06 ነሐሴ 2012 ዓ.ም. (12/08/2020 ፈ.)፣ ኣባላት ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስን ምምኅዳር መንበረ ፓትርያርክን ምስ ኣባላት ምምኅዳር ንኡስ ሃገረ ስብከት ምሥራቅ ኣፍሪቃ ብVirutual Zoom Conference ርክብ ኣካዪዶም።

ናይ ጸሎታት ኵሉ መእሰርን መፈጸምታን “አቡነ ዘበሰማያት/ ኣብ ሰማያት ትነብር ኣቦና” ኮይኑ ስዒቡ ብሓባር ምስኡ ዝጽለ ድማ “በሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልአክ/ ብናይ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ሰላምታ” ዝብል ጸሎት እዩ። ክልቲኡ ጸሎት ኣይፈላለይን እዩ።

ሊቀ ትጉሃን መሪጌታ ገብረ መስቀል መሪጌታ ገብረ መድኅን “ወበጽሐኒ ዕድሜየ ለአዕርፎ በድርየኒ ፈጸምኩ ወሃይማኖትየኒ ዓቀብኩ እንከሰ ጽንሑ ሊተ አክሊለ ጽድቅ ዘየአስየኒ እግዚአብሔር” ብዝበሎ መሠረት ትማሊ 09 ነሓሰ 2012 ዓ.ም. (18/08/2020 ዓ.ም.) ካብዚ ዓለም’ዚ ናብ ዘይትኃልፍ ዓለም ግዒዞም። 2ይ ጢሞ. 4፡6-7.

ቅዱስ ዳዊት ከምዝበሎ ጽሩይን ናይ ጥዕናን መዋዕል ሰብ እንተ በዝኀ ሰብዓ ሰማንያ ዓመታት እዩ። ኣብዘን ዓመታት ሓደ ክርስቲያን 70-80 ጊዜ ጥራሕ ከስተማቕራ ዝኽእል እዩ። ንሳ ድማ ኣብ ውሽጢ ዓመት፡ ዓሰርተው ሓደ ኣዋርኅ ኣኅሊፍካ እትርከብ ወርኂ ነሐሴ እያ። እዛ ወርኂ’ዚኣ ብዘለዋ መቐረት ብሓፈሻ ኵሉ ሕዝቢ ብፍላይ ግና ምእመናነ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ብሃንቀውታ ዝጽበይዋ እያ። ካብ ባሕታ ክሳዕ ፍጻሜኣ ድማ ጠለለት ክረምት ስለ ዘይፍለያ ፍሉይ ባህታ ኣለዋ። ልዕሊ ዅሉ ድምቀትን መቐረትን ዝህባ ድማ ጾመ ፍልሰታ እዩ።

ቅድስት ድንግል ማርያም ቅድመ ዓለም ኣብ ሕሊና አምላኽ ስለዝነበረት ገና ከይተወልደት ትንቢት ተነጊሩላ ሱባዔ ተቘጺሩላ ነበረ። ምስ ተወልደት’ውን ኣደ አምላኽ ከም ዝኾነት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝመስከሩላ እዮም። ብዛዕባ ልደት ቅድስት ድንግል ማርያም ነቢይ ኢሳይያስ ካብ እግዚአብሔር ብዝተዋህቦ ጸጋ ትንቢት “ትወፅእ በትር እምሥርወ እሤይ ወየዓርግ ጽጌ እምጕንዱ/ ካብ ጕንዲ እሤይ በትሪ ክትወፅእ ካብቲ ጕንዲ በትሪ ዕንባባ ጠጢዑ ክወፅእ እዩ” ተባሂሉ ተነጊሩ ነበረ። (ኢሳ. 11:1) ኣብዚ ብበትሪ ዝተመሰለት ቅድስት ድንግል ማርያም ክትኸውን ከላ፣ ዕንባባ ዝተባህለ ድማ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ምድራዊ ዓለም መጺኡ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ካብኣ ምውላዱ ዘመልክት ትንቢት’ዩ።


ቅዱሳን ነቢያት በቲ እግዚአብሔር ዝገለጸሎም ረቂቅ ምሥጢረ ትንቢት፡ ብዛዕባ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም በብወገኖም ዝተነበዩ ነቢያት ብዙኃት እዮም። ንኣብነት፦ ቅድሚ ነቢይ ኢሳይያስ ዝነበረ ልበ ኣምላክ ቅዱስ ዳዊት ንቅድስት ድንግል ማርያም ኣመልኪቱ “እግዚአብሔር ንጽዮን ኃርይዋ እዩ’ሞ መኅደሪኡ ክትኸውን በሃጋ እዚኣ ንሓዋሩ መዕረፊተይ እያ ብሂገያ እየ እሞ ኣብዚኣ ክነብር እየ” ይብል። (መዝ. 132፡13-14) 'ጽዮን' ኢሉ ጸዊዕዋ ዘሎ ንቅድስት ድንግል ማርያም እዩ።

ደጊሙ’ዉን ነቢይ ኢሳይያስ ብንጽሕናን ብድንግልናን አምላኽ ከም እትወልድ ክነግር ከሎ፦ “እግዚአብሔር ባዕሉ ትእምርቲ ክህበኩም’ዩ እንሆ ድንግል ክትፀንስ እያ ወዲ’ውን ክትወልድ’ያ ስሙ ውን አማኑኤል ክትሰምዮ’ያ” በለ። (ኢሳ. 7:14) እዚ ትንቢት’ዚ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣካላዊ ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝውለድ ዝገልጽ’ዩ። ስሙ’ውን አማኑኤል ክትብሎ’ያ ኣማኑኤል ማለት ድማ እግዚአብሔር ምሳና ማለት ምዃኑ ንባቡን ትርጓሜኡን ጽሒፍዎ ኣሎ።

ኣቦና ኣዳም ውን ካብ ገነት ክስጐግ ከሎ “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል ኣሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኽጭፍልቕ እዩ፡ ንስኻ ድማ ሽዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ።” ዝብል ተስፋ ድኅነት ተዋሂብዎ እዩ።(ዘፍ. 3፡14) እታ ተስፋኡ ኸኣ እታ ሰበይቲ ቅድስት ድንግል ማርያም ነበረት፡ ብዛዕባ እዚ ቅዱስ ኣባ ሕርያቆስ ኣብ ዝደረሶ ቅዳሴ “አንቲ ውእቲ ተስፋሁ ለአዳም አመ ይሰደድ እምገነት” ብምባል ገሊጽዎ ይርከብ።

እዛ ተስፋ አዳምን ንአምላኽ ከም እትወልድ ትንቢት ዝተነበዩላን ቅድስት ኣደ ትውልዳ ከመይ ከምዝኾነ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።

በጥሪቃን ቴክታን ዝበሃሉ ሰባት ኣብ ኢየሩሳሌም ብሓድነት ይነብሩ ነበሩ። ንሳቶም ውን ንእግዚአብሔር ዝኣምኑ ዝተፈትዉ ቡሩኻት ኣብ ቅድሚ ሰብን እግዚአብሔርን ብቑዓትን ብዙኅ ሃብቲ ዝነበሮምን ነበሩ። በጥሪቃ ብምድራዊ ሃብቱ ዝኸበረ ምግባሩ ዝጸበቐ ፡ ብሠናይ ግብሩ ኣብ ሃገሩ ዝፍለጥ፡ ንሕግታት ሙሴ ተጠንቒቁ ዝሕልው ጻድቅ ሰብኣይ እዩ ዝነበረ። ሰበይቱ ቴክታ’ውን ኣዝያ ጽብቕቲ፡ ብልባ ንእግዚአብሔር እትፈርሕ፡ ንሰብኣያ ከም ሳራ ጐይታይ ኢላ እትእዘዝ፡ ጥበብ ዝመልኣ ሰበይቲ እያ ዝነበረት።(ምሳ. 31፡10-) ሓደ መዓልቲ በጥሪቃ ኣብ ምድሪ ዝኸበረሉ ሃብቱ ኵሉ ጸብጺቡ ንሰበይቱ ‘እዚ ኵሉ ዝኣከብናዮ ሃብትና እንታይ ክንገብሮ ኢና፧ ዝወርስ ውላድ የብልናን ንስኺ መኻን ኣነ ከኣ ካልእ ሰበይቲ ኣይፈልጥን’ በላ።

ንሳ ውን “ነቲ ኣምላከ እስራኤል ዝገብሮ ሓደ እኳ ዝፈልጥ የለን፡ ካብ ካልእ ውለድ ከማይ ኣይትኩን” በለቶ። ንሱ ኸኣ ነዚ ኣይኮነን ክገብሮ ብልበይ ከም ዘይሓስቦ እግዚኣብሔር ምስክረይ እዩ።” ክብል መለሰላ።

ቴክታ ናብ ውሻጠ ኣቲያ ተንበርኪኻ ናብ አምላኻ ብብኽያት ኣምሪራ ጸለየት፡ “ናይ ኣቦታተይ ናይ ኣብርሃም ይስሓቅ ኣምላከ እስራኤል ንዅሉ ንስኻ ትፈልጥ” ኢላ ተኣመነት። ንጽባሒቱ ናብ በጥሪቃ መጺኣ “ትማሊ ብሕልመይ ፃዕዳ ምራኽ (ብተይ) ካብ ማኅፀነይ ክትወፅጽእ እታ ፃዕዳ ምራኽ ውን ፃዕዳ ምራኽ ክትወልድ ከምኡ እናበለ ክሳብ ሾብዓተ ትውልዲ ክዋለዳ፡ እታ ሻብዐይቲ ንወርኂ ክትወልድ፡ እታ ወርኂ ድማ ንፀሐይ ክትወልድ ረኣኹ” በለቶ። ንሱ ውን “እቲ ራእይ ጽቡቕ’ዩ” ኢሉ ናብ ሕልሚ ዝፈትሕ ከይዱ ዝበለቶ ኵሉ ነገሮ። እቲ ሕልሚ ዝፈትሕ ሰብ ድማ ‘እግዚአብሔር ብምሕረቱ ርእይኩም እዩ። 7ተ ኣንስቲ ምራኻት ምውላድኩም 7 ኣዋልድ ዝውለዳ እየን፡ እታ ሻቡዓይቲ ንወርኂ ምውላዳ ካብ ሰብ ዝበለጸት ካብ መላእኽቲ ዝኸበረት ብርኽቲ ፍጥረት ክትወልዱ ኢኹም ናይ ፀሐይ ነገር ግና ኣይፈለጥክዎን’ በሎም።

ኣብቲ ወርኃት ፍቓድ እግዚአብሔር ኮይኑ ቴክታ ፀነሰት፣ ኣብ 9ይ ወርኂ ጓል ወለደት። ኣብ ሻሙናይ መዓልታ ድማ ስማ 'ሄኤሜን' ኢሎም ሰመይዋ። ሄኤሜን ማለት “ረከብኩ ስእለትየ/ ዝለመንክዎ ረኸብኩ" ማለት እዩ። ሄኤሜን ውን ንኣካለ መጠን ምስ በጽሐት ኣመርዓውዋ ጓል ወለደት ኣብ ሻሙናይ መዓልቲ ስማ 'ዴርዴ' ኢሎም ሰመይዋ። ዴርዴ ማለት ካብ ኣቦታትና ወገን ዝተወልደት ማለት እዩ። ዴርዴ ዓበየት ኣመርዓውዋ ጓል ውን ወለደት ብሻሙናይ መዓልቲ ስማ 'ቶና' ኢሎም ሰመይዋ። ቶና ማለት ራእይ ርኢና ነገር ረኺብና ንዝወለድናያ ማለት እዩ። ቶና ውን ብሥርዓት ዓበየት ኣመርዓውዋ ጓል ውን ወለደት ብሻሙናይ መዓልቲ ስማ 'ሲካር' በልዋ። ሲካር ማለት ካብ ኣዝማድና ወገን ዝተወልደት ማለት’ዩ። ሲካር ውን ዓበየት ኣመርዓውዋ ጓል’ውን ወለደት፣ ብሻሙናይ መዓልቲ ስማ 'ሴትና' ኢሎም ጸውዕዋ። ሴትና ማለት ሥራሓ ዝጸበቐ፡ ግብራ ዝሠመረ ጽብቕቲ ማለት እዩ። ሴትና ውን ብሥርዓት ዓብያ ኣመርዓውዋ ጓል’ውን ወለደት ብሻሙናይ መዓልቲ ስማ 'ሔርሜላ' ኢሎም ጸውዕዋ። ሔርሜላ ማለት ካብ ክቡራን ካብ ሃብታማት ወገን ዝተወልደት ማለት’ዩ። ሔርሜላ ንኣካለ መጠን ምስ በጽሐት ኣመርዓውዋ ጓል’ውን ወለደት ብሻሙናይ መዓልቲ ስማ 'ሃና' ኢሎም ሰመይዋ። ሃና ማለት ብሃይማኖትን ግብርን ጽንዕቲ ብንጽሕና ብቅድስና ዝተሸለመት ቡርክት ክብርት ወልዕልት ፍጥረት ማለት እዩ። ናይ ኣዴና እግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም ትውልዲ ንምቝጻር ትንቢት ዝተነግረለን ሱባኤ ዝተቈጽረለን እዚኣተን ሸውዓተ ኣንስቲ እየን።

ሃና ውን ብሥርዓት ዓቢያ ንኣካለ መጠን ምስ በጽሐት፡ ካብ ነገደ ይሁዳ ንዝተወልደ ክቡር ጻድቕ 'ኢያቄም' ኣመርዓውዋ። ሃናን ኢያቄምን ብሓደ ክነብሩ ውላድ ኣይነበሮምን። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ውላድ ክህቦም ኵል ሳዕ ናብ እግዚአብሔር ይልምኑ ነበሩ። ሓደ መዓልቲ ናብ ቤተ እግዚአብሔር ብምኻድ ብሓባር “ወዲ እንተወለድና ሓሪሱ ኵዒቱ የብልዓና ኣይንብልን ንቤተ እግዚአብሔር የገልግል፥ ጓል ውን እንተኾነት ማይ ቀዲሓ መሶበ ወርቅ ሰፍያ ተገልግለና ኣይንብልን ንቤተ እግዚአብሔር ተገልግል” ኢሎም ተማባጽዑ። ኣብ ዘመኖም ዝነበረ ካህን ዘካርያስ’ውን ኣብ ቅድሚኦም ደው ኢሉ ጸሎቶም ኣዕረገሎም፡ “እግዚአብሔር ጸሎትኩም ይስማዕ፣ መብጽዓኹም ይፈጸመልኩም” ክብል ጸለየሎም።

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ክልቲኦም መሥዋዕቲ ከነቕርብ ኢሎም ናብ ቤተ መቕደስ ምስ ቀረቡ፡ ሮቤል ዝተባህለ ሊቀ ካህናት “ወኢይትዌከፍ መሥዋዕቶሙ ለመካናት/ መሥዋዕቲ መኻናት ኣይቕበልን’’ እንድዩ ዝብል፣ ንስኻትኩም ደኣ’ሞ “ብዝኁ ወተባዝኁ ወምልእዋ ለምድር/ ብዝኁን ተባዝኁን ንምድሪ ድማ ምልእዋ” ኢሉ ነቦና ኣዳም ዝሃቦ ቃል ዝኸልኣኩም እንዲኹም! እንተዝፈትወኩም እሞ ውላድ ምሃበኩም ነይሩ ስለዚ መሥዋዕትኹም ኣይቅበለኩምን እየ” ኢሉ መለሶም። ብኃዘን ተዋሒጦም ኣብ ትሕቲ ጽላል ኦም ኣዕሪፎም ከለዉ፡ ሓና ረጋቢት ምስ ደቀን ክጻወታ ዕፀዋት ዓምቢቡ ፈርዩ ርኣየት እሞ “ጐይታ ንረጋቢት ብባህርያተን ከም ዝባዝኃ ዕፀዋት ብባህርያቶም ከም ዝዕንብቡ ከም ዝፈርዩ ከም ዝገበርካ፣ ንኣይ ደኣ ውላድ ዝከላእካኒ ተፈጥሮይ ካብ እምኒ’ዶ ኾይኑ እዩ” ኢላ ኃዘነት። በዚ ኣምሪሮም እናኃዘኑ ናብ ገዛኦም ምስ ኣተዉ “ወዲ ይኹን ጓል እንተወለድና ንቤተ እግዚአብሔር ይኹን።’’ ኢሎም ተመባጽዑ።

ዕለት 30 ሓምሌ፡ ሃና ንኢያቄም “ፀምር ክዕጥቑኻ፡ መቆምያኻ ዓብያ ፈርያ ኵሉ ፍጥረት ክምገባ ርእየ” በለቶ። ኢያቄም ድማ ንሃና፥ “ፃዕዳ ርግቢት ሾብዓተ ሰማያት ሰንጢቓ መጺኣ ኣብ ርእስኺ ክትዓልብ፤ ብየማናይ እዝንኺ ኣትያ ኣብ ማኅፀንኪ ኽትዓርፍ ርእየ” በላ። ጊዜ ይፍትሓዮ ኢሎም ብተስፋ እናተጸበዩ ፍቓድ እቲ ዝነገርዎ ዘይርስዕ ዝለመንዎ ዘይከልእ እግዚአብሔር አምላኽ ኮይኑ ብ7ተ ነሐሴ ብዕለተ እሑድ መልአከ እግዚአብሔር ‘ዓቢይ ውላድ ክትወልዱ ኢኹም’ ኢሉ ኣበሠሮም። በዚ ዕለት'ዚ ኸኣ ካብ ሰብ ዝበለጸት ካብ መላእኽቲን ዝኸበረት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተፀንሰት።

ምስ ተፀንሰት ብዙኅ ተኣምራት ገበረት። በርሴባ እትበሃል “ሐና እግዚአብሔር ረዲኡኪ እዩ’’ ኢላ ሰብነታ ዳኅሢሣ ዓይና ምስ ሓሰየቶ በርሃላ። ነዚ ኣብነት ገይሮም ኵሎም ሕሙማን ሰብነት ሃና እናዳኅሠሡ ተፈወሱ። ከምኡ’ውን ሃና ትፈትዎ ዝነበረት ሳምናስ ዝተባህለ ዘመዳ ሞይቱ ኣብ ሬሳኡ እናዞረት ክትበኪ ከላ፡ ጽላላ ዓሪፍዎ ካብ ሞት ተንሥአ።

እምበኣር ምእመናንን ምእመናትን፡ በዛ ሎሚ ዕለት ኣደ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተፀንሰትሉ ዕለት ብምዃኑ ስማ እናዘከርና፡ ፍቕራን ርኅራኄኣን ረድኤታን ኣማላድነታን በረኸታን ስንቂ ጌርና ንሱባኤና ክንፍጽሞ ቅዱስ ፍቓድ እግዚአብሔር አምላኽና ይግበረልና። ኣማላድነታ ድማ ምስ ኵልና ይኹን፡ አሜን።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!

 

ገዳም ደብረ ቢዘን

‘ቢዘን’፦ ሚዛን፡ ማዕረ ማለት’ዩ። ከምቲ ወርቅን ብሩርን ብሚዛን ዝምዘን፡ ከምኡ ኸኣ ኣብ ደብረ ቢዘን ጻድቃንን ኃጥኣንን፡ ድኹማትን ፍጹማንን ዝምዘንሉ ገዳም እዩ። ገዳም ደብረ ቢዘን፥ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ብመንገዲ ባጽዕ ካብ ኣሥመራ ኣስታት 25 ኪሎ ሜትር ንሸነኽ ምሥራቅ ርኂቑ ይርከብ።


ካብ ከተማ ነፋሲት፡ መንገዲ ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ነዊኅ ዓቐብ ምስ ደየብካ ኣብ 2410 ሜተር ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ተገዲሙ ይርከብ። ነዚ ገዳም’ዚ፡ ኣብ 1361 ዓ.ም. ዝመሥረቶ ኣቡነ ፊልጶስ እዩ።

ወለዲ ኣቡነ ፊልጶስ ኣቦኡ ይርድኣነ እግዚእን ኣደኡ መግደላዊት፡ ቅድሚ ንእኡ ምውላዶም፡ ውላድ ስኢኖም ንብዙኅ ዓመታት ብጸሎትን ጾምን ምስ ጸንሑ፡ ዝለመንካዮ ዘይከልእ ልዑል እግዚአብሔር፡ ንቅዱስ ገብርኤል ልኢኹ ከምዝወልዱ ኣበሠሮም። በዚ ኸኣ ኣብ 9ተ ጥቅምቲ 1319 ዓ.ም. ኣብ ኣንከረ ባርኳ ፍሉይ ስሙ ዓዲ ጐላጉል ከባቢ ኣክሱም ተወልደ። ድኅሪ 40 መዓልቲ ማለት 18 ኅዳር ኸኣ ክብረ ውልድነት ጸጋ ጥምቀት ንኽረክብ ናብ ቤተ ክርስቲያን ወሰድዎ። እቶም ካህናት ብጸጋ ዓበይቲ ስለዝነበሩ ከጥምቕዎ ከለዉ፡ እቲ ዕለት’ቲ በዓል ሓዋርያ ፊልጶስ ብምንባሩ ብስሙ ‘ፊልጶስ’ ኢሎም ሰመይዎ፣ ከምኡ’ውን “ጸጋ እግዚአብሔር ዝኃደሮ እዩ፡ ንብዙኃት ሰባት ከኣ ኣቦ ኪኸውን እዩ፡ ዝናኡ ኣብ ኵሉ ኪስማዕ እዩ” ብምባል ተነበይሉ። 

ኣደኡ መግደላዊት “ከምቲ ሃና ንወዳ ሳሙኤል ከም መብጽዓኣ ንእግዚአብሔር ዝወፈየቶ፡ ኣነ ድማ ከምኡ ከም መብጽዓይ ንእግዚአብሔር ሂበዮ ኣለኹ” ኢላ ናብ ደብረ ጸራቢ ወሰደቶ እሞ ካብ ኣቡነ በኪሞስ ወዲ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ኣብ 12ተ ዓመት ዕድሚኡ መንኮሰ። ነቶም ኣብዚ ደብሪ ዝነበሩ መነኮሳት ብትግሃት እናኣገልገለ ብጾምን ጸሎትን ተጸሚዱ ይነብር ነበረ። ዓስቢ ትግሃቱን ጻዕሩን ድማ 81 መጻሕፍቲ (መጽሓፍ ቅዱስ) ካብ መምህር ፊደል ቈጺሩ ከይተማህረ ብምልኡ ተገልጸሉ። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ‘ፋድል’ ዝብል ቅጽል ስም ተዋህቦ። ክሳዕ ሎሚ ድማ ኵሎም ደቂ ማኅበር ገዳም ደብረ ቢዘን ካብ ዝዓበየ ክሳዕ ዝነኣሰ “ወዲ ፋድል” እናተባህሉ ይጽውዑ ኣለዉ። 

ብድኅር’ዚ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ምድረ ኣግዓዚ እናተዘዋወረ ንኣስታት 30 ዓመታት ኣስተምሃረ። ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ዛይደኮሎም ኣብ ትኹል ዝተባህለ ዓዲ ብጽኑዕ ብሕትውና ድኅሪ ምቕማጡ፡ ምስ ኣቡነ መርቆሬዎስን ኣቡነ ኣብሳዲን ተራኸበ። ከምቲ ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት “እንሆ ኣኅዋት ብሓደ ኪነብሩስ ክንደይ ሠናይን ጥዑምን እዩ” መዝ. 133፡1 ዝበሎ ብፍቕርን ጸሎትን ከም ሓደ ስድራ ነበሩ። ሓደ ጊዜ ኣብ ሮራ ዝተባህለ ቦታ ሠለስቲኦም ኣብ ጸሎት ተጸሚዶም፡ ትንቢታዊ ትምኒት ተመነዩ። ኣቡነ ፊልጶስ ድማ ብደቀ ኣንስትዮ ዘይገሃስ ገዳም ገዲሙ፡ ሥርዓተ ማኅበር ኣጽኒዑ ደቁ ግብሪ ጽድቂ ዝሠርሑሉ ገዳም ክወሃቦ ተመነየ። ከም ትምኒቱ ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተጸውዑ 16 ኣርድእቱ ኣኸቲሉ ናብ ደብረ ቢዘን ኣተወ። ኣስማት ናይ’ዞም ኣርድእቱ መነኮሳት ድማ፦
1. ኣባ ይባርከነ ክርስቶስ  2. ኣባ ገብረ ኄር  3. ኣባ እንድርያስ  4. ኣብ ታዴዎስ  5. ኣባ ዜና ጴጥሮስ  6. ኣባ ዮሓንስ ከማ  7. ኣባ ኤርምያስ  8. ኣባ ዮሓንስ  9. ኣባ ይስማዕ ጸሎተነ  10. ኣባ ይስሓቅ
11. ኣባ እንጦንስ  12. ኣባ ጳውሎስ  13. ኣባ ተንሥአ ክርስቶስ  14. ኣባ በርተሎሜዎስ  15. ኣባ ኢሳይያስ  16. ኣባ ማትያስ እዮም።

ኣቡነ ፊልጶስ ፋድል ናብዚ ገዳም ኣትዩ፡ ብመስቀል ገይሩ ብኣርባዕተ መኣዝን ምስ ባረኻ፡ ኣጋንንቲ ብልሳን ሰብ “ወይለና፡ ወይለና” በሉ። ብፍላይ እኳ ኣብ ኣራዊት ኃዲሩ ዝነበረ ርኹስ መንፈስ ብልዑል ድምፂ እናእወየ ተመታተረ። “እታ ህደርዋ” እትብሃል ከውሒ ክሳዕ ሎሚ ብምስሊ ዓቢይ ኣራዊት ገበል ዝመስል ዕጣቅ ዘለዋ “እምኒ ቅኑት” እናተባሃለት ትጽዋዕ ኣላ።

ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ፊልጶስ፡ ኣብ 42 ዓመት ዕድመኡ ኣብ ከባቢ 1361 ዓ.ም. ከም ገዳም ተኺሉ ማኅበር ሓድነት መሥረተ። ከምቲ ኣብ ቀዳሞት ዓመታት ዘመነ ክርስትና ብዙኃት ክርስቲያናት፡ ብሓድነት ንኺነብሩ ንብረቶምን ሃብቲ ጥሪቶምን ኂዞም ናብ ማኅበር ሓድነት ሓዋርያት ዝጽንበሩ ዝነበሩ (ግብ. 5፡1)፣ ብተመሳሳሊ ድማ ብዙኃት ድኅነት ነፍሲ ዝደለዩ ናብዚ ኣቦና ዘቖሞ ማኅበር ሓድነት እናተጸንበሩ ይምንኵሱ ነበሩ። ኣቡነ ፊልጶስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ክሳዕ 900 ዝበጽሑ ናብዚ ማኅበር ተጸንቢሮም መንኵሶም እዮም። ኣቦና ኣቡነ ፊልጶስ ናይ መንፈስ ደቆም እናበዝኁ ምስ ከዱ ካብዚ ገዳም ወፃኢ ብዙኃት ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ደብሪ፡ ደሴት፡ ደንጐሎ . . . ተኺሉ እዩ። ‘ጸሎትን ሥራሕን’ ብዝብል መምርሒኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ሥርሓት ሕርሻ ተቓኒዑ እዩ። ንኣብነት ከም በዓል ዴዳ፡ ዛላ ዓቢይ፡ ዛላ ኣዋልድ፡ ደሴት፡ ጎቦላሚን፡ ጸላም፡ ብኣብእ፡ ጊንዳዕ፡ . . . ወዘይመስሎ ዘለዉ ንጥፈታት ክሳዕ ሕጂ በዚ ገዳም እዚ ዝግልገሉ ዘለዉ እዮም።

ወትሩ ድማ ንደቁ፡ ምሉእ ዕድሚኦም ኣብ ጾምን ጸሎትን ክተግሁ፡ ብመሠረት ሕጊ ቀኖና ሲኖዶስ ንበዓላት ከኽብሩ ብፍላይ ኣብ በዓላተ እግዝእትነ ማርያም ስማ እናጸውዑን ውዳሴኣ እናደገሙን ክዝክርዋን ከምኡ’ውን ንቀዳመ ሰንበት በቲ መንፈሳዊ መንገዲ ከብዕልወንን ከኽብረውንን ይምዕዶም ነበረ። 

ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ፊልጶስ ኣብዚ ገዳም ኮይኑ “ደቀይ ብምኽንያት ጥሜት ኮነ ጽምኢ ወይ’ውን ንኵናት ኣረማውያን ፈሪሖም ኮነ ብዝኾነ ሽግር ካብዚ ደብሪ ከይስደዱ፡ ንምርኮ ኸኣ ኣኅሊፍኻ ኸይትህቦም እልምነካ ኣሎኹ” ኢሉ ምስ ጸለየ፡ ንዝለመንካዮ ዘይከልእ እግዚአብሔር ኣምላኽ “ ዝለመንካዮን ዘይለመንካዮን ይኹነልኻ” ዝብል ቃል ኪዳን ተቐቢሉ እዩ። ከምኡ’ውን በቲ “ዝመሃርን ዝምህርን ኣይትኽልኣኒ” ዝበሎ መሠረት ከም ኣባ ይስሓቅ ዝመርሕዎ ጉባኤ ትምህርቲ ፈለገ ሕይወት ተመሥሪቱ ከም በዓል ኣቡነ ዮሓንስ ለጓሜ ደመና ከምኡ’ውን ኣቡነ ብፁዕ ኣምላክ ዝርከብዎም እናተማሃሩ ብዙኃት ፈርዮም እዮም።

ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን ድኅሪ 9ተ ወርኂ ተሓኒፁ ምስ ተፈጸመ ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ታቦት ተቐሪጽሉ፡ ኣቡነ ፊልጶስ 21 ሰኔ ቅዳሴ ቤታ ባሪኹ ቀደሰ። ቤት መጻሕፍቲ ተተኺሉ’ውን ብዙኃት መጻሕፍተ ብራና ከም 81 (ሰማንያ ወአሐዱ)፡ መጽሓፈ ጸዳል፡ መዝሙረ ዳዊት ከምኡ’ውን ኣብ ካልእ ዘይርከብ ኣብቲ ጊዜ’ቲ ዝሥርሓሉ ዝነበረ መጽሓፍ ሕርግርግ ባሕረ ሓሳብ፡ ኣብዚ ገዳም ክሳዕ ሕጂ ተዓቂቦም ይርከቡ። ኣብዚ ገዳም ዘሎ ከም ፍሉይ ዝጥቀስ መጽሓፍ፡ መጽሓፈ ዝኽሪ እዩ። ‘መጽሓፈ ዝኽሪ’፦ እዚ ገዳም’ዚ ካብ ዝምሥረት ጀሚሩ ክሳዕ ሕጂ ዓሪፎም ኣብዚ ገዳም ዝተቐብሩ መነኮሳትን ኣርድእትን ኣስማቶምን ዕለተ ዕረፍቶምን ዝምዝገበሉ መጽሓፍ እዩ። በብዕለቱ ኣብ ጸሎተ ዕጣንን ፡ ስብሓታትን ጸሎተ ሰዓታትን ይዝከሩ። 

ኣቦና ኣቡነ ፊልጶስ፡ ንክብሪ ቀዳሚት ሰንበት ብዙኅ ተቓሊሱ እዩ። ነቲ ጳጳስን ንጉሥን ‘ቀዳም ክትከበር የብላን’ ኢሎም ዝኣዘዝዎ፡ ተቓዊሙ ‘ቀዳም ከም ሰንበት ክትከብር ይግባእ’ ኢሉ ከም ኣቦሓጐኦም ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ስለዝመስከረ፡ ብትእዛዝ ጳጳስን ንጉሥን ብቈርበት ተገኒዙ ኣብ ቀላይ ጠሓለ። ኣቡነ ፊልጶስ ግና ነቲ ባሕሪ ከም ሣዕሪ ኣቃጸሎ። ጳጳስን ንጉሥን በቲ ዝረኣይዎ ተኣምራት ተረቲዖም ቀዳም ከም ሰንበት ክትክበር ኣወጁ። ብድኅር’ዚ ዓወት’ዚ፡ ኣቡነ ፊልጶስ ወንጌል እናሰበኸ ናብ ገዳሙ ተመልሰ። 

ኣብ 84 ዓመት ዕድመኡ (ቅድሚ ደብረ ቢዘን ምእታዉ 42 ዓመት፡ ምስ ኣተወ ድማ 42 ዓመት) ገዳሙ ኣነባቢሩ፡ ንወዱ ኣቡነ ዮሓንስ ኣብ መንበሩ ተኪኡ፡ ካብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ቃል ኪዳን ተቐቢሉ ኣብ 5 ነሓሴ ዓረፈ። ዓጽሙ ድማ ኣብዚ ሕጂ እንዳ ኣቡነ ፊልጶስ ቤተ ክርስቲያን ዓሪፉ ይርከብ።

ብድኅሪ ኣቡነ ፊልጶስ ገዳም ደብረ ቢዘን ምሕረትን በረኸትን እግዚአብሔር ኣይተፈለዮን። ቍጽሪ መነኮሳት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናወሰኸ ከደ። እቲ ታሪኻዊ ቅርስን ርስትን ጕልትን ገዳም’ውን በቶም ድኂሮም ዝተንሥኡ ኣበምኔታት ብተኣምራታዊ መንገዲ ዝገጥሞም ዝነበረ ተጻብኦታት እናሰዓሩ ተዓቂቡ እዩ።

ገዳም ደብረ ቢዘን፡ ትእምርቲ ጽንዓት ሃይማኖት ኮይኑ መራሕቲ ሃይማኖት ጳጳሳት ኣብ ምፍራይን መጻሕፍተ ትምህርተ ሃይማኖት ኣብ ምኅታምን ብዙኅ ኣበርኪቱ እዩ። 
ኣብ ገዳም ደብረ ቢዘን በብእዋኑ ዝተሓንፁ ሠለስተ ኣብያተ ክርስቲያን፦ ቅድስት ሥላሴ ቤተ ክርስቲያን፡ ኣቡነ ፊልጶስ ቤተ ክርስቲያንን ኣቡነ ዮሓንስ ቤተ ክርስቲያንን እዮም።

 

ብድኅሪ ኣቡነ ፊልጶስ ካብዚ ገዳም እናተበገሱ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዝመርሖም ቦታታት ገዳማት ዝመሥርቱ መነኮሳት ብዙኃት እዮም። ገለ ካብኣቶም ንምጥቃስ፦
1. ካብቶም 16 ኣርድእቱ ዝነበረ ኣባ ይባርከነ ክርስቶስ፦ ኣብታ ኣቡነ ፊልጶስ ዝጽልየላ ዝነበረ ዓቢይ ወግሪ (ዓቢይ እግሪ) ኣድያቦ ገዳም መሥሪቱ እዩ። ክሳዕ ሕጂ’ውን ብስሙ ቤተ ክርስቲያን ተሓኒፁ ይርከብ።
2. ኣቡነ ብፁዓ ኣምላክ፦ ንደብረ ምዕዋንን ደብረ ኮዳዱን ዝመሥረተ እዩ።
3. ኣቡነ ዓምደ ሥላሴ፦ ኣብ ጐንደር ገዳም ማኅበር ሥላሴ ዝመሥረተ እዩ።
4. ኣቡነ በትረ ሓዋርያት፦ ኣብ ዋልደቢ ቆላ ወገራ፡ በረኻታት ወልቃይት ገዳም ዝመሥረተ እዩ።
5. ኣቡነ ክፍለ ሥላሴ፦ ኣብ ባምቡቆ ‘ታቦተ ሥላሴ ቤተ ክርስቲያን’ ዝመሥረተ እዩ።

“ንጻድቅ ብስም ጻድቅ ዝቕበል ዓስቢ ጻድቕ ይረክብ” ማቴ. 10፡41 ከምዝበለና፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ከምቲ ቃሉ ዓስቢ (በረከት) ኣቦና ኣቡነ ፊልጶስን ኵሎም ቅዱሳንን ክኸፍለና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና!

    ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

ዕለት 27 ሓምሌ 2012 ዓ.ም. (03/08/2020 ፈ.) ብመንገዲ ቴሌኮንፈረንስ ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስን ኃለፍቲ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክን ምስ ምምኅዳር ሰበካ ጉባኤ መድኃኔ ዓለምን ቅድስት ማርያምን ቤተ ክርስቲያን (ቴልኣቪቭ)፣ ኮሚቴ ሕንፃ ኢየሩሳሌም፣ ሰፊሕ ዘተ ኣካይዶም።

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ብዓይኒ ዝርአ ዝንቀሳቐስን ዘይንቀሳቐስን ከምኡ’ውን ግዙፍነት ዘይብሉ ናይ ነዊኅ ዓመታት፡ ብቝጽሩ ብዙኅ፡ ብዓይነቱ ዘደንቕ ቅርስን ታሪኽን ከምዘለዋ ይፍለጥ።

No events found.
Ad Right

  

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ምሥጢር ፊደላትና ይተዓቀብ!

ኣብ ልሳነ ግእዝን ትግርኛን፡ ነፍስ ወከፍ ፊደል ናቱ ትርጕምን መግለጽን ኣለዎ። ብኣደማምፃኦም ሓደ ዓይነት ዝኾኑ፣ እንተኾነ ግና ብመልክዕን ቅርጽን ከምኡ’ውን...

ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ኃላፍቲ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓባይ ብሪጣንያ ርክብ…

ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ ከም መቀጸልታ ናይቲ ኣቀዲሙ ምስ ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ሃገረ ስብከታትን ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ከካይዶ ዝጸንሐ ጉባኤ፡...

ቅዱስ ሐዋርያ ፊልጶስ አሐዱ እምዓሠርቱ ወክልኤቱ ሐዋርያት 

18 ኅዳር ዕለተ ዕረፍቱ ናይ ሓደ ካብ ዓሠርተው ክልተ ሓዋርያት ዝኾነ ቅዱስ ፊልጶስ እዩ። ‘ፊልጾስ’፦ ማለት መፍቀሬ አኃው ፈታው ኣኅዋት፣ ኣኃዜ ኲናት...

ዘመነ አስተምህሮ

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለት፡ ብፍላይ ከኣ ዕለተ ሰንበት እሑድ ዝዝመር፡ ዝስበኽ፡ ዝንበብን ዝቕደስን ብሓፈሻ ዝበጽሕ ስብሐታትን ዝንበብ ቃለ እግዚአብሔርን ምሥጢር...

ጾመ ነቢያት፡ ካብ ሠሉስ 15 ኅዳር ጀሚሩ፡ በዓለ ልደት ድማ…

ቅድሚ በዓለ ልደት ኣብ ዘሎ ጊዜያት፡ “ወጥንተ ዚአሁ መንፈቀ ኅዳር/ መጀመርታኡ ፍርቂ ወርኀ ኅዳር” ከምዝብል ካብ 15 ኅዳር ጀሚሩ ክሳዕ...

ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ተኸቢሩ ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተባዒሉ!

ዓመት መጽአ 12 ኅዳር እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጻውያን ብመሪሕነት ሊቀ መላእት ቅዱስ ሚካኤልን ናጽነት ዝወጽእሉ ብምዝካር ዝኽበር ክብረ በዓል ቅዱስ...

"ንኣይ ዝሕግዘንን ዝከላኸለለይን ሚካኤል እዩ” ዳን. 10፡21

ቅዱስ ሚካኤል ሓደ ካብቶም ሊቃነ መላእኽቲ እዩ። (ይሁዳ 1፡9) ኃይላት ናይ ዝበሃሉ ነገድ ሓለቓ እዩ። (ሄኖ. 10፡2-12) ቅዱስ ሚካኤል ናይ...

ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ፡ ክብረ በዓል ቁስቋም ማርያም ኣረጊት ድባርዋ…

6 ኅዳር ክብረ በዓል ቁስቋም ኣብ ማርያም ኣረጊት ድባርዋን ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስን ጳጳስ ሃገረ ስብከት ደቡብ...

ዛዘምቲ ደረጃ ዲፕሎማ ቤት ትምህርቲ ስነ መለኮት ደብረሲና ቅድስት ሥላሴ…

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ከም ኣካል ብዘመናዊ ኣገባብን ሥርዓተ ትምህርትንምሥልጣንን ምምሃርን ኣገልገልቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን  ምሉእ ባይታ ብምጥጣሕ፡ ኣኅዳሪ መንፈሳዊ ኮሌጅ...

ሊቀ ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ

ሰማዕት ዝብል ቃል ‘ሰምዐ’ መስከረ ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሥ ዝተረኽበ ኪኸውን ከሎ ምምስካር፡ ምስክር ማለት እዩ። “ብዛዕባ እቲ ኻብ መጀመርታ ዚነበረ...

ሓዊ ማሕየዊ

‘ቲ ፈተና - ሓዊ፡ ንኣይ ዝተኣጒደ፡ዋላ ተሽለቘኒ ውሽጠይ እናንደደ፡ደኃር ግን ፈሊጠ ምስ በጽሐ እዋኑ፡ንምድራዊ ሕይወተይ መብሰሊ ምዃኑ።    ምኽንያቱ፡    ምድራዊ ሕይወተይ...

ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርት ሰንበት ቅድስት ኣርሴማ ሲደሮት ቤተ ክርስቲያን…

ብዕለት 7 ጥቅምት 2013 ዓ.ም.ግ. “ኣብ ዓይንኽ ዘሎ ስርወ ዘየስተውዓልካስ ንምንታይ ኣብ ዓይኒ ኃውኻ ዘሎ በሰር እትርኢ” ማቴ 7፡3 ብዝብል...

  

latest articles

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...