
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!
ጸሎት
ጸሎት ምስ እግዚአብሔር ዘራኽበና መንገዲ እዩ። ስለዚ ሓደ ክርስቲያን ኵሉ ጊዜ ኺጽሊ ይግባእ። እዚ ማለት ድማ ኽንትንሥእን ክንድቅስን ክንበልዕን ክንሰትን ክንሠርሕን ከነዕርፍን ክንወፍርን ክንኣቱን ከሎና፡ ብጸሎት ስም እግዚአብሔር ጸዊዕና፡ ክግበረልና ብእንደልዮ ክንልምን፡ ብዝተገብረልና ኸነመስግን ክርስቲያናዊ ሕጊ እዩ።
ብንጹሕ ሕሊና ነቒሕናን ተጊህናን ክንጽሊ ከም ዝግብኣና ቕዱሳት መጻሕፍቲ ይነግሩና እዮም። በዚ መሠረት’ዚኻብ ጸሎት ዝተፈልየ ሕይወት ክህልወና ፍቓድ ኣምላኽ ኣይኮነን። ጸሎትና ኸምቲ ንበልዖ እንጌራን ንሰትዮ ማይን ዘየቋርጽ ኺኸውን ይግባእ። ክንጽሊ ዝመሃረና’ውን ባዕሉ ጐይትና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ቅዱስ ዳዊት’ውን “ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ጊዜ ኣመስግነካ ኣሎኹ።” ይብል።