፩ ትርጕም
ትምህርቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዶግማ፣ ሥርዐት(ቀኖና)ን ትውፊትን ዝተመሥረተ እዩ። ‘ዶግማ’ ዝበሃል መሠረተ እምነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝገልጽ፣ ዘይልወጥ ትምህርተ ሃይማኖት እዩ። ብዛዕባ ኃሙሽተ ኣዕማደ ምሥጢር፣ ነገረ ማርያም፣ ኣማልድነት ቅዱሳንን ካልእ ቤተ ክርስቲያን እትኣምኖን እትምህሮን ኵሉ ኣካል ዶግማ እዩ።
‘ትውፊት’ ዝበሃል ከኣ ካብ ቀዳሞት ኣበው ቤተ ክርስቲያን ጀሚሩ ንወለዶታት ዝመኃላለፍ መንፈሳዊ ውርሻ እዩ። ሕዝበ ክርስቲያን ኣብ መንፈሳዊ ጕዕዞኦም ብምርኣይን ብቃልን ብንብረትን ዝተረከብዎምን ዝወረስዎምን ቅዱሳት ናይ ናብራ ባህልታት፡ ቅርስታት፣ ቅዱሳት መጻሕፍት፣ ንዋያተ ቅዱሳትን ካልእን ዝመኃላለፉሉ መንፈሳዊ ቅብብል እዩ።
ካብ ዓለመ መላእክት ክሳዕ ልደተ ክርስቶስ
ሓደ ካብቲ ትርጕም ‘ቤተ ክርስቲያን’ ሓድነት ናይቶም ሃይማኖተ እግዚአብሔር ዘለዎም ብምዃኑ፡ ብጊዜያት ቤተ ክርስቲያን ብሠለስተ ክፍሊ ንርእያ፦
ሀ. ሰብ ቅድሚ ምፍጣሩ ኣብ ዓለመ መላእክት ዝነበረት ሓድነት መላእክት።
ለ. ካብ ኣቤል ክሳዕ ሓድሽ ኪዳን ናይ ዝነበሩ ሓድነት ቅዱሳን ሰባት።
ሐ. ብደም ክርስቶስ ዝተመሥረተት ኣማናዊት ሓድነት ክርስቲያን።
“ቤተ ክርስቲያን” ዝብል ቃል ኣብቲ ሰዋስዋዊ ትርጕሙ ብዘይቤ ይኹን ብምሥጢራዊ ኣገላልጻ ሠለስተ ትርጕም ኣለዎ።
1. ንውሱን ቦታ የመልክት። እዚ ማለት ከኣ ናይ ምእመናን ቤት ዘመልክት ኮይኑ ‘ናብ ቤተ ክርስቲያን ንኺድ’ ከም ዝበሃል እዩ። (መዝ.122፥1)
2. ስም እግዚአብሔር ጸዊዖም ዝእከቡ ምእመናን “ቤተ ክርስቲያን” ይበሃሉ እዮም። እዚ ትርጕም እዚ ወገንነት፤ ዜግነት ወይ ኣባልነት ናይ ክርስትና የመልክት። ኵሉ ካብ ያዕቆብ ዝተወለደ ቤተ ያዕቆብ ወይ ቤተ እስራኤል ከም ዝበሃል ማለት እዩ። ብመንፈሳውን ምሥጢራውን ልደት ካብ ክርስቶስ ንዝውለዱ ኸኣ ቤተ ክርስቶስ ኪበሃሉ ይከኣሉ እዮም። ምኽንያቱ ናይ ክርስቶስ ወገናት፡ ናይ መንግሥቱ ዜጋታት እዮም።
ሥነ ፍጥረት (1ይ ክፋል)
ልዑል እግዚአብሔር፡ ንኵሉ ፍጥረት ዝፈጠረሉ ሥርዓት እንመሃረሉ ትምህርቲ ሥነ ፍጥረት ይበሃል። ሥነ ፍጥረት ክብሃል ከሎ ኣፈጣጥራ ፍጥረታት፣ ጽባቐ ፍጥረታት (ዘፍ. 1፥3) ፡ ከምኡ'ውን ስምምዕ ፍጥረታት ማለት’ዩ። “ወአስተሠነዐዎሙ በበይናቲሆሙ እንዘ ዘዚአሁ ግዕዘ ጠባይሆሙ/ ነቶም ዝተፈላለዩ ባህርያት ነንሓድሕዶም ኣስማምዖም” ከም ዝብል ድርሳን ዘቅዱስ ዮሓንስ። ብሥነ ፍጥረት ኣቢልና ናይ እግዚኣብሔር ፈጣሪነት ፡ ከሃሊነት ፡ መጋቢነት ፡ ጥበብን ኣብ ሰብ ዘለዎ ፍቕርን ንርዳእ። ፈጣሬ ፍጥረታት እግዚኣብሔር ንኵሉ ብሥርዓት ስለዝፈጠሮ በዚ ናይ ሥርዓት ኣምላኽ ምዃኑ ነስተውዕል። እግዚኣብሔር ዝፈጠሮም ፍጥረታት ሓደ ብሓደ እንተዝቝጸሩ ፍጡር ቈጺሩ ዝውድኦም ኣይኮነን።
ነገረ ድኅነት (1ይ ክፋል)
ነገረ ድኅነት ፥ ኣቦና ኣዳም ካብ ዝወደቖ ኃጢኣት ብኸመይ ከም ዝደኃነን ንሕና ደቁ ብኸመይ ከምእንድኅንን መንግሥተ እግዚአብሔር ከምንወርስን ዝምህር ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን እዩ። መበገሲ ትምህርቲ ነገረ ድኅነት፡ ውድቀት ኣዳም እዩ። ምኽንያቱ ትእዛዝ ኣፍሪሱ ኃጢኣት ዝሠርሐ፡ ቃል ኪዳን ድኅነት ውን ዝተኣትወሉን ቀዳማይ ሰብ ንሱ እዩ።
እግዚአብሔር ኣምላኽ ንዓለም ብሥነ-ፍጥረት እናኣማዕረገ ድኅሪ ምድላዉ፡ ኣብ መወዳእታ ነቲ ኽቡር ጋሻ ፍጥረት ዝኾነ ሰብ ፈጠሮ። ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ እዚ ኸረድኡ ኸለዉ ከምቲ ሓደ ለዋህ ሰብ ንዝዓደሞ ጋሻ ዝኸውን መብልዕን መስተን ኣቐዲሙ ዘዳሉ፣
"ኣብ ልዕሊ እዚ ኸውሒ እዚ ኸኣ ንቤተ ክርስቲያነይ ክሓንፃ እየ፣ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይክኅይልዋን እዮም።" ማቴ. 16፡18
"ሓደ ጐይታ፡ ሓደ ሃይማኖት፡ ሓንቲ ጥምቀት ኣሎ።" ኤፌ. 4፡5
"ወይእዜኒ አኃዊነ ጸልዩ ለነ ከመ ይሩጽ ቃለ እግዚአብሔር ወይሰባሕ በከመ በኀቤክሙ/ ሕጂ ድማ ኣኅዋትና ከምቲ ኣባኻትኩም ዝኾነ ቃል እግዚአብሔር ክባጻሕን ክኸብርን ጸልዩልና።" 2ይ ተሰ. 3፡1
ምሥጢረ ሥጋዌ (2ይ ክፋል)
ወልድ፡ ንሥጋ ብምዋሓዱ ካብ ባህርይ ኣቦኡ አብ፡ ካብ ባህርይ ሕይወቱ መንፈስ ቅዱስ ኣይንእስን’ዩ
ወልደ እግዚአብሔር ምእንቲ ድኅነተ ሰብ፡ ሰብ ውን እንተኾነ ካብ ኣምላኽነቱ ኣይተለወጠን። እግዚአብሔር ድማ ብባህርይኡ ውላጤ ስለዘይብሉ “ኣነ እግዚአብሔር ኣይልወጥን እየ” (ሚል. 3፡6) ብምባል ብምልዋጥ ዘይኮነስ ብተዋሕዶ ሰብ ከምዝኾነ የረድኣና።
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ወልደ አብ በመለኮቱ፡ ወልደ ማርያም በትስብእቱ እዩ፣ ዝነበረን ዘሎን ዝነብርን እዩ። ሰብ ኮይኑ ኣብ ምድሪ ብሓፂር ቁመት፡ ብጸቢብ ደረት ተወሲኑ ስለዝተመላለሰ ካብ ዕሪና አብ ኣይተፈለየን። ካብ ተድኅሮን ተፈልጦን ንጹሕ እዩ። ተለዊጡ ፍጡር ወይ’ውን ኣማላዲ ኣይኮነን። “ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለዓለምን ንሱ እዩ” (ዕብ. 13፡8)።
‘ጥምቀት’፦ ካብ ‘አጥመቀ’ ዝብል ግእዛዊ ልሳን ዝተረኽበ ኮይኑ መላእ ሰብነትካ ብማይ ምሕጻብ ማለት እዩ።
ጥምቀት፡ ባዕሉ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተጠሚቑ ዝጀመሮ፡ ከምኡ’ውን “ዝኣመነ ዝተጠምቀ ይድኅን” (ማር. 16፡16) ክብል ዝመሃሮ፡ “ኪዱ ንዅሎም ኣሕዛብ ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስ እናኣጥመቕኩምን ዝኣዘዝኩኹም ዅሉ ኺፍጽሙ እናመሃርኩምን ደቀ መዛሙርተይ ግበርዎም”(ማቴ. 28፡19) ኢሉ ኣዚዙ ዝመሥረቶ እዩ።