በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!
* ኣመጻጽኣ መስቀል፣
መስቀል ማለት ‘ሰቀለ’ ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሲ ዝተረኽበ ኾይኑ ትርጕሙ ድማ ዝተመሳቐለ መስቀለኛ ማለት እዩ፣ ኣይሁዳውያን ‘ርጉም ፣ ውጉዝ ፣ ገበነኛ እዩ’ ንዝበልዎ ሰብ ብሰይፊ (ዘፀ. 21፥14)፣ ብእሳት (ዘሌ. 20፥14) ፣ብውግረተ እብን (ዘሌ. 20፥27)፡ኣብ መስቀል ብምስቃል . . . ይቐጽዕዎ ነበሩ። /ዘዳ. 21፥22)
ንንጹሐ ባህርይ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሓንቲ በደል ዘይተረኽቦ ንምስቃል ዝተጠቕምሉ ሜላ ድማ ስቕለት ነበረ፣ ብመከራ ኣሣቕዮም ፡ኣእዳዉን ኣእጋሩን ሸንኪሮም፣ ኣብ መስቀል ሰቐልዎ፣ ጎድኑ ብዂናት ወግእዎ፣ ገበነኛ እዩ ንኽብሉ ‘‘ኢየሱስ ናዝራዊ ንጉሠ አይሁድ’’ ዝብል ጽሑፍ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ጸሓፉ፣ ብፍቓዱ’ውን ሞተ።
The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel means, Cross, and the feast commemorates the finding of the True Cross by St. Helena.
ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃእን እትነብሩ ምእመናንን ምእመናትን፣ ቅዱስ ፍቓዱ ኮይኑ ካብ ዘመነ ዮሓንስ ናብ ዘመነ ማቴዎስ ዘሰጋገረና እግዚአብሔር ኣምላኽና፣ እንቋዕ ናብ ብርሃነ መስቀሉ ብሰላም ኣብጽሓናን!
ንቤት ንባብ ደብረ ሲና ቅድስት ስላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ ኣብ መሥርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ከም መወከሲ ዘገልግል መጻሕፍቲ ብገባሬ ሠናይ ኣቶ ቴድሮስ ተስፋይ ሰሎሞን ተወፍዩ። 11 መስከረም 2012 ዓ.ም. ኣብ ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ ዝተገብረ ሥነ ሥርዓት ምርኽኻብ ኣቦታት ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ንኣቶ ቴድሮስ ስለቲ ዝገበሮ ብምምስጋን ልዑል እግዚኣብሔር ዘልዓሎ ክትክኣሉ
ቅዱስ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ካብ ኣቦኡ ክርስቶስ ሞዐን፡ ኣደኡ ሥነ ሕይወትን ኣብ እንድርታ፡ ጽራእ ኣብ ዝተባህለ ዓዲ ተወልደ። ክርስቶስ ሞዐን ሥነ ሕይወትን ብፈሪሀ እግዚአብሔር ዝነብሩ፡ ሠናይ ምግባር ዘዘውትሩ ፈጸምቲ ሕጊ ወንጌል ነበሩ። ክርስቶስ ሞዐን ሥነ ሕይወትን ኣብ ቃል ኪዳኖም ጸኒዖም ክነብሩ ኸለዉ፡ ክሳዕ ጊዜ እርጋኖም ውላድ ስለ ዘይነበሮም ብፍላይ ሥነ ሕይወት ወትሩ እናነብዐት ትልምንን ትመባፃዕን ነበረት።
ብዕለት 2 መስከረም 2013 ዓ.ም.ግ. “እግዚአብሔር ከኣ በደልካ ኣርሒቑልካ እዩ ኣይትመውትን ኢኻ” 2ይ ሳሙ. 12፡13 ብዝብል ኃይለ ቃል ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርት ሰንበት ቅዱስ ዮሐንስ ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ ዓለም ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል ተኸቢሩ!
1. ካብ ዮሐንስ (መለወጢ ዘመን ) ክሳዕ ዘካርያስ (1 መስከረም ክሳዕ 8 መስከረም)
ሓድሽ ዓመት ዝትክኣሉ እዋን ስለዝኾነ ኣብ ልቢ ክርስቲያን ሓድሽ ተስፋ ዝሽውተሉ እዩ። ኣብዚ ሰሙን’ዚ “ካብ ዘመነ ፍዳ ናብ ዘመነ ምሕረት እትሰጋገርሉ ጊዜ በጺሑ’ዩ” እናበለ ዝዓወጀ መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ ዝዝከረሉን ናቱ ትምህርተ ንስሓን ተግሣፅን፣ ተስፋን ጽንዓትን ዝስበኸሉ እዩ። ኵሎም ኣገልገልትን ምእመናንን ምእመናትን ከም ቅዱስ ዮሓንስ ስምዐ ጽድቅ (መስከርቲ ሓቂ) ከምኡ’ውን ክሳብ ሰማዕትነት ጽኑዓት ክኾኑ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ተስተምህር።
እዚ እዋን ሰማይን ማይን ዝጸርየሉ ጊዜ ብምዃኑ ካብ ብልየት ኽሕደሱን ብመንፈስ ኽዓብዩን ከምኡ’ውን “ደጊም እቲ ብዕብዳንን ብፍትወት ሥጋን ብስኽራን ብጓይላን ዓቐን ብዘይብሉ መስተን ብዘጸይፍ ኣምልኾ ጣዖትን ኽትነብሩ ከሎኹም ከምቲ ኣሕዛብ ዚደልይዎ እናገበርኩም ዘኅለፍክምዎ ዘመን ይኣክል።” (1ይ ጴጥ. 4፡3) ብምባል ብኃጢኣት ዘኅለፍናዮ ዘመን ብሓድሽ ጐደና ጽድቂ ብንስሓ ኽንትክኦን፣ ከም ዕምባታታት ምድሪ ብሃይማኖትን ምግባርን ኽንዕምብብ ብሰፊሑ ዝምህረና ጊዜ እዩ።
2. ካብ ጽባሕ ዘካርያስ - ሕንፀት (9 መስከረም ክሳዕ 16 መስከረም)
ብወርኀ ሰኔን ሓምሌን ዝተዘርአ ዘርኢ፡ ንፍሬ ምብጽሑ ዝግለጸሉ እዩ። ቅዱስ ዳዊት “ምድርኒ ወሀበት ፍሬሃ ወይባርከነ እግዚአብሔር አምላክነ/ ምድሪ ፍሬኣ ሃበት፣ እግዚአብሔር ኣምላኽና ድማ ባረኸና።” (መዝ. 66/67፡6) እናተባህለ እግዚአብሔር ዝምስገነሉ እዋን እዩ።
ጐይታናን ኣምላክናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ዳግም ምጽኣቱን ኅልፈተ ዓለምን ኣብ ዝተዛረበሉ ጊዜ፡ “እቲ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ከይከውንሲ ጸልዩ” ዝበለ ፡ ክረምቲ ቘጽሊ እምበር ፍረ ዘይርከቦ ንስኻትኩም ድማ ብቘጽሊ ዝምሰል እምነት ጥራይ ኂዝኩም ፍረ ጽድቂ ከየፍረኹም ከለኹም ሞት ከየርክበኩም ጸልዩ ንኽብል እዩ። (ማቴ. 24፡20) ስለዚ ብፍሬ ዝምሰል ንስሓ፡ ሥጋኡን ደሙን፡ . . . ሥነ ምግባር ኂዝና ኽንርከብ ዘተሓሳስብ እዋን እዩ።
3. በዓለ መስቀል - ፀአተ ክረምት (17 መስከረም - 25 መስከረም )
ነገረ መስቀለ ክርስቶስ ዝስበኸሉ ጊዜ እዩ። መስቀል፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ፡ ኃይሊ እግዚአብሔር ዝተገልጸሉን ድኅነት ኣዳም ዝተፈጸመሉን ቅዱስ ዕፅ ብምዃኑ ኃይሊ ዝህብ፡ ዓወት ዘጓናጽፍ፡ ካብ ደዌ ሥጋን ነፍስን ዝፍውስ፡ ልብሰ ጸልማት ኃጢኣት ኣርኂቑ ብርሃን ጽድቂ ዘልብስ . . . ስለዝኾነ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈላለየ መንገዲ ብውዳሴን ቅዳሴን ብፍሉይ ኵነታትን ተኽብሮ።
ቅዱስ ዳዊት “ወወሃብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ ከመ ያምስጡ እም ገጸ ቀስት/ ካብ ፍላጻ ጸላኢ ምእንቲ ኺድኅኑ ነቶም ዚፈርሁኻ ሰንደቕ ዕላማ ሃብካዮም።”” (መዝ. 59፡4/ 60፡4) ከምዝበሎ፡ቅድም ትእምርተ ውርደትን መርገምን ዝነበረ መስቀል፡ ድኅሪ ስቅለተ ክርስቶስ፡ ምእመናንን ምእመናትን ንኃጢኣት፡ ኣጋንንት፡ መናፍቃንን ፍትወታት እኩያትን ዘርኅቕሉ ትእምርተ ክብርን ልዕልናን ትእምርተ ድኅነትን ሰላምን፣ ትእምርተ ብርሃንን ፍቕርን፣ ትእምርተ ሥርየትን ምሕረትን ከምዝኾነ ብሰፊሑ ይስበኽ።
ስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!
ብመሠረት ትምህርቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ ቅዱሳት ኣሣእል ብዙኅን ዓቢይን ጥቕሚ ይርከብ። ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝርከቡ ትምህርትታትን ታሪኻትን ብሥእላዊ ኣገላልጻ ብዝሓፀረ መንገዲ ምርዳእ ይከኣል። ናይ ጐይታና ልደቱን ጥምቀቱን ስቕለቱን ትንሣኤኡን ዕርገቱን ብሥእሊ ገይርካ ምግላጽ፡ ናይ ጐይታና ወንጌለ መንግሥት ድኅነት ዓለም ምስባኽን ምምሃርን እዩ። ኣሣእል ጐይታ፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ቅዱሳን መላእክት፡ ቅዱሳን ሰባትን ቅዱስ መስቀልን ኣብ ቤተ ክርስቲያን፡ ቤተ ጸሎት፡ ቤትካ፡ ቅዱሳት መጻሕፍት ምሥኣል ኣብቲ በዓል ቤት ሥእሊ ዘሎካ ክብርን ፍቕርን ንምግላጽ፡ንምስትንታንን ንምዝካርን ከምኡ’ውን ካብቲ በዓለ ቤት ሥእሊ ረድኤትን በረኸትን ንምልማንን ምምኅጻንን እዩ።