ንሕይወተ ሥጋ ኣድለይቲ ዝኾኑ ነገራት ማይ፡ እንጌራ፡ ክዳን፡ መኅደሪ ቤት እዮም። (ሢራ. 29፡21)

ብቐዳምነት ነዚኦም ዘይረኸቡን ዘይብሎምን ሰባት “ጽጉማት” ይበሃሉ። ብተወሳኺ’ውን ብደዌ ነፍስን ሥጋን ተታኂዞም ኣብ ዓራት ዝደቀሱ፡ ብስእነት ጥዕናን ከቢድ ኣካላዊ ስንክልናን ወፊሮም ሠሪሖም ድራር ዕለቶም ክምእርሩ ዘይክእሉ፣ ረዳኢ ዝሰኣኑ፡ ኣላዪን ናባዪን ዘይብሎም ኣረጋውያን፡ ወለዶም ዝሰኣኑ ሕፃናት፡ . . . ካልኦት ነዚኦም ዝኣመሰሉ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት “ጽጉማት፡ ሽጉራት” ንብሎም።

ነዞም ጽጉማት ምሕጋዝ ብትምህርተ ሃይማኖትን ሕገ ተፈጥሮን ግቡእ እዩ። ንጽጉም ምሕጋዝ እቲ ጽጉም ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ዝረድእን ዝሕግዝን’ውን ይረብሕ እዩ። ንጽጉማት ምርዳእ ዝህቦ መንፈሳዊ ረብሓ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍት ብሰፊሑ ተገሊጹ ኣሎ።

ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ነቲ “ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኽረክብ እንታይ እግበር፧” ኢሉ ዝሓተቶ ሃብታም ሰብኣይ “እምበኣር ፍጹም ኽትከውን እንተ ደሌኻስ ኪድ ዘሎካ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ፣ ኣብ ሰማይ ድማ ሃብቲ ኽትረክብ ኢኻ እሞ ንዓ ሰዓበኒ” ብምባል ንጽጉማት ምርዳእ ሰማያዊ ጸጋ ከምዘውህብ መሃረና። ቅዱስ ዳዊት’ውን “ዘረወ ወወሀበ ለነዳይ፣ ወጻድቁኒ ይነብር ለዓለም ወይትሌዓል ቀርኑ በክብር/ ዘረወ፡ ንጽጉም’ውን ሃበ፣ ጽድቁ ድማ ንዘለዓለም ዓለም ይነብር፣ ኃይሉ ከኣ ብኽብሪ ልዕል ልዕል ይብል” በለ። (ማቴ. 19፡16-22 ፣ መዝ. 112፡9)

ንዝተጸገሙ ምሕጋዝ ሰማያውን ምድራውን ሓጐስ ዘውህብ ግብረ ሠናይ እዩ። ከመይ! “ካብ ዝቕበልሲ እቲ ዝህብ ኣዝዩ ይባረኽ” ከምዝብል፣ ሓጐስ፡ ልዕሊ ምቕባልን ምርካብን ዝያዳ ብምሃብ እዩ ዝርከብ። (ግብ. ሓዋ. 20፡35)

ንዝተገብረሎም ክመልሱ ዓቕሚ ዘይብሎም ሰባት ጸዊዕካ ምብላዕ፡ ምስታይ፡ ምርዳእ . . . ከምዝግባእ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክምህር ከሎ ፥ “ምሳሕ እንተገበርካስ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ደኣ ጸውዕ። ዝፈድዩኻ የብሎምን እሞ ብፁዕ ክትኸውን፡ ብትንሣኤ ጻድቃን’ውን ክትፍደዮ ኢኻ” ብምባል ውሣጣዊ ሓጐስን ሰማያዊ በረኸትን ከምዘውህብ ምሂሩና እዩ። (ሉቃ. 14፡13)

ንዝተጸገሙ ምሕጋዝ ግና ሰማያዊ ዓስቢ ጥራሕ ዘይኮነስ ብተወሳኺ ኸኣ ምድራዊ ሃብትና ብመጠን ውህብቶና በረኸት ዘውህብ፡ ጥቅሚ ነፍስን ሥጋን ዘለዎ እዩ። “ሃቡ ክወሃበኩም እዩ፡ በቲ እትሠፍሩሉ መሥፈሪ ከኣ ክሥፈረልኩም እዩ” ዝብል ኣምላካዊ ቃል ኪዳን እሙን እዩ። (ሉቃ. 6፡38)

ብዛዕባ ሓደ ሸረፌ ዝበሃል ሃብታም ሰብኣይ ዝንገር ታሪኽ ኣሎ። እዚ በዓል ጸጋ’ዚ ነቲ ጽሩይን ዘይጽሩይን ፈልዩ ዝፈልጥ ሹመኛ ጸዊዑ “መዓልታዊ ሓሓደ ወቄት ወርቂ ከይሃብካ ከይትውዕል” በሎ። እንተሃበ እንተሃበ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናበርከተ ከደ። ብድኅር’ዚ ካብ በዝሐ ኢሉ ካብቲ ዝተኣዘዞ ንላዕሊ ኽልተ ኽልተ ወቄት ክህብ ጀመረ። ሓደ መዓልቲ እቲ ሃብታም ሰብኣይ ኣብቲ ቤተ መዛግብቱ እንተ ኣተወ ገንዘቡ በዚኁ ምስ ርኣየ፦ ነቲ ዝሾሞ ጸዊዑ ‘ነቲ ሃብ ዝበልኩኻ ኃዲግካዮ ዲኻ፧’ በሎ። ንሱ ኸኣ “ኣነስ ካብቲ ዝኣዘዝካኒውን ኣብዚሐ ክልተ ክልተ ወቄት እህብ ኣሎኹ” ምስ በሎ፣ “እምበኣር ካብ ሕጂ ንደኃር ሓደ ክልተ ከይበልካ ኢድካ ዘልዓሎ ሃብ” ከምዝበሎ ይነገር። (ትርጓሜ 2ይ ቆሮንቶስ 9:9)

መፍቀሬ ጥበብ ሰሎሞ’ውን “እቲ ርኅሩኅ ሰብ ንድኻ ኻብ እንጌራኡ ይህቦ እሞ ይባረኽ” ብምባል ንጽጉም ምርዳእን ኢዱካ ናብ ድኻታት ምዝርጋሕን በረኸት ዘውህብ ተግባር ከም ዝኾነ ይነግር። (ምሳ. 22፡9)

ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ካብ ጐይታና ክርስቶስ ከም ዝተመሃረቶን ኣቐዲማ ኻብ ቅዱሳን ነቢያት ደኃር’ውን ካብ ቅዱሳን ሓዋርያት ከምዝተረደኣቶን ንጽጉማት ምርዳእ ናይ ጥንቲ ተግባራ ስለዝኾነ፣ ንሕሙማነ ሥጋን ነፍስን ብጸሎትን ጸበልን እናፈወሰት፡ ሰዓብታ ምእመናንን ምእመናትን ድማ ነንሓድሕዶም ክተሓጋገዙን ትምህር።

ብፍላይ እዚ ዘሎናዮ ጊዜ ሕማም ኮቪድ 19 ኣብ ኵሉ ዓለም፡ ሃገርናን ሕዝብናን፡ ቤተ ክርስቲያናን ከቢድ ጥዕናውን ቁጠባውን ጽልዋ ዘውርደሉ ዘሎ ጊዜ እዩ። ስለዚ ንኣገልገልቲ ገዳማትን ኣብያተ ክርስቲያንን፣ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝመነባብሮኦም ወገናት፣ ጠዋሪ ዘይብሎም ኣረጋውያን፡ ዘኽታማት፡ ሕሙማን፡ . . . ካብ ጥሜትን ስእነትን እነናግፈሉ እዋን ሕጂ እዩ።
ብጸሎት፡ ብገንዘብ፡ ብጒልበት፡ ብምኽሪ፡ ብሞራል፡ ብዓይነታዊ ሓገዝ መግብን ክዳንን ካልእን ንእምነትና ብግብሪ ንግለጾ።

እዚ ናይ መከራ እዋን ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ካልእ እዋናት ብምሕረት እግዚአብሔር ክኃልፍ እዩ። ነዚ ዝኃልፍ እዋን ግና ዘይኃልፍ ሰማያዊ ዓስብን ምድራዊ ሓጐስን ሥጋዊ በረኸትን ክንረብሓሉ ይግባእ።


•    “በእንተ ርኁባን ወጽሙአን፡ ናስተበቍዕ ከመ እግዚአብሔር የሀቦሙ ሲሳዮሙ ዘለለዕለቱ።”
       “እግዚአብሔር ምእንቲ ነናይ ዕለቱ ሲሳዮም ክህቦም ምእንቲ ጥሙያትን ጽሙኣትን ንልምን ኣሎና”

•    “በእንተ ሕሙማን ወድውያን፡ ናስተበቍዕ ከመ እግዚአብሔር ፍጡነ ይፈውሶሙ ወይፈኑ ሣህለ ወምሕረተ ላዕሌሆሙ”
“ እግዚአብሔር ብቕልጡፍ ክፍውሶም፣ ምሕረቱን ጸጋኡን ክልእከሎም ምእንቲ ሕሙማትን ድዉያትን ንልምን ኣሎና።”

•    "ተዘከር እግዚኦ ዱያነ ሕዝበከ፡ ሐውጾሙ በሣህልከ ወበምሕረትከ ፈውሶሙ።”
     “ኦ ጐይታ ንሕሙማት ሕዝብካ ዘክር፡ ብሣህልኻን ብምሕረትካን’ውን ኣድኅኖም።”

•    “ተዘከር እግዚኦ ነዳያነ አግብርቲከ እለ ውስተ ኵነኔ ሀለዉ መሐሮሙ ወአጽንዖሙ በርትዕት ሃይማኖት።”
      “ ኦ ጐይታ ብጽኑዕ ኣገዛዝኣ ንዘለዉ ድኻታት ኣገልገልትኻ ዘክሮም፡ ምሓሮም ብቕንዕቲ ሃይማኖት’ውን ኣጽንዓዮም።”

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!


ገዳም ደብረ ሲና፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ ከባቢ መንሳዕ፡ ካብ ዒላበርዕድ ንሸነኽ ምሥራቕ ብእግሪ ናይ ክልተ ሰዓትን ፈረቓን ምስ ከድካ ዝርከብ ጥንታውን ታሪኻውን ገዳም እዩ። እዚ ገዳም’ዚ ካብ ጥንቲ ካብ ዘመነ ብሉይ ጀሚሩ ሥርዓተ ኣምልኮ ዝፍጸመሉ ዝነበረ፣ ኣብ ዘመነ ሓዲስ ድማ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣደኡ ቅድስት ድንግል ማርያምን ቅዱስ ዮሴፍን ሰሎሜን ናብ ግብጺ ኣብ ዝተሰደሉ እዋን፡ ብግብጺ ኣቢሎም ኣብዚ ገዳም ደብረ ሲና ንኣርባዕተ ወርኂ ከምዘዕረፉ መጻሕፍተ ቤተ ክርስቲያን ይነግሩ።

20 ሰኔ ሕንፀተ ቤታ ከምኡ'ውን 21 ሰኔ ቅዳሴ ቤታ እናተባህለ ዝኽበር በዓል እዩ። እዚ ኸኣ ክብረ በዓል ናይታ ንመጀመርታ ጊዜ ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ፊልጵስዩስ ቤተ ክርስቲያን ተሓኒፃ፡ ብጸሎተ ቅዳሴ ዝኸበረትሉ እዩ።

ሥርዓተ ኣምልኾ ዝፍጸመሉ፣ ስብሐታትን ውዳሴያትን ዝበጽሓሉ፡ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ዝዳለወሉ፡ ነገረ ሃይማኖትን ሥርዓትን ትውፊትን ዝንገረሉ ቅዱስ ቦታ (ሕንፃ) ቤተ ክርስቲያን ወይ ቤተ እግዚአብሔር ተባሂሉ ይጽዋዕ። ቤተ እግዚአብሔር ንኽሕነፅ ዝኣዘዘ ባዕሉ እግዚአብሔር እዩ። ሕዝበ እስራኤል ካብ ግብጺ ምስ ወፅኡ፡ ነቢየ እግዚአብሔር ሙሴ ኣብ ደብረ ሲና ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ጾመ እሞ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንሕዝቡ ዝመርሓሉ ዓሰርቱ ቃላት ሕጊ ኣብ ጽላት ጽሒፉ ሃቦ። ነዚ ጽላት’ዚ ዘቐምጠሉን ሥርዓተ ኣምልኮ ዝፍጸመሉን ስመ እግዚአብሔር ዝምስገነሉን ድንኳን ክሓንፅ እግዚአብሔር ኣዘዞ። ነቢይ ሙሴ ምስ ባስልኤልን ኤልያብን ዝበሃሉ ጥበበኛታት ድማ ነቲ ድንኳን ሠሪሖም ፈጸሙ።

ኣባ ገሪማ

Jun 23, 2020

ስም ኣቡኡ ንጉሠ ሮማ መስፍያኖስ ስም ኣደኡ ሰፍኖግያ፡ ኣደኡ መካን ስለዝነበረት ናብ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ለመነት እግዚአብሔር ነዚ ብሩክ ውላድ ሃባ፡ ስሙ ከኣ ይስሓቅ በልዎ።

ኣብ ሃገረ ብሕንሳ ዝተወልደ፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ ቅዱሳን ኣበው ናይ ፍቕሪ ኣቦ ‘ኣባ ለትጹን’ እዩ። ቅድሚ ምንኵስናኡ፡ ኣብ ዕድመ ጉብዝናኡ፡ “ዘይፈቅድ ያድኅና ለነፍሱ ለይግድፋ ወዘሰ ገደፋ ለነፍሱ በእንቲአየ ይረክባ ለሕይወት ዘለዓለም/ ንሕይወቱ ኪረኽባ ዝደሊ ከጥፍኣ እዩ፡ እቲ ንሕይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ግና ንዘለዓለማዊ ሕይወት ከድኅና እዩ” (ማቴ. 10፡39) ዝብል ቃል ወንጌል ምስ ሰምዐ ልቦናኡ ብፍቅረ እግዚአብሔር ነደደ። ናብ ደብረ እስዋት ብምኻድ ኸኣ ብጽኑዕ ተጋድሎ ኣብ ጾምን ጸሎትን ተጸሚዱ ከሎ መልኣከ እግዚአብሔር ተገሊጹ ናብ ኣባ ኤስድሮስ ከይዱ ኣስኬማ መላእክት ኣርዑት ምንኵስና ክለብስ ኣዘዞ።

No events found.
Ad Right

  

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ክብረ በዓል ወዝክረ ዕረፍት አቡነ ኤዎስጣቴዎስ 18 መስከረም 2013 ዓ.ም…

ኣብ ናይ መንፈስ ደቆም ገዳማትን ብሽሞም ኣብ ዝተሓንፁ ኣብያተ ክርስቲያንን ክብረ በዓል ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ተኸቢሩ።

ክብረ በዓል ቅዱስ መስቀል 2013 ዓ.ም. ብመንፈሳዊ ተመስጦን ሓበንን ተባዒሉ!

ትማሊ ዕለት 17 መስከረም 2013 ዓ. ም. ክብረ በዓል ቅዱስ መስቀል፡ ዓቃቤ ወንበር ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ...

“ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም” ዕብ. 13፡7 - አቡነ…

ቅዱስ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ካብ ኣቦኡ ክርስቶስ ሞዐን፡ ኣደኡ ሥነ ሕይወትን ኣብ እንድርታ፡ ጽራእ ኣብ ዝተባህለ ዓዲ ተወልደ። ክርስቶስ ሞዐን ሥነ...

ወገብረ ሰላመ በደመ መስቀሉ/ ብደም መስቀሉ ሰላም ገብረ። ቈላ. 1፡19-20

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!    * ኣመጻጽኣ መስቀል፣ መስቀል ማለት ‘ሰቀለ’ ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሲ ዝተረኽበ ኾይኑ ትርጕሙ ድማ ዝተመሳቐለ...

እንቋዕ ናብ በዓለ መስቀል 2013 ዓ.ም. ኣብጽሓና!

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃእን እትነብሩ ምእመናንን ምእመናትን፣ ቅዱስ ፍቓዱ ኮይኑ ካብ ዘመነ ዮሓንስ ናብ ዘመነ ማቴዎስ ዘሰጋገረና እግዚአብሔር ኣምላኽና፣ እንቋዕ...

ንቤት ንባብ ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ ዘገልግል…

ንቤት ንባብ ደብረ ሲና ቅድስት ስላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ ኣብ መሥርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ከም መወከሲ ዘገልግል መጻሕፍቲ ብገባሬ ሠናይ ኣቶ ቴድሮስ...

ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርት ሰንበት ቅዱስ ዮሐንስ ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ…

ብዕለት 2 መስከረም 2013 ዓ.ም.ግ. “እግዚአብሔር ከኣ በደልካ ኣርሒቑልካ እዩ ኣይትመውትን ኢኻ” 2ይ ሳሙ. 12፡13 ብዝብል ኃይለ ቃል ዓመታዊ በዓል...

ካብ ርእሰ ዓውደ ዓመት ክሳዕ ፀአተ ክረምት

1. ካብ ዮሐንስ (መለወጢ ዘመን ) ክሳዕ ዘካርያስ (1 መስከረም ክሳዕ 8 መስከረም) ሓድሽ ዓመት ዝትክኣሉ እዋን ስለዝኾነ ኣብ ልቢ ክርስቲያን...

በዓለ ሥእል ዘጼዴንያ

ብመሠረት ትምህርቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ ቅዱሳት ኣሣእል ብዙኅን ዓቢይን ጥቕሚ ይርከብ። ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝርከቡ ትምህርትታትን ታሪኻትን ብሥእላዊ ኣገላልጻ...

ሓድሽ ዓመት ብሓድሽ መንፈስ!

ኣብቲ ብብርሃን ዝወቀበ ዘመን ኣዳራሽ ፡ ኣርባዕተ ወንጌላውያን ከም ዕንቍ ተኾሊዖም ብሓጐስ ዝነብርሉ፡ ሓደ ንበይኑ ኣብ መደቡ ግልል ኢሉ ነበረ።...

ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርት ሰንበት ቅዱስ ሩፋኤል ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ…

ብዕለት 3 ጳጕሜን 2012 ዓ.ም.ግ. “ሕይወቱ ምሉእ ንእግዚአብሔር ኣሚኑ ዝኃፈረ የለን” መጽ.ሲራ. 2፡10 ብዝብል ኃይለ ቃል ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርት...

ገዳም ደብረ ደናግል ሰማዕት ቅድስት ኣርሴማ ገዳመን ክሓንፃ ፕላን ኣጽዲቀን…

ናይ ደቀ ኣንስትዮ ገዳም ደብረ ደናግል ሰማዕት ቅድስት ኣርሴማ ብ29 መስከረም ብሠናይ ፍቓድ ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ተገደመ ቤተ ጸሎት፡ መንበሪ...

  

latest articles

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...