብዙኅ ኣስማት መጸውዒ ዘለዎ ሐዋርያ እዩ።
1. ፍቁረ እግዚእ (ጐይታ ዝፈትዎ)፦ ብሕይወቱን ናብራኡን ንጐይታ ኪመስል ይጽዕር ስለዝነበረ ጐይታ ይፈትዎ ነበረ። ብትውፊት ቤተ ክርስቲያን ከም ዝንገር፡ ጐይታ ንመዕጠቒኡ ፈቲሑ ምስ ኣቐመጦ፡ ኣልዒሉ ብምዕጣቑ ፍትወት ሥጋዊ ወደማዊ ጠፊኡሉ፡ ናብራኡ ከም መላእኽቲ ኮይኑሉ እዩ።
2. ወልደ ዘብዴዎስ፦ ንዓቢይ ያዕቆብ ምንኣስ ኃዉ እዩ። ኣቦኦም ድማ ዘብዴዎስ ስለዝበሃል “ዮሐንስ ወልደ ዘብዴዎስ” ተባሂሉ ይጽዋዕ።
3. ወልደ ነጐድጓድ፦ ኣብ ጐይታና ብዘለዎ ኃያል ፍቕራዊ ቅንእን፡ ምስ ኃዉ ኾይኑ ብዘርኣዮ ናይ ኃይሊ ሥራሕን፡ ጐይታና ‘ወልደ ነጐድጓድ (ቦአኔርጌስ)’ ኢልዎ እዩ። (ማር. 3፦17፤ ሉቃ. 9፡49-54) ብተወሳኪ’ውን ብዕምቈት ትምህርቱ ንናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኃይልን ኣምላኽነትን ብምግላጽ ወልደ ነጐድጓድ ተባህለ።

“ጸሎትሰ ይእቲ ተናግሮተ ሰብእ ኀበ እግዚአብሔር ልዑል፦ ጸሎትስ ሰብ ምስ ልዑል እግዚአብሔር ዚዘራረበላ ነገር እያ” ከምዚበለ ፍት. መን. ዐን. 14። ጸሎት ብምስጋና፡ ልማኖን ዝማሬን ምስ እግዚአብሔር እንዘራረበሉ እዩ። ጸሎት ኃይሊ ኣጋንንቲ ኣድኪምና ካብ ፈተናን መከራን ንድኅን፤ ካብ እግዚአብሔር ዘድልየናን ዚጐደለናን ሓቲትና እንቕበለሉ (ማቴ. 7፡7) መንፈሳዊ ግብሪ እዩ።
ጸሎትና ፍጹም ቅቡልን መልሲ ዘምጽእን ኪኸውን ካብ ጥርጥር ዝረኃቐ። ብሓቅን እምነትን ዝማዕበለ። ትሕትና ዝመልአን ሓቀኛ ተስፋ ዝተዓጥቀን ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ሥርዓቱ ዚሓለወ ኪኸውን ኣለዎ፣ ንሎሚ ንዘራረበሉ ድማ ሓፈሻዊ ብዛዕባ ሥርዓተ ጸሎት ዘይኮነስ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ዝግበር ጸሎት ሥርዓት እዩ ኪኸውን፣ እግዚአብሔር ጥበቡን ምስትውዓሉን ይሃበና።

ጸሎት

Mar 17, 2017

ጸሎት ምስ እግዚአብሔር ዘራኽበና መንገዲ እዩ። ስለዚ ሓደ ክርስቲያን ኵሉ ጊዜ ኺጽሊ ይግባእ። እዚ ማለት ድማ ኽንትንሥእን ክንድቅስን ክንበልዕን ክንሰትን ክንሠርሕን ከነዕርፍን ክንወፍርን ክንኣቱን ከሎና፡ ብጸሎት ስም እግዚአብሔር ጸዊዕና፡ ክግበረልና ብእንደልዮ ክንልምን፡ ብዝተገብረልና ኸነመስግን ክርስቲያናዊ ሕጊ እዩ።

ብንጹሕ ሕሊና ነቒሕናን ተጊህናን ክንጽሊ ከም ዝግብኣና ቕዱሳት መጻሕፍቲ ይነግሩና እዮም። በዚ መሠረት’ዚኻብ ጸሎት ዝተፈልየ ሕይወት ክህልወና ፍቓድ ኣምላኽ ኣይኮነን። ጸሎትና ኸምቲ ንበልዖ እንጌራን ንሰትዮ ማይን ዘየቋርጽ ኺኸውን ይግባእ። ክንጽሊ ዝመሃረና’ውን ባዕሉ ጐይትና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ቅዱስ ዳዊት’ውን “ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ጊዜ ኣመስግነካ ኣሎኹ።” ይብል።

እቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ኣዳም ምስ ተፈጥረ ንበይኑ ይነብር ነበረ። መፍቀሬ ሰብ እግዚአብሔር ድማ ጸገም ሰብ ፈሊጡ፡ “ሰብኣይ በይኑ ኺነብር ጽብቕ ኣይኮነን። ንእኡ እትሰማማዕ ደጋፊት ክገብረሉ እየ” ብምባል ካብኡ ዘይትፍለ ሓቢራቶ እትነብር ካብ ጎድኑ ንሔዋን ፈጠረሉ። ኣዳም’ውን “እዚኣ ዓጽሚ ኻብ ኣዕጽምተይ፡ ሥጋ ኸኣ ካብ ሥጋይ እያ ካብ ሰብኣይ ተወሲዳ እያ እሞ ሰበይቲ ትብሃል” ብምባል ተቐቢልዋ ከም ነፍሱ ይፈትዋ የኽብራ ነበረ። ኣብ ጊዜ ሓጐሱ ኣብ ገነት ከመኡ ኸኣ ኣብ ጊዜ ሽግሩ ኣብ ምድረ ፋይድ ምስ ሓንቲ ሔዋን ከይተፈላለየ ጸኒዑ ተረኽበ። ሔዋን’ውን ምስ ኣዳም ጸኒዓ ተረኽበት።

እግዚአብሔር ኵሉ ዝኽእል እኳ እንተኾነ ንሓደ ኣዳም ሓንቲ ሔዋን ንሓንቲ ሔዋን ውን ሓደ ኣዳም እዩ ፈጢሩ። (ዘፍ. 2፡20-25)። ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ነዚ ሕጊ እዚ ደጊሙ ኸጽንዖ ኸሎ፦ “እቲ ኻብ መጀመርታ ዝፈጠረ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም። ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣደኡን ኃዲጉ ምስ ሰበይቱ ይዋሓድ፡ ክልቲኦም ድማ ሓደ ኣካል ይኾኑ።

“ኣነ ኸኣ ክሰግደሉ ኢለ ናብ ቅድሚ ኣእጋሩ ፍግም በልኩ፡ ንሱ ድማ ኸይትገብሮ ተጠንቀቕ፡ ምስክር ኢየሱስ እቲ መንፈስ ትንቢት እዩ’ሞ ኣነስ ከማኻን ከምቶም ምስክር ኢየሱስ ዚኅዙ ዘለዉ ኣኅዋትካን ባርያ እየ፡ ንኣምላኽካ ስገድ በለኒ” ራእ. ዮሓ. 19፡10

ብመሠረቱ እዚ ጥቕሲ’ዚ ንመላእኽቲ ናይ ጸጋ ስግደት ከም ዚግባእ ዚገልጽ ደኣ እምበር ዚቓወም ኣይኮነን። ፍቁረ እግዚእ ቅዱስ ዮሓንስ ነቲ መልኣኽ ምስጋዱ ከይፈለጠን ከይተረድአን ኣይኮነን። ጥበብን ምስትውዓልን ጸጋ ፍልጠትን ዚዕድል መንፈስ ቅዱስ ዝኃደሮን ብዛዕባ ምሥጢረ መለኮት ዝተዛረበን ብምዃኑ ብጌጋ እዩ ንመልኣኽ ሰጊዱ ምባል ዕሽነት ጥራይ ዘይኮነ ክሕደት’ውን እዩ።
እቲ መልኣኽ ንቕዱስ ዮሓንስ ‘ኣይትስገደለይ’ ዝበሎ ብሠለስተ ምኽንያት እዩ።

‘ስግደት’ ካብ ‘ሰገደ’ ዝብል ግእዛዊ ግሢ ዝወፀ ቃል ኮይኑ ምድናን፡ ምንብርካኽ፡ ድፍእ ምባል፡ ደኒንካ ብግንባርካ መሬት ስዒምካ ምምላስ . . . ማለት እዩ።

• ስግደት፡ ሠለስተ ዓይነት እዩ፦
ሀ) ሰጊድ፥ ናብ ምድሪ ወዲቕካ ብግንባርካ ምድሪ ተንኪፍካ ምትንሣእ እዩ።
ለ) ኣስተብርኮ ፥ ብብርክኻ ምድሪ ተንኪፍካ ምትንሣእ እዩ።
ሐ) ኣድንኖ ፥ ርእስኻ ትሕት ኣቢልካ ኢድ ምንሣእ እዩ።

ዘመነ ማቴዎስ 30 ጥር 2013 ዓ.ም.ግ…

March
Monday
8
ዝክር፦ ጲስ ወአላጲስ ወኣጋጲስ ወእሞን ሶፍያ፡ ወጳላግያ ወማርያ ወማርታ፡ ወኦርኒ ወማኅበራኒሃ፡ ወጎርጎርዮስ ነባቤ መለኮት፡ ወአክርስጥሮስ፡ ወሚናስ ሊቀ ጳጳሳት እምኍልቆሙ ለ፵ወ፯ቱ አበው። ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት 1ይ ቆሮ. 11፡1-12። 1ይዮሐ. 3፡13-17። ግብረ ሓዋርያት ግብ. ሐዋ. 17፡4-12 ምስባክ መዝ.111/112 ወንጌል ማቴ. 25፡1-13። ቅዳሴ ዘእግዝእትነ ማርያም። * * *
00:00 h

  

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ንዑ ደቂቅየ ወስምዑኒ . . እመሀርክሙ - ታሪክ ሰብአ ነነዌ…

እግዚአብሔር ዝፈትወኩም ሕፃናት ከመይ ኣሎኹም፧ ናብዚ ሰዓትን እዝን ዕለትን ብሰላም ዘብጸሓና እግዚአብሔር ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን። ልበ ኣምላክ ኣቦና ቅዱስ ዳዊት...

“ቀድሱ ጾመ ወስብኩ ምህላ” (ኢዩ. 2፡14) - ዓቢይ ጾም

ብኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሕገ ቀኖና ኣብ ዓመት ፯/7ተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ኣለዉ። ካብዚኦም ሓደ ዓቢይ ጾም (ጾመ ፵/40) እዩ።...

ትሕትና - “ኣብ ነፍስኹም ጨው ይሃልኹም” ማር. 9፡48 (ካልኣይ ክፋል)

ትሕትና ማለት ብኃይሊ፡ ምሕረት፡ ጸጋ ፡ ጥበብን ፍቓድን እግዚአብሔር እንተዘይኮይኑ ከንቱ ምዃንካ ፈሊጥካ፡ ንርእስኻ ምትሓት፡ ዘይምዕባይን ዘይምኽራዕን እዩ። እትፈልጥ ከሎኻ...

ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ ልምዓታዊ መደባት ንምስላጥ ዑደት ተኻይዱ!

ብዕለት 15 የካቲት 2013 ዓ.ም.ግ (22/02/2021 ዓ.ም.ፈ ) ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ ንልምዓታዊ መደባት ዝረድእ ዑደት ብኣባላት ቤት ጽሕፈት...

ክብረ በዓል ኪዳነ ምሕረት ኣብ ርያድ ስዑዲ ዓረብ ብድምቀት ተኸቢሩ!

16 የካቲት 2013 ዓ.ም. ዓመታዊ ክብረ በዓል ኪዳነ ምሕረት ኣብ ኵለን ኦርቶዳክሳውያን ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ውሽጢን ወፃኢን ሃገር ክኽበር...

ኣብ ጥንታዊ ቤተ ክርስቲያን ፃዕዳ ክርስቲያን ጥንታዊ ቅርሲ ተረኺቡ!

ኣብ ሃገረ ስብከት ማእከል ንኡስ ሃገረ ስብከት በሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኪዳነ ምሕረት ፃዕዳ ክርስቲያን ጥንታዊ ቅርሲ ተረኺቡ።

ኣብ ደብረ ደናግል ቅድስት ድምያና ኣብ ኣሞክሮ ዝጸንሓ ሾብዓተ ኣኃት…

ብዕለት 13 የካቲት 2013 ዓ.ም. ኣብ ደብረ ደናግል ሰማዕት ቅድስት ድምያና ብኣቕራብነት እመምኔት ገዳም ኢታይ ወለተ መስቀልን ሽማግለ ገዳምን፡ ዓቃቤ...

ኪዳነ ምሕረት

ኪዳን ፦ “ተካየደ” ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሢ ዝወፅአ ኾይኑ፡ “ተመሓሓለ፡ ተሰማምዐ፡ ተወዓዓለ” ማለት እዩ። ኪዳን፥ ንኽልተ ሓደ ዝገብር ናይ ፍቕርን...

“ዝደለይዎ ዝረኸቡ” - ሕዝበ ነነዌ

እቲ ክቡር ንጉሥ፡ መልእኽቲ ጥፍኣት ሃገሩ ምስ ሰምዐ ፈርሐን ረዓደን። ነዚ መልእኽቲ ብግብሪ እንተዘይፈጺምዎ፡ ሃገሩ ከምዘይነበረት ከም እትከውን፡ ካብ ሰብ...

ዕለታት ጾመ ነነዌ

ጾመ ነነዌ ሓደ ካብቶም 7ተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ቤተ ክርስቲያን እዩ። ጾመ ነነዌ ኵል ሳዕ ዓቢይ ጾም ቅድሚ ምእታዉ ቅድሚ...

እንቋዕ ናብ ጾመ ነነዌ ኣብጽሓና፦ ሰኑይ 15 መጋቢት ክሳዕ ረቡዕ…

ጾመ ነነዌ ሓደ ካብቶም ሾብዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት እዩ። ኣብ ነነዌ ዝቕመጡ ዝነበሩ ሕዝቢ ጾይሞም ምሕረት ከምዝረኸቡ፡ ሕዝበ ክርስቲያን ድማ...

ዓቢይ ባሕታዊ ገዳም ኣቡነ ሊባኖስ ሃም ኣባ ኃይለማርያም ብሰላም ዓሪፎም!

ባሕታዊ ገዳም ደብረ ወርቅ ኣቡነ ሊባኖስ ኣባ ኃይለማርያም ብዕለት 09 የካቲት 2013 ዓ.ም. ዓሪፎም፡ ኣብ ገዳሞም ሥርዓተ ቀብር ተፈጺምሎም።

  

latest articles

PRAYER

Prayer is a word by which man communicates with his Creator in Faith, thanking and beseeching Him for the forgiveness...

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...