ተፈጥሮ ሰብ፡ ኣብ መወዳእታ ድኅሪ ኵሎም 21 ፍጥረታትን መበል ራብዓይ ፍጥረት ናይ ዕለተ ዓርብን ዝኾነ ሰብ እዩ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ “ንግበር ሰብአ በአርአያነ ወበአምሳሊነ/ ብመልክዕናን ብምስልናንን ሰብ ንፍጠር” ብምባል ፈጠረ። ድኅሪ ኵሎም ዝፈጠረሉ ምኽንያት ከምቲ ለዋህ ወላዲ ንውላዱ ኣቐዲሙ ንመጻኢ መነባብሮኡ ዘዳልወሉ፡ እግዚኣብሔር ድማ ነቲ ኣዝዩ ዘፍቅሮ ሰብ ኵሉ ዘድልዮ ኣቐዲሙ ምስ ፈጠረ ፈጠሮ ።
“ወይቤ እግዚአብሔር ለታውፅእ ምድር ዘመደ እንስሳ፡ ወዘይትሐወስ ወአራዊተ ምድር በበዘመዶሙ”
ዕለተ ዓርቢ ንፍጥረት ሻዱሻይ መዓልቲ ኮይኑ ናይ መወዳእታ ዕለተ ፍጥረት እዩ። በዚ ዕለት’ዚ ኣብ የብስ ንቑጽ ምድሪ ዝነብሩ ኣርባዕተ ፍጥረታት ተፈጥሩ። ብመጀመርታ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንምድሪ ሕይወት ዘለዎ በብዓይነቱ ፍጥረት ተውፅእ ምስ በለ ብኸብዶም ዝሰሓቡ፡ ብእግሮም ዝኸዱ፡ ብኽንፎም ዝበሩ፡ ብደመ ነፍስ ሕያዋን ኮይኖም ዝንቀሳቐሱ፣ ካብ ኣርባዕተ ባህርያተ ሥጋ፡ ሠለስተ ዓይነት ፍጥረታት ተፈጥሩ። ንዅሎም ድማ ተባዕታይን ኣንስታይን ገይሩ ፈጠሮም። (ዘፍ 1፡24)
ኃሙስ፥ ካብ ‘ኀመሰ’ ዝብል ግእዛዊ ግሢ ዝወፀ ኮይኑ ‘ኃሙሻይ’ ማለት እዩ። ኣብ ኃሙሻይ መዓልቲ ናይ ሥነ ፍጥረት ካብ ደመ ነፍስ ዘይብላ ባሕሪ ብደመ ነፍስ ሕያዋን ዝኾኑ ፍጥረታት ተፈጥሩ። አምጻኤ ዓለማት ፈጣሬ ፍጥረት እግዚአብሔር ኣብ ኃሙሻይ መዓልቲ ብቀዳመይቲ ሰዓት ለይቲ “ለታውፅእ ማይ ዘይትሐወስ ዘቦ መንፈሰ ሕይወት፡ ወአዕዋፈ ዘይሠርሩ መልዕልተ ምድር ወመትሕተ ሰማይ፡ ወኮነ ከማሁ/ ማያት ደመ ነፍስ ዘለዎ ተንቀሳቃሲ ፍጥረት ተውፅእ በለ። እንሆ ድማ ብደመ ነፍሲ ሕያዋን ኮይኖም ዘስተንፍሱ ሠለስተ ዓይነታት ፍጥረት ካብ ማይ (ባሕሪ) ፈጠረ። ጽቡቕ ከም ዝኾነ ረኣየ እሞ ‘ፍረዩን ተባዝኁን ንማያት ባሕሪ ምልእዎ፡ ኣዕዋፍ ከኣ ኣብ ምድሪ ብዝኃ’ ኢሉ ባረኾም። (ዘፍ. 1፡20-23)
“ብመዓልቲ ክሕጐስ ፀሓይ ኣብራህካሉ፣ ጸልማት ለይቲ ንኸይደፍኖ ንወርኂ ኣብራህካሉ፣ ግብሪ ኣእዳውካ ምእንቲ ኽፈልጥ ከዋኽብቲ ኣድመቕካሉ፣ ምእንቲ ክግዘኣካ መዓልታትን ዓመታትን ዘመናትን ሃብካዮ” (ቅዳሴ አትና. ቍ. 24)
“ረቡዕ” ማለት ንፍጥረት ራብዓይ መዓልቲ ማለት’ዩ። በዚ ዕለት’ዚ ፀሓይ፡ ወርኂን ከዋኽብትን ፈጠረ። (ዘፍ. 1፡14-16) “ወገብረ እግዚአብሔር ብርሃናተ ዓበይተ ዘየዓቢ ብርሃን ከመ ይምልክ መዓልተ፣ ወዘይንእስ ብርሃን ከመ ይምልክ ሌሊተ ምስለ ከዋክብት/ እግዚአብሔር ዓበይቲ ብርሃናት ፈጠረ፡ እቲ ዓቢይ ብርሃን ብመዓልቲ፡ እቲ ንእሽቶ ድማ ምስ ከዋኽብቲ ብለይቲ ከምዘብርሁ ገበረ።” ከምዝብል ኣብዚ ዓለም ከኣ ንፀሓይ ብመዓልቲ፡ ንወርኅን ከዋኽብትን ድማ ብለይቲ ኣሠልጠነን።
ሠሉስ ንፍጥረት ሣልሳይ መዓልቲ እዩ። በዚ ዕለት’ዚ ሠለስተ ፍጥረታት ማለት ኣዝርእትን ኣትክልትን ኣእዋምን ተፈጥሩ።
ዕለር ሠሉስ ብመጀመርታ ሰዓት ለይቲ ሣልሳይ ኣፍ ማይ ተኸፊሉ ኣብዚ ዓለም መሊኡ ኃዲሩ ነበረ እሞ፡ “ኣምላኽ ድማ ‘እቲ ንቝጽ መሬት ምእንቲ ኽረአ እቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ማያት ናብ ሓንቲ ቦታ ይተኣከብ” በለ። ከምኡ ድማ ኾነ። ኣምላኽ ነቲ ንቝጽ መሬት “ምድሪ” ኢሉ ሰመዮ። ነቲ እኩብ ማያት ድማ “ባሕሪ” ኢሉ ሰመዮ። (ዘፍ. 1፡9-10)
ኣምላኽ ድማ ንማያት ካብ ማያት ዚፈሊ ጠፈር ኣብ መንጎ ማያት ይኹን በለ፡ ከምኡ’ውን ኮነ (ዘፍ.1፡6)
ሰኑይ መዓልቲ ብመጀመርታ ሰዓት ካብ ምድሪ ኂዙ ክሳብ ብሩህ ሰማይ ማይ መሊኡ ኃዲሩ ነበረ’ሞ ኣብ ሠለስተ ኸፈሎ፡ ሓደ ኢድ ኣብዚ ዓለም’ዚ ኣስፈሮ(ውቅያኖስ)፣ ሓደ ኢድ ከኣ ልዕሊ እዚ ዝረኣየና ሰማይ ኣስፈሮ ንሱ ድማ ኃኖስ ይበሃል፣ ሓደ ኢድ ከኣ “ለይኩን ጠፈር ማእከለ ማይ” ኢሉ ኣብ ማእከል ኣቖሞ፡ እዚ ንርእዮ ሰማይ ጠፈር ማይ እዩ።
‘እሑድ’፡ ካብ አሐደ ዝብል ግእዛዊ ግሢ ዝወፅአ ኮይኑ ‘ቀዳማይ፡ መጀመርታ’ ማለት እዩ። እግዚአብሔር፡ ንፍጥረታቱ ኪፈጥር ዝጀመረሉ ዕለት ብምዃኑ ቀዳማይ መዓልቲ ተባህለ። (ራእ. 4፡11) በዛ ዕለት’ዚኣ ሸሞንተ ፍጥረታት ፈጠረ። ንሳቶም ከኣ፦ ሓዊ፡ ነፋስ፡ ማይ፡ ሓመድ(መሬት)፡ ጸልማት፡ ሰማያት፡ መላእኽቲ፡ ብርሃን እዮም። (ዘፍ. 1፡1)
• ኣብ ቀዳማይ ሰዓት ናይ ለይቲ ነቶም ናይ ሥነ ፍጥረት መሠረታውያን ዝኾኑ ኣርባዕተ ባህርያተ ከምኡ’ውን ኃሙሻይ ጽልመት ካብ ዘይምህላው ናብ ምህላው ኣምጺኡ ፈጠሮም። እቶም ኣርባዕተ ባህርያት ዝበሃሉ መሬት፡ ሓዊ፡ ማይ፡ ነፋስ ነቲ ባህሪኡ ንምግላጽን መርሚርና ንኽንፈልጥን ፈጠሮም። (ኢዮ. 12፡7-10) እዚ ድማ ፦
1. ሓድነቱን ሠለስትነቱን ንምግላጽ ፈጠሮም፦ እዞም ኣርባዕተ ባህርያት ሠለስተ ጠባያት እኳ እንተለዎም ብባህሪኦም ይጽውዑ። እግዚአብሔር ድማ ብስም፡ ብግብሪ፡ ብኣካል እኳ ሠለስተ እንተኾነ ብባህርይ፡ ብመለኮት፡ ብሥልጣን፡ . . . ግና ሓደ እዩ።
2. ሃብቱን ርኅራኄኡን ኃይሉን ክእለቱን ንምግላጽ ፈጠሮም፦
ኦ ድንግል በመኑ ወበአምሳሉ መኑ ናስተማስለኪ!/ ኦ ድንግል ብምንታይን መን ብዝመሰሎን ክንምስለኪ ኢና!
ብዛዕባ ኣዴና ቅድስት ድንግል ብቐዳሞት ኣቦታት ካብ ዝቐረቡ ኅብረ ኣምሳል፡ ቅጽል፡ ምስጋናታት . . . ፦
• አክለለ ምክሕነ፡ ኣክሊል ትምክሕትና፡
• መሠረተ ንጽሕነ፡ መሠረት ንጽሕናና
• ሰዋስው፡ መሳልል
• ማኅደረ መለኮት፡ መኅደሪት መለኮት
• ገራህት፡ ዘርኢ ዘይወደቓ ግራት
• ኃሤቶሙ ለመላእክት፡ ንመላእክት ሓጐሶም
ምስጋና ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ምስጋና ኽልተ ዓይነት እዩ፦ እዚ’ውን ንፈጣሪ እግዚአብሔር ንበይኑ ዝቐርብ ናይ ኣምልኾን ናይ ባህርይን ምስጋና ከምኡ’ውን ንቅዱሳን ዝቐርብ ናይ ጸጋ ምስጋና እዩ። ንቅድስተ ቅዱሳን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ናይ ጸጋ ምስጋና ይግብኣ።
ናታ ምስጋና ንጐይታ ድኅሪ ምውላዳ ዝጀመረ ዘይኮነስ ካብ ዘመነ ብሉይ ጀሚሩ ብኅብረ ምሳሌን ትንቢትን እናተተኃኃዘ ዝመጸ እዩ።
ደመና ኤልያስ
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንዝተነግሩ ምሳሌታት ምምርማርን ንናይ አበው ትርጕም ምስትውዓልን ጥበብ እዩ። ሓደ ካብ ምሳሌታት ድማ “ ደመና ኤልያስ ” ዝብል እዩ።
“ኤልያስ ድማ ናብ ርእሲ ቀርሜሎስ ደየበ። ናብ ምድሪ ሰጊዱ ኸኣ ገጹ ኣብ መንጐ ኣብራኹ ገበረ። ነቲ ጊልያኡ ድማ ደዪብኻ ናብ ባሕሪ ኣቢልካ ኣማዕዱ በሎ። ደዪቡ ኣማዕዲዩ ኸኣ ገለ እኳ የልቦን በለ።