ናይዚ ዓመት ፈላማዊ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ተቓኒዑ!
ብዕለት 19 መስከረም 2012 ዓ.ም. ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣብ ዝገበሮ ፈላሚ ጉባኤኡ ስፍሕ ኣብ ዝበሉን ዓበይቲ ጉዳያትን ውሳነታት ብምኅላፍ ዛዚሙ።
ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ብጉዳይ ምቋም ኣርቃቒ ኮሚቴ ሕጊ ምርጫ ፓትርያርክ፣ ጸብጻብ ዑደት ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ኣውስትራልያን ኒውዝላንድን፡ ቀጻሊ ዑደታት ልኡኻን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ካልኦት ሃገራትን፡ ምቋምን ምጽዳቕን መምርሒ ሥራሕ ቤት ጽሕፈት ነጋድያን ቅዱሳት መካናት፣ ምኅያል ወፃኢ ዝምድናታት ቤተ ክርስቲያን፣ ሥርዓተ ትምህርቲ ትምህርቲ ሰንበት፣ ጊዜያዊን ተወሳኺን ምደባ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ሃገረ ስብከታት ውሽጢ ሃገር፣ . . . ወዘይመስሎ ኣብ ዝምልከት ጉዳያት ሰፊሕ ዘተ ኣካይዱን ውሳነታት ኣኅሊፉን።
ቅዱስ ሲኖዶስ ብዕለት 19 መስከረም 2012 ዓ.ም (30/09/2019 ፈ) ከም መቐጸልታ ብዕለት 22 ነሓሴ 2011 ዓ.ም (28/08/2019) ዘካየዶ ጉባኤኡ፣ ሕጊ ምርጫ ፓትርያርክ እተርቅቕ ኮሚቴ ኣባላት መሪጹ! እዛ 7ተ ዝኣባላታ ኮሚቴ እዚኣ ካብ ኵሎም ኣካላት ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ዝቖመት ኮይና ሓደ ካብ ገዳማት፣ ሓደ ካብ ጉባኤ ሊቃውንት፣ ሓደ ካብ ካህናት፣ ሓደ ካብ ምእመናን፣ ሓደ ካብ ትምህርቲ ሰንበት፣ ሓደ ካብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ፣ ሓደ ካብ ኣብያተ ጽሕፈት ሃገረ ስብከታት ይርከብዋ። ከም ኣገዳስነቱ’ውን ብሞያ ዝተሓጋገዙ ናይ ሕጊ ኣማኸርቲ’ውን ክሳተፉ እዮም።
“ብዙኅ ሕማሞሙ ለጻድቃን፡ ወእምኵሉ ያድኅኖሙ እግዚአብሔር/ናይ ጻድቃን መከራ ብዙኅ እዩ፡ እግዚአብሔር ግና ካብ ኵሉ የድኅኖም” መዝ. 34፡19
ሰማዕት ቅድስት ኣርሴማ
ወሀሎ አሐዱ ብእሲ ዘስሙ ቴዎድሮስ ዘእምዘመደ ክቡራን ካህናት ወሌዋውያን ወነገሥት ኀያላን፣ ወአውሰበ ብእሲተ እምዘመዶሙ ለካህናት ወሊቃነ ጳጳሳት ሥዩማነ ቤተ ክርስቲያን ርቱዓነ ሃይማኖት እንተ ስማ አትሮስያና ቡርክት። ወኮኑ ፈራህያነ እግዚአብሔር ወጻድቃን እሙንቱ . . . ወእምዝ ስእኑ ወሊደ ወኮኑ መካናተ እስከ ሲበት።
ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ፡ ን28 ተማሃሮ ብመዓርገ ዲቁና፡ ንኽልተ ዲያቆናት ድማ ብመዓርገ ክህነት ሥርዓተ ሢመት ተፈጺምሎም!
ብዕለት 27 መስከረም 2011 ዓ.ም. ን28 ብመዓርገ ዲቁና፡ ንኽልተ ድማ ብመዓርገ ክህነት ኣብ መካነ ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ ቤተ ክርስቲያን ቲራቮሎ ብዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ሥርዓተ ሢመት ተፈጺምሎም!
ኣብቲ መራሕ ሥራሕ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ መሪጌታ ዘርአ ኣስመላሽ፣ ኃላፊ ክፍሊ ስብከተ ወንጌልን ኣገልግሎት ካህናትን ሃገረ ስብከት ኣሥመራ መሪጌታ ሚካኤል ፍትዊ ከምኡ ውን መምህራንን ወለድን ዝተረኽቡሉ ሥርዓተ ሢመት፡ ዝግባእ ጸሎትን ቡራኬን ምስ በጽሐ፡ 28 ተማሃሮ ብመዓርገ ዲቁና ክሥየሙ ከለዉ ክልተ ዲያቆናት ድማ ብመዓርገ ክህነት ተቐቢኦም።
ዕለት 29 መስከረም 2012 ዓ.ም. ድርብ ሓጐስ ዝተኣንገደትላ ዕለት እያ። ዓመታዊ ክብረ በዓል ሰማዕት ቅድስት ኣርሴማ ብጸሎተ ሰዓታትን ስብሐተ ማኅሌትን ጸሎተ ቅዳሴን ዑደተ ታቦትን ክኽበር ከሎ ብተወሳኺ ድማ በዚ ዕለት እዚ ኣብቲ ቦታ ‘ደብረ ደናግል ቅድስት ኣርሴማ’ ከም ዝተገደመ ተኣዊጁ።
ምቋም ቤተ መዘክር ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት መጽናዕታዊ ጽሑፍ ቀሪቡ!
22 መስ 2012 ዓ.ም.ግ (3 ጥቅ 2019) ምስ ህልዊ ዓቕሚ ቤተ ክርስቲያን ዝተዛመደ ምቋም ቤተ መዘክር (ሙዚየም) ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ ዓቃቤ መንበር ብጹእ ኣቡነ ጴጥሮስ፡ ወከልቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁኣን ጳጳሳትን ሓለፍቲ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክን ኣብ ዝተረኽሉ ብሰብ ሞያ ደቂ ቤተ ክራስቲያን ኣብ ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ ቀሪቡ።
እዚ ክልተ ኣርእስታት ሒዙ ብሥዕሊ ተሰንዩ ዝቐረበ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፣ ብቀዳምነት ኣብ ምስፋሕ ኣፍልጦን መሠረታዊ ትርጉምን ቤተ መዘክር (ሙዚየም) ዘድሃበን፣ ዓለም ለኻዊን ሞያዊን ደረጃታትን ዓይነታትን ስነዳን ዕቃበ ቅርስን ከምኡ’ውን ኣገዳስነቱን ኣገባቡን፣ ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ዝዝተየ ኮይኑ፣ እቲ ካልኣይ ክፋል ከኣ ብደረጃ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ንኡስ ዝመጠኑ ቤተ መዘክር ንምቋም ኣብ ዘሎ ተኽእሎታት ግብራዊ መጽናዕቲ ዝቐረበሉ እዩ ነይሩ።
ክልተ ዓመታት ፈጺሙ ናብ ሣልሳይ ዓመተ ትምህርቲ ዝተሰጋገረ ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ (Theology) ኣብ ክልተ ሥሩዕ (regular) መርሓ ግብርታት (ዲግሪ 5ተ ዓመት/ ዲፕሎማ 3ተ ዓመት) ትምህርቱ ብጽቡቕ ይቕጽል ከም ዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ድማ ሓድሽ ምሸታዊ መርሓ ግብር (extension) ብደረጃ ሰርተፊኬት ክምህር ጀሚሩ።
እዚ ሓድሽ መርሓ ግብር’ዚ ነቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ እዋን ቀትሪ ክመሃሩ ዘይከኣሉ ዝዓለመ ኮይኑ፡ ኣብ ሓደ ዓመት ዝዛዘም (ሠለስተ ሰሚስተር) ብሓፈሻዊ ሥነ መለኮት (General Theology) ናይ ሰርተፊኬት መርሓ ግብሪ ክወሃብ እዩ።
ዓመት መጸ ዝኸብር ክብረ በዓል ቅዱሳን ነገሥታት ኣብርሃ ወኣጽብሓ ዕለት 04 ጥቅምት ኣብ ብስሞም እትጽዋዕ ኣብ ከባቢ ኣሥመራ ኣብ ዓድ ለሰም ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትሪያርክ ብፁዕ አቡነ ባስልዮስ፡ ካህናትን ዲያቆናትን፡ መነኮሳትን መነኮሳያትን፡ ምእመናንን ምእመናትን አብ ዝተረክቡሉ ተኸቢሩ ውዒሉ።